መረጻ ኢትዮጵያ: ‘ንረብሓ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክብል ምርጫ ክናዋሕ ኣይከፍቅድን'የ’- ኣብዪ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ንረብሓታት ናይ ወጻኢ ሓይልታት" ክብል ነቲ ድሕሪ ቁሩብ ሳምንታት ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ከምዘየፍቅድ ኣፍሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ።

"እቲ ምርጫ ብኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ጥራይ'ዩ ዝውሰን፡ ንረብሓታት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንምምላእ ኣይኮነን" ክብል ከምዝተዛረበ እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

እተን ኣንጻር ኢትዮጵያ ይጉስጉሳ ኣለዋ ዝበለን ሓያላት ሃገራት ኣየኖት ምዃነን ግን ኣቢዪ ኣሕመድ ብስም ኣየነጸረን።

እዚ ኣብ 2020፡ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሓፈሻዊ ምርጫ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምንውሑ ኣብታ ሃገር ክሳብ ኲናት ዝበጽሐ ፖለቲካውን ቅዋማውን ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ሓያሎ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ እቲ ምርጫ ብሰላም ተኻዪዱ፡ ናጻን ርትዓውን ክኸውን ኣይክእልን ብምባል፡ ክውንዘፍ ይጠልቡ።

ገለ ካብኦም'ውን ብዝተፈላለየ ክስታት ኣብ ቀይዲ ምህላዎም፡ ካብቲ ምርጫ ክግለሉ ከምዝተገብረ ይኸሱ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምርጫ ኣብ ግዚኡ ከምዘይካየድ ብወግዒ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

ጃዋር መሓመድ

እቲ ቦርድ ናይ ምዝገባ መረጽቲ ግዜ ከምዘናወሖን፡ ዛጊት ልዕሊ 36 ሚልዮን ምምዝጋቦምን ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እቲ ምርጫ ከምዘይካየድ ይፍለጥ።

ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝብሎ፡ "ሓያል ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ወይ ካልኦት ኣካላት፡ ኢትዮጵያውያን ብኸመይ ከምዝነብሩ ንምውሳን ኣንጻር ኢትዮጵያ ጎስጓስ የካይዱ ኣለዉ።"

እንተኾነ ግን ይብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ሓይሊታት ተምበርኪኾም ኣይፈልጡን'ዮም፡ ብድሕሪ ሕጂ'ው ንኣይክንምበርከኹን እዮም" ኢሉ።

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰባዊ ቅልውላዉን ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ጸቕጢ ክገብራ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ፡ ጠንቂ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዘስዓበ ተጣበቕቲ ይኸሱ።

እቲ ግጭት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላዉን ፈጢሩ ይርከብ። ኣብዚ 7ይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ረጽሚ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ተፈናቐልቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ እንከለዉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተፈናቒሎም፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ክናዋሕ ከምዝክእል ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Mustafa Ferhat Beksen

ሓደ ካብ ጠንቅታት እቲ ግጭት፡ ምንዋሕ ናይቲ ምርጫን ዕድመ ስልጣን ናይቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ ፈደራላዊ መንግስትን'ዩ።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ኣመዓባብላ ናይቲ ግጭት

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ዝዓነወ ታንኪ

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ገለ መራሕቲ ህወሓት ድሒሮ ምከምዝበልዎ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ኣብ ልዕሊኦም ከካይድዎ ወጢኖሞ ዝነበሩ ዝበልዎ መጥቃዕቲ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት፡ ምስ ምትሓዝ መቐለ ከምዝተዛዘመ ዝተገልጸ ኲናት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።