ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ክናዋሕ ከምዝክእል ገሊጹ

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ክናዋሕ ከምዝክእል ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Mustafa Ferhat Beksen

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ዕለት 7 ግንቦት ምስ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምይይጥ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ንኽካየድ መደብ ተታሒዙ ዝነበረ መረጻ ኣብ ግዚኡ ከምዘይካየድ ዕላዊ ገይሩ'ሎ።

እቲ ቦርድ ሎሚ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ዝጠመተ ዘተ ምስ ውድባት ፖለቲካ የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣውጽእዎ ዝነበረ ናይ መረጻ ሰደቓ፡ ድምጺ ዝወሃበሉ መዓልቲ ዕለት 28 ግንቦትን 5 ሰነን ኣቆጻጽራ ግእዝ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ምዝገባ መረጽትን ካልኦት ዕዮታትን በቲ ፈለማ ተሓሲቡ ዝነበረ ስለዘይተጻፈፈ መረጻ በቲ ዝተትሓዘሉ ግዜ ሰደቓ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ መዓልቲ መረጻ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ክናዋሕ ሕቶ ኣቕሪብሎም'ሎ።

እቲ ቦርድ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘካየዶ መድረኽ ክሳብ ዕለት 4 ግንቦት [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ልዕሊ 36 ሚልዮን ሰባት መምረጺ ካርድ ከምዝወሰዱ ሓቢሩ።

ካብቶም መምረጺ ካርዲ ዝወሰዱ እተን 16.6 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን እቶም 19.5 ሚልዮን ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ኣስታት 50 ሚልዮን ዜጋታት መምረጺ ካርዲ ክወስዱ ከምዝኽእሉ ግምት ኣቐሚጡ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።