ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ስርሒት 'ዲ-ደይ' ከመይ ነበረ?

ሰራዊት ኪዳን ኣብ ዲ-ደይ እናሃጀሙ

ምንጪ ስእሊ, IWM/GETTY IMAGES

መበል 75 ዓመት 'ዲ-ደይ'፡ መራሕቲ ሃገራትን ኣብቲ ኵናት ዝወዓሉ ገዳይም ወታሃደራትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ ሎሚ ኣብ ገማግም ኖርማንዲ ተኸቢሩ ውዒሉ።

'ዲ-ደይ' ኣብ ግዜ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝርከብአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቲ ንፈረንሳ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ሰራዊት ናዚ ጀርመን ሓያል ወታሃደራዊ ስርሒት ዝተኻየደሉ መዓልቲ'ዩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተሬዛ መይ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ህልዋት ገዳይም ወታሃደራትን ኣብቲ ኲናት መጥቃዕቲ ሂወቶም ዝሃቡን "የቐንየልና ጥራይ ኢና ክንብሎም ንኽእል" ኢላ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ብወገኑ ነቶም ካብ ውዕሎ ዲ-ደይ ብሂወት ዝተረፉ ኣብ ዝሃቦ ናይ ምስጋና መግለጺ፡ "ናጽነትና ኣረኪብኩምና ኢኹም" ኢሉዎም።

"ሓበን ሃገር ኢኹም" ክብል'ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኣመሪካውያን ገዳይም ወታሃደራት ሞጒሱ።

ኣብ ዲ-ደይ ዝተሳተፉ ገዳይም ወታሃደራት

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ካብቲ ናይቲ መዓልቲ ሓዊን ዝሰዓቡ ውግኣትን ዝወጹን ብሂወት ዘለዉን ውሑዳት'ዮም

ብ6 ሰነ 1944፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ጸልማት ጉልባብ ብምግባር ኣስታት 150 ሺሕ ዝኣክል ሰራዊት ሃገራት ኪዳን ኣብ ገማግም ኖርማንዲ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ናይ መከላኸሊ ዕርድታት ሰራዊት ጀርመን ሓያል መጥቃዕቲ ፈንዩ።

ዕላማ ናይቲ ኣብ ድሩት ከባቢ ዝወረደ ገዚፍ ሓይሊ፡ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰራዊት ጀርመን ብምጥሓስ፡ መትከሊ እግሪ ብምርካብ ንናዚ ጀርመን ሲዒርካ ካልኣይ ኲናት ዓለም ከም ዘብቅዕ ምግባር'ዩ ነይሩ።

ብቐጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ፡ ሰራዊት ጀርመን ዳርጋ ንመላእ ኣውሮጳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጻሩ ኣእትዩሉ ዝነበረ እዋን'ዩ።

ኣብቲ "ስሪሒት ድቦላ" (ኦፐረሽን ኦቨርሎርድ) ዝብል መጽውዒ ዝተዋህቦ ስሪሒት፡ ካብ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳን ዝተውጻእጸአ ሰራዊት ተሳቲፎም።

እቲ ስሪሒት እቲ ዝዓበየ፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየርን፡ ሓይሊ ምድርን ኣብ ሓደ እዋን ዝተሳተፍዎ መጥቃዕቲ'ዩ ነይሩ።

እቲ ዓርሞሸሽ ሰራዊት እተን ናይ ኪዳን ሃገራት፡ ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ገማግም ኖርማንዲ'ዮም ሃጂሞም። እቶም ቦታታት ዩታ፡ ኦማሃ፡ ጎልድ፡ ጁኖን ስዎርድን ዝብል ፍሉይ ወታሃደራዊ መጸውዒ ተዋሂብዎም።

ኣስታት 7000 መራኽብን ጃላቡን ኣብቲ መጥቃዕቲ ክሳተፋ እንከለዋ፡ ነቲ 150 ሺሕ ዝኣክል ሰራዊትን 10 ሺሕ መኻይንን ኣብቲ ገማግም ኣራጊፈን።

ኣብ ርእሲ'ዚ ብዙሓት ነፈርቲ ወግእ ዝተሳተፋ ክኾና እንከለዋ፡ 'ኣየር ወለድ' ሰራዊት'ውን ኣብ ድሕሪ ድፋዓት ሰራዊት ጀርመን ኣውሪደን።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ኣስታት 4400 ወታሃደራት ኪዳን ክሞቱ እንከለዉ፡ 9000 ቆሲሎም።

መራሕቲ ኣመሪካን ፈረንሳን ምስ ኣንስቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ካብ 4000 ክሳብ 9000 ዝኣኽሉ ወታሃደራት ጀርመን ኣብታ መዓልቲ ከም ዝተቐትሉ ይግመት። ቁጽሮም ክሳብ ሕጂ ብንጹር ኣይፍለጥን'ዩ።

እቲ ገማግም ብኣሽሓት ፈንጂን፡ ትሪኳላታን (ዓሻዂ ሓጹር) ዝተሓጽረ፡ ብጽኑዕ ዝተተኽለ ናይ ሓጺን ዕንቅፋት (ድሩዓት ተሽከርከርቲ ከይሓልፋ)፡ ኣብ ርእሲኡ'ውን ኣብቲ ልዕል ዝበለ በረኽቲ ኣሽሓት ከበድቲ ኣጽዋር ሰራዊት ጀርመን ዝተጻወደሉ'ዩ ነይሩ።

ብሰንኩ ድማ፡ እቲ ኣብ ቃልዕ ዝሃጅም ዝነበረ ሰራዊት 'ብተመልከተለይ' ኣብ ጃላቡ እንከሎ፡ ካብ ባሕሪ ከይወጸን ኣብ ገማግምን ረጊፉ- ገማግም ኖርማንዲ ብደም ወታሃደራት ጨቂዩ።

ነቲ ስርሒት ዝመርሕ ዝነበረ፡ ደሓር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝኾነ፡ ጀነራል ድዋይት ኣይዘንኣወር'ዩ ነይሩ።