ምርጫ 2013፡ ከፈጽሙ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ሓሙሽተ ኣባላት ቦርድ

ኣባለት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, NEBE

እዞም ሓሙሽተ ኣባላት ቦርድ መረጻ ን6ይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንከፈጽሙ ሓላፍነት ተሸኪሞም ኣለው።

ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ሓላፊት ቦርድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኣቶ ውብሽት አየለ፣ ወይዘሪት ብዙወርቅ ከተተ፣ ዶክተር አበራ ደገፉን መምህር ፍቅሬ ገብረህይወትን ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝተሾሙ እዮም።

ግደ ኣባላት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እንታይ እዩ?

ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓዘ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ መረጻን ህዝበ ውሳነን ብዝምልከት ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ኣካል እዩ።

እቲ ቦርድ ብኣዋጅ 1133/2011 ክጣየሽ እንከሎ፡ ኣባላት እቲ ቦርድ ከኣ ኣብ መስርሕ መረጻ ንውጽኢት ምርጫ ዘዘናብዕ ናይ ሕጊ ጥሕሰት ከም ዝተፈጸመ እንተደኣ ኣሚኖም፡ ነቲ ውጽኢት ክስርዙዎን ዳግማይ ምርጫ ንክካየድ ክውስኑን ይኽእሉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ንዝቐርብ ቅርታ ዝሰምዕን ውጽኢት ምርጫ ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምግላጹ ናይ ምርጫ ውጽኢት ዘጽድቕም ዝለዓለ ኣካል'ዩ።

  • ሕግታት ምርጫ ምፍጻም
  • ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምቁጽጻርን ዘድልየን ድጎማ ምክፍፋልን
  • ንተዓዘብቲ ምርጫ ፍቓድ ምሃብን ምቁጽጻርን
  • ናይ ምርጫ መሳለጥያታት መሳርሒታት ምስንዳእን
  • ከምኡ እውን ባጀት ኣዳልዩ ኣብ ስራሕ ምውዓልን ገለ ካብ ሓላፍነታት እቲ ቦርድ'ዮም
2px presentational grey line

ኣባላት ቦርድ ብኸመይ እዮም ዝምረጹ?

በቐዳምነት ቀዳማይ ሚኒስተር ንኣባልነት ቦርድ ዝቐርቡ ሕጹያት ዝሓሪ ኮሚቴ የቋቝም።

እቲ ኮሚቴ፡ ካብ ትካላት ሃይማኖት፣ ኣካዳሚ ሳይንስ፣ ሃገራዊ ኮንፌዴሬሽን ሰራሕተኛታት፣ ማሕብራት ንግዲ፣ ኮሚሽን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን ሲቪል ማሕበራትን ዓበይቲ ዓድን ዝተመርጹ ሰባት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ይኸውን።

ስዒቡ፡ ካብ ህዝቢ፣ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ሲቪል ማሕበራትን ኣባላት ቦርድ ምርጫ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝቐርብሉ ዝርዝር ኣስማት ሕጹያት ይቕበል።

ካብኡ ነቲ ስራሕ ብቕዓት ኣለዎም ዝበሎም ፍቓደኛነቶም ኣረጋጊጹ ንህዝቢ ብምግላጽ ሕርያኡ ንቀዳማይ ሚኒስተር የቕርብ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ኣስማት እቶም ሕጹያት ቦርድ ምስ በጽሖ ምስ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ይመኻኸር።

ብድሕሪኡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነቶም ሕጹያት ንክሽየሙ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ የቕርቦም።

እቲ ባይቶ ዝለዓለ ድምጺ ዝሃቦም ሰባት ከኣ ኣባላት ቦርድ ኮይኖም ይሽየሙ።

ኣባላት ቦርድ ኢትዮጵያ በዓል መን'ዮም?

ብርቱካን ሚደቅሳ- ኣካቢት ቦርድ ምርጫ

ወይዘሪት ብርቱካን ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ኣመራርሓ ተቓዋሚ ሰልፊ ቅንጅት ንሓድነትን ዴሞክራስን ከም ዝነበረት ይፍለጥ።

ኣብቲ ኣብ 1997 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተኻየደ ኣካታዕን ኣዘራርብን ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ብዝተላዕለ ምስሕሓብ ተኣሲራን ንሕልፈት ተፈሪዳን ነይራ።

ኣብ ሞንግኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐት ወይዘሪት ብርቱኳን፡ ናብ ኣመሪካ ከይዳ ኣበ እዩኒቨርሲቲ ሃርቫድ ምምሕዳር ህዝቢ ኣጽኒዓ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ስደታ ከኣ ኣብ 2011 ዓ.ም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ክትመርሕ ተሸይማ።

ምርጫ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MUSTAFA FERHAT BEKSEN

ኣቶ ውብሸት የለ - ምክትል ኣካቢ ቦርድ

ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ውብሸት ኣየለ ምሩቕ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ'ዩ።

ድሕሪ ግዜ ብፍቓዱ ስርሑ ብምጋደፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ኣማኻሪ ሕግን ጠበቓን ኮይኑ ሰሪሑ።

ኣቶ ውብሸት ንቦርድ መረጻ ብምምኻር፣ መድረኽ ዘተ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ብምትሕብባር ክሳተፍ ዝጸንሐን ምስ ሲቪክ ማሕበራት ማሕበረሰባዊ ተሳትፎ ዝጸንሖን ሰብ እዩ።

ዶክተር ኣበራ ደገፋ - ኣባል ቦርድ

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ኣበራ ደገፋ፡ ሙሩቕ ሳልሳይ ዲግሪ ማሕበራዊ ርክብን ማሕበራዊ ምዕባለን እቲ ዩኒቨርሲቲ'ውን እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ማሕበራዊ መጽናዕቲ ብዓለም ለኻዊ ሕግን ልምዓትን ናይ ድሕረ ምረቓ ዲፕሎማ ኣለዎ።

ዶ/ር ኣበራ ቅድሚ ኣባል እቲ ቦርድ ምዃኑ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ከምኡ'ውን ኣባል ኮሚሽን ምምምሕዳር ጉዳያት ወሰንን መንነትን ነይሩ።

ወይዘሪት ብዙወርቅ ከተተ - ኣባል ቦርድ

ወይዘሪት ብዙወርቅ ከተተ፡ ካብ ኩባ ሃቫና ዩኒቨርሲቲ ብቋንቋታት ወጻኢ ብስነ ቋንቋ ካልኣይ ዲግሪ ዝወደአት ሰብ ኮይና ኣብ ከም ናይ ቀደም ናይ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ኮሚሽን፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቴሌቪዥን፡ አክሽን ኤይድ ኢንተርናሽናል ሰሪሓ።

ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭትን ምክልኻልን ዝነጥፍ ናይ ጀርመን ድርጅት ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ፕሮጄክት ኣተሓባባሪት ኮይና ሰሪሓ።

ወይዘሪት ብዙ ወርቅ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት እውን ኣገልጊላ።

ብተወሳኺ ብሰናይ ምምሕዳር ብምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ተሳትፎ ሲቪክ ብምትብባዕ ዝሰርሕ፡ "ዜጋ ንዕቤት" ዝተሰምየ ዘይመንግስታዊ ድርጅት ዝመስረትን ከም ኣቦ መንበር ቦርድ ኮይና ኣገልጊላ።

አቶ ፍቅሬ ገ/ሕይወት

ምንጪ ስእሊ, NEBE

ኣቶ ፍቅሬ ገብረሂወት

አቶ ፍቅሬ፡ ካብ ኣባልነት ቦርድ ብገዛእ ፍቓዱ ንዝለቐቐ ዶ/ር ጌታሁን ካሳ ብምትካእ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣባል ቦርድ ኮይኑ ተሸይሙ።

እዚ ሓዲሽ ኣባል ቦርድ ምርጫ አቶ ፍቅሬ ገብረሂወት ኣብ ዝተፈላለየ ዩኒቨርሲቲታት ብመምህርነት ዘገልገለ ሰብ እዩ።