'ፆመ-ትግራይ'፡ ኣብ ከተማታት ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ከምዝደስከለ ተገሊጹ

ከተማ መቐለ ሎሚ ንጎሆ 17 ግንቦት 2013 ዓ//ም

ምንጪ ስእሊ, M.A.

ሎሚ ንጎሆ ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ኣብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ጸጥ ኢለን ኣብ ጽምዋ ኣትየን ከምዝወዓላን፡ ዝኾነ ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ተዓጽዮም ከምዘለውን ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ክልል ሓቢሮም።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ብኣቦታት: መእመናንን መነኮሳትን ካብ ገዳማት ትግራይ ዝተኣወጀ "ጾመ ትግራይ" መሰረት፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ካብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ተቖጢቦም ይርከቡ።

ሓደ ነባሪ መቐለ ዝኾነ መንእሰይ፡ ኩሎም ናይ ውልቀ ድንኳናትን መደበራት ንግዲን ከምኡ'ውን እንዳ ቤት ብልዕን እንዳ መሰተን ካፌታት ኮነ ካልኦት ንግዳዊ ትካላት ብምዕጻዎም ጽምዋ ከምዝሰፈነ ትዕዝብቱ ገሊጹልና።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝግበር ኮነ: ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝኾነ ህዝባዊ ናይ ባጃጅን መኪናን መጓዓዝያታት ተቛሪጾም ኣለዉ።

ከተማ መቐለ ሎሚ ንጎሆ 17 ግንቦት 2013 ዓ//ም

ምንጪ ስእሊ, M.A.

ኣብተን ከተማታት ዓሲሉ ዘሎ ጸጥ ዝበለ ኩነታት ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ይጋዋሑ ኣለዉ።

እቲ ኣዋጅ ናይ ስልኪ ምጥፋእን ዘይምዝራብን'ውን ዝሓውሰ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ተገልገልቲ ስልኮም ዓጽዮም ካብ ዝኾነ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ተዓቂቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ቢቢሲ ወሲኾም ሓቢሮም።

"ኣጋጣሚ ንዝኾነ ጉዳይ እየ ከፊተዮ'ምበር፡ ስልከይ'ውን ኣጥፊአዮ እየ ነይረ። ኩሉ ኣብ ገዝኡ እዩ ተዓጽዩ ዘሎ፤ ኣብ ጎደናታት ዝኾነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣይትርእን" ኢሉ።

ሓደ ነባሪ ኬንያ ዝኾነ ተወላዲ፡ ካልእ ነባሪ መቐለ ዝኾነ ኣባል ስድርኡ ትማሊ ቴሌፎን ደዊሉ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ጾምን ጸሎትን ከምዝኣቱን ስልኩ ድማ ዕጽው ከምዝኸውን ገሊጹ፡ 'እንታይ ኮይኑ ኢልኩም ከይትሻቐሉ' ኢሉ ከምዝሓበሮ፡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ከም ባንኪታት ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላት ግን ኣብ ከተማ መቐለ ተኸፊቶም ዝተርአዩ ኾይኖም ፡ ኣብ ከም ከተማታት ዓድግራት፣ ኣክሱም፣ ሽረ፣ ውቕሮ፣ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኩነታት ጽምዋ ከምዘሎ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ኣኽሱም፡ ብሰንኪ'ቲ ዝተወስደ ትካላት ናይ ምዕጻው "ኣድማ"፡ ገለ ሰብመዚ ትካላት ንግዲ ክዕሽጉ ጀሚሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ፡ ኣይተ ብርሃነ ገብረጻዲቕ፡ "ኣብቶም ኣድማ ዝገበሩ ናይ ምዕሻግ ስራሕቲ ተሰሪሑ'ሎ . . . ገዛን ትራንስፖርትን [መጓዓዝያ] ከይንቀሳቐስ ምባል ስለዘይክእሉ" ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ብዙሕ ተፈናቓላይ ዘለዎ ከተማ'ዩ፡ ብዙሕ ተጠቃሚ፡ ብዙሕ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎ'ዩ። ስለዚ [ትካላት] ክዕጾ ስለዘይብሉ፡ ኣገልግሎት ክዕጾ ስለዘይብሉ፡ ኣብዚ ሕጋዊ ስጉምቲ ወሲድና ኣለና" ኢሉ።

"ጾምን ጸሎትን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ጸሎትን ምምሕዳርን ኣይራኸብን። ናይ ኣገልግሎት ህዝቢ ዓጺኻ ጸሎት ምባል ሓድሽ ነገር እንተዘይኮይኑ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ጸሎት ዝግበር ኣብ ቤተ-ክርስትያን'ዩ፡ ኣብ መስጊድ'ዩ። ትካላት ግን ክዕጾ ኣይግባእን።"

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሻውዓይ ወርሑ ዘቑጸረ ኲናት ስዒቡ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት እንትቕተሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ንሱዳን ተሰዲዲም፤ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመዛቢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ይግለጽ። ከምኡ ድማ፡ ሰፊሕ ዝኾነ ዘመተን ጾታዊ ዓመጻትን ከምዝተፈጸመን ሓያል ጥሜት ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይገልጻ።

'ፆመ-ትግራይ' እንታይ እዩ?

ጾመ ትግራይ፡ እቲ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ናይ ኣዴታት ሞትን ጾታዊ ዓመጽን ከምኡ'ውን ግፍዓዊ ቅትለት ኣቕሽሽትን መራሕቲ ሃይማኖትን ንምኹናን፤ ንምዝካርን ዝዓለመ ኮይኑ ኣብተን ዝተጠቐሳ ሰለስተ መዓልታት: ካብ ግንቦት 17-19፡ ህዝቢ ትግራይ ንፈጣሪኡ ጸሎትን ልመናን ዘብጸሐሉ፡ ርክቡ ምስ ፈጣሪ ጥራይ ዝገብረሉን ከምዝኾነ እዩ ተኣዊጁ።

ገለ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዲያስፖራ ኣብቲ መደብ ተጸምቢሮም ክጉስጉሱን ክጾሙን ተራእዮም ኣለዉ።

ዕዳጋ ቀዳማይ ወያነ

ምንጪ ስእሊ, FB/Kassa Hailemariam

እቲ ዝተኣወጀ ፆምን ጸሎትን፡ ብፍላይ ንተወለድቲ እቲ ክልል ዝምልከት ኮይኑ ንሃይማኖትን እምነትን ውልቀሰባት ኣይፈልን ተባሂሉ።

እቲ ኣዋጅ፤ ክሳብ 11 ሰዓት ኣጋ ምሸት እኽለ ማይ ከይለኸፍካ ምውዓል፣ ስልኪ ዘይምዝራብን ዝኾነ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ካብ ምግባርን ካብ ጾታዊ ርክባትን ምቑጣብን ዝጠልብ እዩ።

ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ ትማሊ ኣብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ቀሪቦም ነቲ ጾመ ጸሎት ብዕሊ ኣዊጆም።

'ጾመ ትግራይ' መጀመርታ ካብ ኣብ ገዳማት ትግራይ ዝርከቡ ኣቦታት ዝተኣወጀ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተቓለሐ ሰነድ፡ ንመጻኢ ድማ ተመሳሳሊ ግፍዒ ከይፍጸም ከም መዘከርታ ሓወልቲ ኽኸውን ዝብል ይርከቦ።