'ዓቢ ውልቀ መላኺ'፡ ኣብ ልዕሊ ኣዶልፍ ሂትለር ክዋዘ ዝደፈረ ፊልም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ ሓደ ፊልም ኢና ክንነግረኩም። 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ወይ ድማ 'ዘ ግሬት ዲክታተር' ርእሲ እቲ ፊልም እዩ።
እቲ 'ዘ ትራምፕ' ብዝብል ናይ ገጸ ባህርይ ሽሙ ዝፍለጥ ኢንግሊዛዊ ስሙይ ተዋሳኢ ቅይዐ ቻርሊ ቻፕሊን ዝተዋስአሉን ዝጽሓፎን እዩ።
ናይ 80 ዓመት ዕድመ ዘቑጸረ ፊልም 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ድማ፡ ቻርሊ ቻፕሊን ከየናሕሰየ ንመራሒ ጀርመን ኣዶልፍ ሂርለር ኣባጭዩሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዶልፍ ሂትለር ዘባጪ ፊልም፡ ቀዳማይ ምርጫ ምዝንጋዕ ዓርቢ ምሸት ሰራዊት ናዚ ክትከውን'ያ ዝብል ግምት'ኳ እንተዘይነበረ ብ1940 ኣብ ጀርመንን ግዝኣት ጀርመን ኣብ ዝኾና ሃገራትን ከይርኣይ ተኸልኪሉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ስራሕ ኣብ ብሪጣንያ ኮነ ኣመሪካ ንከይርአ ተኸልኪሉ እዩ።
ኣብቲ ግዜ ዝነበረ መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ ጎንጺ ንምውጋድ ሕድገት ፖለቲካዊ ወይ ማተሪያላዊ ጉዳያት ናብ ኣጥቃዒ ሓይሊ ናይ ምልዋጥ ዲፕሎማዊያዊ ፖሊሲ ይኽተል ነይሩ።
እዚ ከኣ ፖሊሲ ምስሉይነት [ኣፒዝመንት ፖሊሲ] ተባሂሉ ይፍለጥ።
እዚ፡ ካብ 1929 ክሳብ 1935 ኣብ ስልጣን ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ራምሳይ ማክዶናልድ፣ ስታንሊ ባልድዊን [1935 - 1037]፣ ብቐንዱ ከኣ ኔቪሌ ቻምበርሊን [1937 - 1940]፡ ንናዚ ጀርመንን ፋሽሽት ጥልያንን ዝተጠቐምሉ ፖሊሲ እዩ።
እዚ ፖሊሲ ብሪጣኒያ ክሳብ 1939 ክቕጽል እንከሎ፡ ኣመሪካ ክሳብ ታሕሳስ 1941፡ ፊልም 'ዘ ግሬት ዲክታተር' ምስ ተለቐቐ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣይተጸምበረትን ነይራ።
ቻርሊ ቻፕሊን ከኣ ዋላ'ውን መንግስቲ ኣይፍቀድ ኣብ ስቱዲዮ ኮይኑ ምጽሓፍን ምስኣልን ቀጺሉ።
ንሱ ኣብ ዝጽሓፎ ርእሰ ታሪኽ ህይወቱ፤ ብምኽንያት እዚ ፊልም "ኣዝዮም ዘስግኡ መልእኽታት ይበጽሑኒ ነይሮም" ክብል ኣስፊሩ እዩ።
"ናይ ምመያ ጸገማት ከጋጥሙኒ ከም ዝኽእሉ ኩባኒያ ቴሌቪዥን ዩናይትድ ኣርቲስትስ ይንገሮ ነይሩ። እቲ ናይ ኢንግሊዝ ቤት ጽሕፈት'ውን በቶም ኣንጻር ሂትለር ዝገልጹ ስእልታት ስግኣት ስለ ዝነበሮ ኣብ ብሪጣኒያ ክርአ ድዩ ዝብል ጥርጣረ ነይሩዎ'ዩ። እቶም ዚያዳ ዘጨንቑ ደብዳበታት ከኣ ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ዝመጽኡ እዮም ነይሮም። እዚኦም እቲ ፊልም ኣብ ኢንግሊዝ ወይ ኣመሪካ ስለ ዘይርኣይ ኣይትስኣል ዝብሉ እዮም ነይሮም" ኢሉ።
ቻፕሊን ግን በዚ ሸብረኽ ዝብል ኣይነበረን። ፊልም 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ምስራሕ ኣገዳሲ'ዩ ይብል ስለ ዝነበረ ከም ዝስራሕ ርግጸኛ እዩ ነይሩ።
ኮይኑ ከኣ፤ ብ1941፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ፊልም ኮይኑ ደረጃ ቦክስ ኦፊስ ሒዙ።
እቲ ፊልም ዝተፈነወሉ መበል 80 ዓመት ኣብ ዝኽበረሉ ግዜ፡ ተኽእሎ ኣመተ ቻፕሊን ግሩም ነይሩ።
እቲ ዓብዪ ውልቀ መላኺ ዘሀድስ መዛነዪን ዝፍራሕ ድራማን ዘርእይ ፊልም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንስነ ልቦና ሂትለር ቅልዕ ኣቢሉ ዘርኢይ ንኡድ ስራሕ እዩ።
"በዓል ራኢይ ነይሩ። መራሕቲ ክርእዩዎ ዘይኽእሉ መጻኢ ዝሰፈየን ኣብ ግንባር ሂትለር ጠጠው ዝበለን እዩ" ይብል ኣርካን ፖለቲካል ሲነማ ኮስታ ጋቭራስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕቱብ መልእኽቲ
ቻፕሊን፡ ፊልም 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ንነዊሕ እዋን ንናዚ ይንዕቆም ነይሩ፤ ንሳቶም'ውን ከምኡ።
ናይ ጀርመን ናይ ፕሮፖጋንዳ ፊልም፡ ንቻፕሊን ሓደ ካብቶም "ናብ ጀርመን ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣይሁድ" ኢሉ ነቒፉዎ እዩ። ቻፕሊን ግን ኣይሁዳዊ'ውን ኣይኮነን።
ሓደ ሕታም ኣመሪካ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይሁዳውያን ስደተኛታት ንክወጽኡ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባሩ "ሙሴ፡ መበል 20 ክፍለ ዘመን" ኢሉ ሳጓ ሂቡዎ ነይሩ።
ቻፕሊን፡ ነዚ 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ዝብል ርእሲ ዝሃቦ ፊልም ክሰርሕ ክብገስ እንከሎ፡ "ልኡኽ ሒዙ ዝነበረ ሰብ'ዩ" ይብል ጸሓፊ ቻፕሊን፡ ገድሊ ትራምፕ (The Tramp's Odyssey) ሲሞን ሎቪሽ።
"ከም ሎረልን ሃርዲን ዝበሉ ዘመናዊ ስራሕቲ፡ መስሓቕትን ገንዘብ ዘምጽኡን'ዮም። ቻፕሊን ግን ክብሎ ብዛዕባ ዝደለዮ ነገር ዕቱብ'ዩ። 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ፊልም ጥራሕ ኣይኮነን። ዝድለ ዓይነት ስራሕ'ዩ ነይሩ" ይብል።
ክሳብ ሕጂ፡ ቻፕሊን ዝነበሮ ምልዕዓል ልዕሊ ስምዒት ሰብኣውነት እዩ። ከምኡ'ውን ምስ ሂትለር ብዘይተለምደ ኩነታት ዘራኽቦ ነገር ምህላዩ የግርመሉ ነይሩ።
ክልቲኦም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ሚያዚያ 1889 እዮም ተወሊዶም።
ክልቲኦም ብመልክዕ'ውን ከም ዝመሳሰሉ ንምርግጋጽ እንተደሊኹም፡ ኢንግሊዛዊ ቀይዓይ ቶሚ ሃንድለይ "እቲ ሰብኣይ መን'ዩ . . .?" (ንቻርሊ ቻፕሊን ዝመስል) እትብል ሙዚቃ ብ1939 ዓ.ም ሰሪሑ እዩ።
ናይ ክልቲኦም መበል 50 ዓመት ዝጸንበለ መጽሄት ስፔክታተር፡ "ቻርለስ ቻፕሊንን ኣዶልፍ ሂትለርን ንሓድሕዶም ኣብ ውሽጢ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣፈላላይ ናብዛ ዓለም ምምጽኦም፣ ዝተወለድሉ ወርሒ፣ ኣብ ገጾም ዘሎ ጭሕሚ ተመሳሳሊ ምዃኑ ተፈጥሮ ኢግዚኣብሄር ዝዓደሎም ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ድማ ክልተ ዝተፈላለየ ምስሊ ዘለዎም ሰባት'ዮም፤ እቲ ሓደ ንጽቡቕ ዝተፈጥረ፤ እቲ ኻልኣይ ድማ ዘይተነግሩ ክፋኣት ዝተምልኣ" ክብል ጽሒፉሎም ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሃንጋሪ ዝተወልደ ኢንግሊዛዊ ኣዳላዊ ፊልም ኣሌክሳንደር ኮርዳ፡ ቻፕሊን እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምምስሳል ጸንቂቑ ክጥቀመሉ ከም ዘለዎ የማኽሮ።
ግን ድማ፡ እዚ "ንኡሽቶ ትራምፕ" ብዝብል ዝፍለጥ ቻፕሊን ኣብ ሙሉእ እቲ ፊልም ሓደ ዘይብዳህ ውልቀ መላኺ ኮይኑ ክዋሳእን ተመልካቲ ክቕበሎ ንምግባርን ክበዝሕ ስለ ዝኽእል፡ ክልተ ነገራት ጥራሕ ክዋሳእ መሪጹ።
ገጸ ባህርይ ውልቀ መላኺ ቶማኒያ ኣዴኖድ ሂንክልን ሓደ ሕያዋይ፣ ናይ ምርሳዕ ጸገም ዘለዎን ሽሙ ዘይፍለጥ "ኣይሁዳዊ ቀምቃሚ ጸጉርን" ኮይኑ ክጻወት መሪጹ።
ኣብ ሞንጎ እቲ ወልቀ መላኺ ሂንክልን ኣይሁዳዊ ቀምቃሚ ጸጉርን ዝነበረ ንጽጽር፡ ብሓባር ዝኸይድ እዩ ነይሩ።
እዚ ምምስሳል፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ደቂ ተባዕትዮ ምግጋይ ክፈጥር ክኢሉ። ግን ድማ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ እቲ ፊልም ኣይነበረን።
ቻፕሊን'ውን፡ በቲ ፊልም ኣቢሉ እቶም ግዳያት ቅትለት ናዚ ዝኾኑን ሓላፍነት እቲ ግፍዒ ዝወስድ መን'ዩ ዝብል ከይርስዑን ገይሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቤተ መንግስቲ ሂንከል ዝርኣይ ምስሊ እቲ ፊልም ላግጺ ዝበዝሖ እዩ።
ገበናት እቶም ውልቀ መለኽቲ ኣይተሓብኡን፤ ሂንከል 3000 ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታን ክቕተሉ ኣዚዙ'ዩ።
ቻፕሊን ግን፡ ኣብ ትዕቢት፣ ድንቁርናን ዘይብስለትን እቲ ገጸ ባህርይ ትኹረት ገይሩ።
ኣብዚ ፊልም፡ ክልተ ጭሕሞምን ኣቀማምጥኦምን ኣስተኻኺሎም ንወንበርን ስእሊ ክስኣሉን ዝጓየዩ መራሕቲ ይርኣይ'ዩ።
ናይዚ ጭብጢ፡ ሂንከል ስትራቴጂካዊ ብልሒ ዘለዎ ወይ ግዙፍ መራሒ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይዕድሚኡ ዝዓበየ ብጽሒ፣ ኣብ ዘይጭበጥ ዓለም ዝነብር፣ "ንጉስ ዓለም" ክኸውን ዝሓልም እዩ ዝብል እዩ።
ብተወሳኺ፡ መታለልን ህዝቢ ብዛዕባይ እንታይ ይብል ብዝብል ነብሰ ፍትወት ዝዓወረ ዓርሰ እምነት ዘይብሉ ሰብ እዩ ይብል።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐሉ ግዜ ንምንዋሕ ናይ ባዕሉ ፖሊሲታት ዝቕየያርን ብኽነት ዘብዝሕን ምዃኑ ብዘርኢ ገይሩ'ዩ ቀሪጹዎ።
ቻፕሊን ኣብ ዝጽሓፎ ርእሰ ታሪኽ "ዓለም ንመምሰልቲ ላግጺ'ያ፤ ካብ ሂትለር ንላዕሊ መምሰሊ ከኣ ኣይርከብን" ኢሉ።
እቲ ፊልም ግን፡ ግፍዕታት ናዚ ኣቕልል ኣቢሉ ዘርኢ ብምዃኑ ይንቀፍ።
ቻፕሊን ባዕሉ "ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ጀርመን ዝተፈጸመ ግፍዒ እንተዝፈልጥ ነይረ፡ ፊልም ዓብዪ ውልቀ መላኺ ኣይምሰራሕኩዎን ነይረ፤ ተዋዛያይ ፊልም ኣይምገበርኩዎን" ኢሉ እዩ።
ኣብዚ ግዜ ብዛዕባ ዘለው ውልቀ መለኽትን ብቐጻሊ ክመጽኡ ብዛዕባ ዝኽእሉን ሕሰቡ።
ቻፕሊን ነቒሱ ዘውጽኦም ባህሪያት ምርካብኩም ኣይተርፍን።
እዚኦም፡ ስእሊ ንክስኣሉ ዘለዎም ድልየት ልዑል ምዃኑ፣ ሕሉፍ ኣነባብራ ዝመርጹ፣ ጽኑዕ ፖሊሲ ዘይብሎም ምዃኖም፣ ንባዕሎም ዘኽብሩ ምርኢታት ዘብዝሑ፣ ሽልማት ዝፈትው እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







