ስምና ንስብእናናን መንነትናን ብኸመይ ይጸልዎ?

መብዛሕትና ዓቢና ትርጉምን ጽልዋን ሽምና ክሳዕ እንፈልጥ ምስ ተወለድና ዝወጽኣልና ሽም ሒዝና ኢና ንቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Catherine Delahaye/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትና ዓቢና ትርጉምን ጽልዋን ሽምና ክሳዕ እንፈልጥ ምስ ተወለድና ዝወጽኣልና ሽም ሒዝና ኢና ንቕጽል

ኣብ ጉዕዞ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ቦታ ስራሕ . . . ኮታ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ዕዮ ኣብ ዝዕየየሎም ቦታታት ክንከይድ እንከለና ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ቀዲሙ እንሕተቶ 'ሽም' ዝብል እዩ።

ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ኣብ ዝህልወና ናይ መጀመርታ ሌላ፡ ዕድመና ወይ ዝመጻእናሉ ቦታ፣ ዝተመሃርናሉ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕና፣ ንዝተፈላለዩ ነገራት ብዛዕባ ዘለና ኣረዳድኣን ኣጠማምታን . . . ወዘተ ቅድሚ ምሕታቶም "እከለ ይብሃል . . . ንላለ" እዮም ዝብሉኻ።

ወለድና ወይ ኣዝማድና እኳ ጌና ኣብ ከብዲ ኣዴና እናሃለና ሽም ውላዶም ንክሓርዩ ክንደይ ድዮም ዝጭነቑ?

ብሱሩ'ውን እቲ ሕብረተሰብ ባህሊ ግዲ ኮይኑዎ፡ ቆልዓ ውልድ ምስ በለ "መን ከ በልኩምዋ' ኢልኩምዎ?" ኢሎም'ዮም ዝሓቱ።

ግን፡ ውነ ኣብ ዝገበርኩምሉ እዋን ሽመይ ብዛዕባይ እንታይ ይብል? ካብ ሽመይ ብዝነቐለ ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ክህልዎም ገይሩ ኢልኩም ሓሲብኩም'ዶ ትፈልጡ?

እንተዘይኮይኑ፡ ሕጂ ሽምኩም ምስ ባህርያትኩም ካብኡ ብዝብገስ ሰባት ኣብ ልዕሌኹም ብዛዕባ ዝወስዱዎ ግምትን ክነነግረኩም።

Short presentational grey line

ወለድና ሽም ጥራሕ ዘይኮነ ዘውጽኡልና፡ ምስላ'ውን ድርብ የብልሉ'ዮም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ "ስም ይመርሕ፤ ጥዋፍ የብርህ" ይብሉ። እዚ ምስላ ጸኒሕና ክንምለሶ።

ግርም! ስድራቤትና ብዝተፈላለየ መገዲ ኣልዮም ሃኒጾም ኣዕብዮምና ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።

ካብ ሓልዮት ብዝነቅል ወይ'ውን ብባህሪኦም ኣዝዮም ክትትል ዘብዝሑ ሰባት ብምዃኖም ሰጥ ኣቢሎም ቀጺዖም ዘዕብዩ ወለዲ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ ዘመን ህይወትና፡ ሓንቲ ዝንተኣለማዊ ውህብቶኦም ኮይና ኣብ ዝሃለና ሃሊና ምሳና ለጊባ ብዛዕባ እትተርፍ ነገር ግን ክንደየናይ ሓሲብና ንፈልጥ ንኸውን።

ወለዲ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዘውጽኡልና ሽም ኩል ግዜ ምሳና'ያ፤ ንሽምና ግን ክንደየናይ ንፈትዎ? ብዛዕብኡ ዘለና ኣመለኻኽታ እንታይ ይመስል?

እወ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ዘውጽኡሎም ሽም ኣዝዮም ይጭነቑ'ዮም።

ብሱሩ'ውን መመዘኒ ፈጠራ ተገይሩ ዝውሰደሉ ኣጋጣሚታት ከምኡ'ውን ናይ ባዕሎም መንነትን ስብእናን ዝገልጽ ዝኾነሉ እዋናት ውሑድ ኣይኮነን።

ንኣብነት፡ ነጻነት፣ ብርሃን፣ ሰላም፣ ሃገር፣ ግተት፣ ተኽለሃይማኖት . . . ዝብሉ ኣሽማት ዝተለመዱ እንተመሰሉ'ውን፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣሽማት ንደቆም ዘውጽኡ ወለዲ ግን ካብ ባዶ ተላዒሎም ኣይኮኑን።

ዝሓለፉዎ መከራ፣ ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ፣ ተስፋ ዝገብርሉ መጻኢ ብዝተሓሓዝ ናይ ባዕሎም መንነትን ባህግን ዘንጸባርቑሎም ኣሽማት ንደቆም ከውጽኡ ይስትውዓል።

ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትኦም ዘየስተብህልሉ ወይ'ውን መሊኦም ክግንዘብሉ ዘይኽእሉ ሓደ ነገር፡ እቲ ሕርያ ሽም ካልኦት ሰባት ኣብ ልዕሊ እቶም ቆልዑ ክህልዎም ዝኽእል ኣረኣእያ ኣብ ምቕራጽ ዝህልዎ ጽልዋ እዩ።

እዚ መወዳእትኡ መንነት ውላዶም'ውን ዝውስን ስለ ዝኾነ፡ ተገዳስነት ይሓትት።

"መብዛሕትኡ ግዜ ሽም፡ ሓደ ውልቀሰብ ዝልለየሉን መዓልታዊ ምስ ካልኦት ሰባት ዝረዳድአሉን ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስ ካልኦት ኣብ ዝህልወካ ርክብ ግን ብዛዕባ ባዕልኻ ንዝህልወካ ርድኢት መሰረት ኮይኑ ዘገልግል'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ክኢላ ስነ ልቦና ዝኾነ ዴቪድ ዝሁ።

እቲ ክኢላ ኣብ ዙርያ ስነ ልቦና ኣሽማት መጽናዕቲ ኣካይዱ'ዩ።

ንስነ ልቦናና ዝቐርጹ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው። ሓረግ/ ሰረት ወለዶ (ጂን) ቀዲሙ ዝርቋሕ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ኣብ ህይወትና ዝምዕብሉ፣ ኣብ ጉዕዞ ህይወት እነኻዕብቶ ተሞክሮ ኣብ ስነ ልቦናዊ ህንጸትና ዓብዪ እጃም ኣለዎም።

ብተወሳኺ ሓቢሮምና ዝውዕሉ ሰባት፣ ኣብ ቦታ ስራሕ ወይ ስድራ ሓላፍነት እንወስደሉ ጉዳያት ጽልዋ ይፈጥሩልና'ዮም።

እዚኦም ኩሎም ኣብ ዘለው ኣጋጣሚታት ግደ ሽምና ክንዝንግዕ ንቡር እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ 1961 መስረትቲ ስነ ልቦና ስብእና ዝኾኑ ጎርደን ኦልፖርት "ሽምና፡ ኣገዳሲ መልህቅ ህይወትናን መንነትናን እዩ" ይብል።

በዚ መሰረት፡ ሽምና ካበየናይ ብሄር ከም ዝመጻእና ወይ'ውን ድሕረ ባይታና ካበይን ኣበይን ምዃኑ ከም ዘርኢ ይንገር።

Short presentational grey line

እዚ ማለት ግን ኩል ግዜ ሽምና ንድሕረ ባይታና ይውክል'ዩ ማለት ኣይኮነን።

ንኣብነት ናይ ዓረብ ሽም ዘለዎ ሰብ ኩሉ ዓረባዊ'ዩ ማለት ኣይኮነን። ናይ ኤውሮጳ ሽም ዘለዎ ሰብ'ውን ከምኡ።

ይኹን'ምበር መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝወሃበካ ሽም ምስ ዝኾነ ክፋል ሕብረሰተብ ዝተኣሳሰረሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ ስለ ዝኾነ ብምኽንያት ሽሞም ግዳያት ዝኾኑ ኣይስኣኑን።

ሽም ዝፈጥሮ ጽልዋ ኣብዚ ሓደ ኢሉ ይጅምር እምበር በዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ ሓደ ባህልታት ወይ'ውን ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ኣሽማት እወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ኣመት ኣለዎም።

ብተወሳኺ ወቓሕ ዝብሉ፣ ፋሽን ዝሓለፎም ወይ'ውን ወቓሕ ዘይብሉ ኣሽማት'ውን ክገጥሙና ይኽእሉ። [እዚ ምስ ኩነታት ግዜ ዝቀያየር'ዩ]

ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ እቲ ምስ ሽምና ዝተኣሳሰር ነገር ካልኦት ሰባት ብዛዕባና ኣብ ዝህልዎም ርድኢት፣ ኣቀራርባ ወይ ዝስምዖም ስምዒት ይጸልዎ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክሳብ ልቢ ገይርና ትርጉም ሽምና ተረዲእና እንልውጦ፡ ወለድና ብቑልዕነትና ዘውጽኡልና ሽም ከም ውርሻ ዓቂብናዮ ኢና ንቕጽል።

እንተኾነ፡ ካብ 2000 ጀሚሩ ብኣመሪካዊት ክኢላ ስነ ልቦና ጂን ትዌንጌ ዝተመርሐ መጽናዕቲ፡ ንስለ ድሕረ ባይታ ስድራ ቤቶም ኢሎም ዝተዋህቦም ሽም ዓቂቦም ዝኸዱ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ዕጉባት ከም ዘይኮኑን፤ ብፍላይ ድማ ሽሞም ዘይፈትውዎ እንተኾይኖም ድኹም ስነ ልቦናዊ ዝንባለ ከም ዘለዎም ይገልጽ።

እዚ ሽሞም ካብ ምጽላእ ወይ'ውን ሽሞም ብዘሕደረሎም ምውሓድ ዓርሰ እምነት፡ ትሑት ርእሰ ምትእምማን ዘለዎም ሰባት ክኾኑ ከም ዝደፍኦም ይጠቅስ።

ኣብዚ ግዜ "ሽምካ መግለጺ ስብእናኻ ወይ መንነትኻ ኮይኑ ኣሎ ማለት'ዩ" ክትብል ትዌንጌ ጽሒፋ።

'ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ' እንዶ ይብሃል የለን፤ ሽምካ ግብርኻ ወይ ስብእናኻ ኣመዓራርዩ ዝነግረካ ምዃኑ ምስ እትፈልጥ ከኣ እማን ሓቂ እባ'ዩ ትብል።

ንቐጽል!

ሰባት ካብ ሽምና ተበጊሶም ብዛዕባና ዝህልዎም ርድኢት ከመይ ይጸልዎ ዝብል ንምፍላጥ ብ2011 መጽናዕቲ ተኻይዱ።

ኣብዚ፡ እቶም ሽሞም ዝጸንሐ [ፋሽን ዘይኮነ] እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ምስቶም ዘመናዊ ሽም ኣለና ዝብሉ ክነጻጸር እንከሎ ብኻልኦት ተቐባልነት ናይ ዘይምርካብ ዕድል ክገጥሞም ተራእዩ'ዩ ይብል።

እዞም ሰባት ብሓቂ ብምኽንያት ሽሞም ተጓንዮም እንተኾይኖም፡ ሽምና ብቐሊሉ ሰባት ንዓና ንምቕባልን ንምንጻግን ጽልዋ ከም ዘሕድረሎም ምርዳእ ይከኣል ማለት'ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ባዕልና ንሽምና ተሞርኲዝና ንርእስና እንህቦ ግምት መንነትና ዝገልጽ ክኸውን ይጅምር ማለት እዩ።

ክኢላታት ስነ ልቦና፡ ብምኽንያት ሽምካ ብተደጋጋሚ ተነጽሎ ዝበጽሐካ እንተኾይኑ ወይ ትድፋእ እንተኾይንካ ተዋዛይን ኣማንን ሰብ ክትኸውን ትጽገም ኢኻ ይብሉ።

እቶም ሽምኩም ግዜ ዝሓለፎ'ዩ ወይ ዘመናዊ ኣይኮነን ተባሂሎም ዝተደፍኡ ሰባት ብትምህርቲ'ውን ብዙሕ ዘይደፍኡ፣ ትሑት ዓርሰ እምነት ዘለዎም ኮይኖም ከም ዝርኣዩ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ካልእ መጽናዕቲ ከኣ ብዙሕ ዘይፍለጥ ወይ'ውን ኣሉታዊ ትርጉም ኣለዎም ተባሂሉ ዝሕሰብ ሽም እንተሃልዩካ ሳዕቤኑ ጎዳኢ ምዃኑ የብርህ።

ክኢላ ኢንስቲትዩት ስነ ልቦና ቤጂንግ ሁጂያን ሲን መሳርሕቱን ኣብታ ሃገሮም ኣማኢት ኣሽማት ብገበን ተኸሲሶም ዝነበሩ ሰባት መሰረት ገይሮም መጽናዕቲ ኣካይዶም።

ድሕረ ባይታ ዝመጽእሉ ቦታ ባህርያት እዞም ሰባት ኣብ ምቕራጽ ዝፈጥሮ ጽልዋ ከም ዘሎ ኮይኑ፡ ሽሞም ትሑት ተፈታውነት ዘለዎ ወይ'ውን ኣሉታዊ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ግን ኣብ ገበን ተሳተፍቲ ኮይኖም ከም ዝረኸቡዎም ሓቢሮም።

እዚ፡ ብምኽንያት ሽሞም ማሕበራዊ ተቐባልነት የብልናን ወይ ተነጽሎ ይገጥመና'ዩ ዝብሉ ሰባት ምስ ሰባት ናይ ዘይሰማማዕ [ጎነጻዊ ባህሪ] ከማዕብሉ ስለ ዝጅምሩ'ዩ ይብል እቲ መጽናዕቲ።

ኣሽማትና ብዛዕባ ርእስና ዝስምዓናን ሰባት ከመይ ይሕዙና ዝብልን ዝገልጽ ስለ ዝኾነ ብቐጥታ ይጸልወና'ዩ ዝብል ሲ፡ "ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ሽም፡ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ውጽኢት ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ክሳዕ ዝሃለዎ፡ ስድራቤታት ንባህሎም መሰረት ዝገበረ ሽም ንደቆም ከውጽኡ ኣለዎም ኢለ ይምዕድ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዙሕ ዘይተለመደ ወይ ውጽእ ዝበለ ሽም ዘለዎም ሰባት ዳይሬክተር ፊልም ወይ ዳኛ ናይ ምዃን ተኽእሎ ከም ዘለዎም ክኢላ ስነ ልቦና ቤጂንግ ሲን መሓዙቱን ዘካየዱዎ መጽናዕቲ የመልክት።

"እዚኦም ካብቲ ዘለዎም ፉሉይ ሽም ዝብገስ ዝተፈለየ ባህሪያት ወይ ስብእና ከጥርዩ ይኽእሉ'ዮም" ይብሉ።

እዚ ከኣ "ጠባይ ስያመ" [nominative determinism] ዝብሃል ኮይኑ ትርጉም ሽምና ኣብ ውሳኔታት ህይወትና ጽልዋ ከሕድር እንከሎ እዩ።

መዓዝ እዚ ጥራይ፡ ዝተፈለየ ወይ ዘይተለመደ ሽም ምህላው ዚያዳ ተበላሓትን ክፉት ኣእምሮ ክህልወካን ከም ዝገብር ጉጅለ ዝሁ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ዘካየዶ መጽናሕቲ ይጠቅስ።

እዚ ጉጅለ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣሽማት ብዙሓት ፈጸምቲ ስራሕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዓበይቲ ትካላት መሰረት ገይሩ ከጽንዕ እንከሎ፡ እቶም ሰባት ዘይተለመዱ ኣሽማት ዘለዎም ኮይኖም ረኺቡዎም፤ ከዐውትዎ ኣብ ዝደልዩዎ ስትራቴጂ'ውን ትኩራት'ዮም ኢሉዎም።

"ዘይተለመደ ሽም ዘለዎም ኣባላት ቦርድ/ ፈጻሚት ስራሕ ካብ መሳርሕቶም ዝተፈለኹ እየ ዝብል ስምዒት ከማዕብሉ ስለ ዝስትውዓሉ፡ ዘይተገደበ ስትራቴጂታት ከመንጭዩ ምትብባዕ ክፈጥረሎም ይርኣይ" ይብል ዝሁ።

ስለ ዝኾነ ስድራቤታት ንደቆም ዘውጽኡሎም ሽም ልሙድ ክኸውን ይምዕዱ።

"ውላድኻ፡ ዝተመደ ሽም እንተሂብካዮ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብቐሊሉ ሰባት ክቕበሉዎን ክፈትዉዎን ዕድል ኣለዎ። ግን ድማ ወለዲ ውላዶም ዝተፈለየ ምዃኑ ዝንእድሎም ዓርሶም መገዲታት ክህልዎም ኣለዎ፤ ፍሉይ ሳጓ ብምሃብ ወይ'ውን ፍሉያት ባህሪያት ውላዶም ብምንኣድ ከተባብዑዎም ይግባእ" ክብል ዝሁ ይምዕድ።

ሕጂ'ውን 'ስም ይመርህ፤ ጥዋፍ የብርህ'።