ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ብምኽንያት 'ጾመ ትግራይ' ዝተዓጸዋ ትካላት ንግዲ ዝተወስደ ስጉምቲ እንታይ'ዩ?

ከተማ መቐለ ሎሚ ንጎሆ 17 ግንቦት 2013 ዓ//ም

ምንጪ ስእሊ, M.A.

ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መነኮሳትን ሰላማውያን ሰባትን ዘጋጠመ ቕትለትን ጾታዊ ዓመጻትን ንምኹናን፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ትግራይ ጾም ተኣዊጁ ነይሩ።

እዚ "ጾመ ትግራይ" ብዝብል ካብ ገዳማት ትግራይ ብሃገረስብከት እቲ ክልል ዝተኣወጀ ጾም ትማሊ ኣማስዩ ከብቅዕ እንከሎ፡ ብምኽንያት እቲ ኣዋጅ ጾም ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ትግራይ ንግዳዊ ትካላት ተዓጽዮም ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ደው ኢሉ'ዩ ቐንዩ።

ይኹን'ምበር ብምኽንያት እቲ ጾም ትካላት ንግዲ ናይ ዝዓጸው ነጋዶ መቐለ ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ስጉምቲ ከም ዝወሰደሎምን ሹቛቶም ከም ዝዓሸጎን ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነጋዶ ገሊጾም።

ኣቶ ሙሉ ብርሃን ከምኡ'ውን ኣቶ ፅጋብን ካብቶም መስርሒ ቦትኦም ዝተዓጸዎም ነጋዶ ከተማ መቐለ ከም ዝኾኑ ይዛረቡ።

"ንሕና ዘንጸሎት ኢና ዓጺና፤ ምሕረት ክወርደልና ክንጽሊ ዓጺናዮ፤ ግን ኣብ ጸሎት እናሃለኹ ትካለይ ከም ዝተዓጸወ ሰብ ነጊሩኒ። ኩሉ ካብ ሮማናት ክሳብ ሓውዜን ኣደባባይ፣ ካስትል፣ ቀዳማይ ወያነ . . . ኩሉ ተዓጽዩ'ዩ ነይሩ" ክብል ኣቶ ሙሉ ብርሃን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ሮማናት እንዳ ጽገና ሞባይል ከም ዘለዎ ዝዛብ ኣቶ ጽጋብ ብወገኑ ካብ ሰሉስ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ስራሕ ቦትኡ ከም ዝተዓሸገ ሓቢሩ።

"ስራሕ ዝዓጸየ ኩሉ ትካሉ ተዓሺጉ'ዩ'፤ ናተይ'ውን ተዓሺጉ ኢሎም ወረቐት ለጢፎም ዓጽዮምዎ ከይዶም" ኢሉ።

ብፍላይ ድማ ብልሙድ 'ዕዳጋ ድፍኦ' ብዝብል ዝፍለጥ ሃለቕቲ ኣቑሑን ካልኦትን ዝቐርበሉ ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግዲ እታ ከተማ ዝሓዘ ዕዳጋ ቐዳማይ ወያነ፡ ብብዝሒ ከም ዝተዐዓጽወ ነበርቲ ገሊጾም።

ኣንበሳ ጫማታት፣ ሞባይል ጽገና፣ እንዳ ክዳን፣ እንዳ እኽልን ቡን ዘበሉ ኩሎም ትካላት ንግዲ ከም ዝተዓሸጉ ርኢይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ነበርቲ ኣረጋጊጾም።

ኣብታ ከተማ ትካል ንግዲ ከም ዘለዎ ዝዛረብ ዶክተር ሓየሎም፡ "ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ትካላት ንግዲ ኣይተኸፈቱን፤ [ንሳቶም ከኣ] ንወርሒ ዓሺጎምዎ" ክብል እቶም ስጉምቲ ዝተወስዶም ትካላት ብግዝያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ንሓደ ወርሒ ክዕጸው ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ኣብዚ ናይ ፆምን ፆሎትን ግዘ'ዩ ዝተባህለ እዋን፡ ኣመንቲ ንሰለስተ መዓልታት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ፣ ስርሖምን ካልኦት ድልየታቶምን ንግዝኡ ክግድቡ፣ ዝኾነ ዓይነት ምርኻባት ጠጠው ኣቢሎም ክጾሙ ሃገረ ስብከት እቲ ክልል መምርሒ ሂቡ ነይሩ።

በዚ መሰረት ካብ ገዝኦም ንዘይምውፃእን ንዘይምንቅስቓስን ከም ዝወሰኑ ዝገልጹ እቶም ነጋዶ፡ ኣብዘን መዓልታት ትካሎም ብዘይምኽፋቶም 50 ሽሕ ብር ክቕጽዑን ንሓደ ወርሒ ከይትኸፍቱ ዝብልን ሓበሬታ ኣብ ትካል ንግዶም ከም ዝተጠቅዐን ኣብሪሆም።

"ጸሎት ይቕድም ኢልና ከይድና ኣየዘራረብናዮምን፤ ግን ኣብቲ ዝተለጠፈ ወረቐት ንሓደ ወርሒ ክዕጾን 50 ሽሕ ብር ቕጽዓት ይብል። እቲ ክቕድም ዘለዎ ጸሎት'ዩ . . . ህይወት'ዩ። ስራሕ ድሕሪ ህይወት'ዩ ዝስራዕ" ኢሉ ኣቶ ሙሉ ብርሃን።

ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ዝተወከስናዮ ሓላፊ ቢሮ ንግድን ኢንዳስትርን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ዮሴፍ ብዛዕባ እዚ "ናይ ቢሮ ርክብ ህዝቢ'ዩ መረዳእታ ዝህብ፤ ኣነ ሓበሬታ ክህብ ስልጣን ስለ ዘይተዋህበኒ ሓበሬታ ኣይህበኩምን" ዝብል መልሲ ሂቡና።

እንተኾነ ካብቲ ዝተባህለ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቶም ነጋዶ፡ ትካሎም ንሓደ ወርሒ ክዕጾ ተዓሺጉ ምባሎም ልክዕ ኣይኮነን ዝብል ግዝያዊ ከንቲባ መቐለ ኢንጂንየር ይግዛው ሓጎስ ብወገኑ፡ ተጣዒስና ኢና ኢሎም ይቕሬታ እንተድኣ ሓቲቶም ናብ ስርሖም ክምለሱ ይኽእሉ'ዮም፤ ብኸምዚ ድሮ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመሩ ኣለው'ዮም ኢሉ።

ይኹን'ምበር እቲ ብምኽንያት ጾም ኢና ትካልና ዓጺና ዝብል "ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ የብሉን" በለ እቲ ከንቲባ፡ ውልቀሰባት ሃይማኖት ከኽብሩ መሰል እንተሃለዎም'ውን ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ቦታ ምዕጻው ሳዕቤን ኣለዎ'ዩ ኢሉ።

"ኣብ ህጹጽ ግዜ ኢና ዘለና፤ ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣለውና። ቀረብ ማይ፣ መጓዓዝያን ካልእን የድልየና፤ እዚ ኹሉ'ዩ ደው ኢሉ። ህዝቢ ጠምዩ እናበልና ኣገልግሎት ንኸልእ እንተኾይንና ነገራት ክጋደድ እዩ ዝገብር። ስለዚ መምሃሪ ንክኸውን ኣብ ገሊአን ስጉምቲ ተወሲዱ" ይብል።

ብቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ዝተኣወጀ "ጾመ ትግራይ" ኣብ ካልኦት ከተማታት'ውን ተግባራዊ ክኸውን እንከሎ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ህዝቢ ተገዲዱ ክንቀሳቐስን ትካላት ንግዱ ክኸፍትን ከም ዝተገበረ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዕዳጋ ቀዳማይ ወያነ

ምንጪ ስእሊ, FB/Kassa Hailemariam

'ፆመ-ትግራይ' እንታይ እዩ?

'ጾመ ትግራይ' ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘጋጥም ዘሎ ሞት ኣዴታትን ጾታዊ ዓመጽን ከምኡ'ውን ግፍዓዊ ቅትለት ኣቕሽሽትን መራሕቲ ሃይማኖትን ንምኹናን፤ ንምዝካርን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብተን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት ድማ ህዝቢ ትግራይ ንፈጣሪኡ ጸሎትን ልመናን ዘብጸሐሉ፣ ምስ ኣምላኹ ዝራኸበሉን ጥራይ ከም ዝኾነ እዩ ተኣዊጁ።

ገለ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዲያስፖራ ኣብቲ መደብ ተጸምቢሮም ክጉስጉሱን ክጾሙን ተራእዮም።

እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ኣጋ ምሸት እኽለ ማይ ከይለኸፍካ ምውዓል፣ ስልኪ ዘይምዝራብ፣ ዝኾነ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ካብ ምግባርን ካብ ጾታዊ ርክባትን ምቑጣብን ዝጠልብ እዩ።

ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ ብሰሉት ኣብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ቀሪቦም ነቲ ጾመ ጸሎት ብዕሊ ኣዊጆም።

'ጾመ ትግራይ' መጀመርታ ካብ ኣብ ገዳማት ትግራይ ዝርከቡ ኣቦታት ዝተኣወጀ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተቓለሐ ሰነ፡ ንመጻኢ ድማ ተመሳሳሊ ግፍዒ ከይፍጸም ከም መዘከርታ ሓወልቲ ኽኸውን ዝብል ይርከቦ።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ድማ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለው፡ ካልኦት ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ይግለጽ።

መንግስቲ ነዞም ተመዛበልቲ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ የብጽሕ ምህላው'ኳ እንተገለጸ፡ መንግስታትን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ግን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ግን ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል ስግኣቶም ይገልጹ።