ልዕሊ 400 ዓመታት ዘቑጸረ መጽሓፍ መምርሒ ኣካላዊ ርሕቐትን ውሸባን

ምንጪ ስእሊ, Bildagentur-online/Alamy
ውድቕቲ ለይቲ ወርሒ ሕዳር 1582 ዓ.ም'ዩ።
ሓደ ባሕረኛ ኣብ ደሴት ሳርዲና ወደብ ኣልግሄሮ ባሕሪ ሜድትራኒያን ናብ ዝርከብ መዓሸግ መርከብ ኣትዩ፡ ንመወዳእታ ግዜ ናይታ ከተማ ምስሊ ይዕዘብ ነበረ።
እንተኾነ እዚ ዕድል ዘይገበረ መርከበኛ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዓመታት ብዝጸንሐ ለበዳ ዝተለኽፈ ከይመሰሎ ናብታ ከተማ ይኣቱ።
እዚ ውልቀሰብ ድሮ ኣብ ከባቢ መላግቦ ሽምጡ ብምልክታት ሕበጥ እቲ ቡቦስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ሕማም ይሳቐ ነይሩ።
ብዙሕ ኣይጸንሐን ሞይቱ፤ እንተ እቲ ለበዳ ግን ናብቲ ሕብረተሰብ ክልሑኽ ጀሚሩ።
በዚ ምኽንያት ነበርቲ ከተማ ኣልግሄሮ በቲ ሕማም ክልከፉን ክሞቱን ተራእዩ።
እዚ ለበዳ ንሱ ሒዙዎ ኣትዩ ክኸውን ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይሕመ።
ብመሰረት ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ጸብጻባት፡ ሓደ ናይ መበል 18 ክፍለ ዘመን ጸሓፊ ታሪኽ እቲ ለበዳ ምኽንያት ሞት ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ከም ዝኾነ ክገልጽ እንከሎ፡ 150 ሰባት ጥራሕ ብህይወት ከም ዝተረፉ ሓቢሩ።
ብሱሩ'ውን እቲ ለበዳ፡ 60 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ከተማ ቐቲሉ ተባሂሉ'ዩ ዝእመን።
ገሊኦም ክሳብ ሕጂ ዝርኣዩ፡ ኣብ ሓደ ክሳብ 30 ሰብ ዝተቐብረሎም ናይ ሓባር ጋህሲታት'ውን ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Milosz Galezowski/EyeEm/Getty Images
ኣብ ታሪኽ ለበዳታት፡ እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝውሰድ ጸሊም ሞት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብ1346 ኣብ ኤውሮጳን ኤዥያን ዝተራእየ ለበዳ ኮይኑ፡ ኣስታት 50 ሚሊየን ህዝቢ ዓለም ከም ዝወድአ ይንገረሉ።
ድሕሪኡ እቲ ለበዳ ከቢድ ዕንወት'ኳ እንተዘይኣውረደ፡ ኣብ ፈረንሳ ክሳብ 1670 ኣብ ሰለስተ ዓመት ሓደ ግዜ ይኽሰት ነይሩ።
ብ1563 ድማ 24 ሚኢታዊት ህዝቢ ለንደን ቀቲሉ'ዩ።
እዚ ሕማም፡ ዘመናዊ ሳይንስ ኣብ ዘይማዕበለሉ ዘመን ዝተራእየ ብምዃኑ፡ ብናይ ባዕልኻ ሽንቲ ምሕጻብ፣ 'ስሚ' እቲ ሕማም'ዩ ዝብሃል ኣብ መላግቦኻ ዝኽሰት ሕበጥ ደርሆ ነቚቱ ከውጽኦ ምግባር ዝብሉ መገዲታት ይጥቀሙ ነይሮም።
ከተማ ኣልግሄሮ ንርእሳ ጸገም ሓለዋ ጽርየት፣ ብዝግባእ ዘይሰልጠኑ ሰብ ሞያ ሕክምናን "ኣዝዩ ድሑር" ናይ ሕክምና ባህልን ከም ዝነበራ ይንገር።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እንከላ እምበኣር፡ ቲቤሪዮ ኣንጌሌሮ ዝተባህለ ኣብ ወጻእ ሃገር ዝተማህረ በዓል ሞያ ሕክምና ካብ ሲሲሊ ይመጽኣላ።
እዚ ሰብ ኣካለዊ ርሕቐት ኣብ ምሕላው ምንዕ ዘይብል መርገጺ ዝነበሮ'ዩ ይብሃል።
ንሱ፡ ክሕከሙ ዝመጽኡ ሕሙማት መጀመርታ ክውሸቡ እዩ ዘፍቅዶም። ግንከ፡ ብቐሊሉ ሰማዕን ተቐባልን ዝረክብ ኣይነበረን።
ኣይፋልናን ኢሎም ዝነጽጉዎ ብምብዝሖም ከኣ ንዕኡ ክቐትሉዎ ዝገላገሉ ብዙሓት ነይሮም።
እንተኾነ፡ እቲ ለበዳ ዘስዕቦ ሞትን ሕማምን እናበርትዐ ምምጽኡ ኣይተረፎን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብታ ከተማ ክትግበሩ ኣለዎም ኢሉ ዝደንገጎም 57 ሕግታት ዝርከቦ መጽሓፍ ኣሐቲሙ።
ኣብዚ ንኡሽቶ መጽሓፍ፡ ሰባት 1.8 ሜትሮ ኣካላዊ ርሕቀት ክሕልው፣ ናይ ኢድ ሰላምታ ከወግዱን ካብ ደገ መግብን ካልእን ንምምጻእ ካብ ሓደ ገዛ ሓደ ሰብ ጥራይ ክልኣኽ ከም ዘለዎን ዝሕብር መምርሒ ሰፊሩ ኣሎ።
ኣብቲ መጽሓፍ እዞም ዝስዕቡ መሰረታዊ ነገራት ይርከቡ።
ዕጽዋ
መጀመርታ፡ ዜጋታት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡን ካብ ሓደ ገዛ ናብ ካልእ ገዛ ከይዘዋወሩን ይምዕድ።
ብተወሳኺ ኩሎም ኣኼባታት፣ ምዝንጋዓትን ተልሂትን ክኽልከሉ ኣለዎም ክብል እንከሎ፡ ኣገደስቲ ነገራት ንምግዛእ ካብ ገዛኻ ምውጻእ እንተድሊ ድማ ካብ ስድራቤት ሓደ ኣባል ጥራሕ ክወጽእ ከም ዘለዎ የገንዝብ።
እዚኦም ዳርጋ ኹሎም ዝርግሐ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኩለን ሃገራት ኣብ ግብሪ ኣውዒለንኦም'የን።
ከተማ ኣንጌሌሮ ነዚ ኣዋጅ ዕጽዋ ከተተግብር እንከላ፡ ዋላ'ውን ሙሉእ ዕጽዋ እንተዘይነበረ ሰባት ግን ምልክት እቲ ለበዳ እንተተራእዩዎም ን40 መዓልታት ክውሸቡን ናብ ሆስፒታል ክኸዱን ገይራ'ያ።
በዚ ምኽንያት'ዩ "ውሸባ" ዝብል ቃል ዝመጽአ፤ ንፈለማ እዋን ድማ ኣብ ጥልያን ተግባራዊ ኮይኑ።
እቲ ግዜ ግን፡ ከም ሎሚ ተንቀሳቐስቲ ቴሌፎን፣ መጽሓፍትን ካልእ መዘናግዒ ነገራትን ዘይማዕበልሉ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ንውሸባ ከተግብሩዎ ሕጉሳት ኣይነበሩን።
ገሊኦም ሓላፍነት ዝጎደሎም ከኣ፡ ናብ ዝባን መንበሪ ገዝኦም ወጺኦም ነቲ መምርሒ ምክልኻል ምትሕልላፍ እቲ ሕማም ሰይሮም ምስ መሓዙቶም ብምርኻብ ብሓባር ይሰትዩን ይተሓዋወሱን ነይሮም።
ኣካላዊ ርሕቀት
እቶም ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ዝተፈቕደሎም ሰባት፡ ብ1.8 ሜትሮ ተፈናቲቶም ክንቀሳቐሱ ወይ ኮፍ ክብሉ ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ኣለዎም ይብል።
ሰባት ኣካላዊ ርሕቀቶም ክሕልው ከኣ ግድን ምዃኑ ይሕብር።
ኮቪድ-19 ኣብ ዝተራእየሎም ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ ብዙሓት ሃገራት ሰባት ኣካላዊ ርሕቀቶም ብኽልተ ሜትሮ ኣፈላላይ ክሕልው የገድዳ ነይረን።
እዚ ቀስ ብቀስ ሃገራት ብሪጣኒያ፣ ፈረንሳ፣ ሲንጋፑር፣ ደቡብ ኮርያን ጀርመንን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብውሑድ ናብ 1.5 ሜትሮ ክጎድል ተገይሩ'ዩ።
ኣንጌሌሮ በዚ ኣየእኸለን፤ ብፍላይ መግብን ካልእን ኣብ ዝሽየጠሎም ቦታታት ሰባት ብዝግባእ ርሕቀቶም ዝሕለወሉ ኣገባብ ክትግበር ኣለዎ ኢሉ'ዩ።
ኣካላዊ ርሕቀቶም ኣብ ዝሕልውሉ እዋን ድማ ናይ ኢድ ሰላምታ ከወግዱ ከም ዘለዎም የገንዝብ።

ምንጪ ስእሊ, Jamie Lawton/Getty Images
ካብ ዕዳጋ ዝመጽኡ ጠለባት ምሕጻብ
ዘመነ ሕዳሰ፡ ወርቃዊ ዘመን ፍልስፍና፣ ስነ ጽሑፍን ስነ ጥበብን ተባሂሉ ዝውሰድ ክፍለ ዘመን እዩ።
ከም ሚካኤል ኣንጌሎ፣ ዶናቴሎ፣ ራፋኤልን ሊዮናርዶ ዳቪንቺን ዝበሉ ጥልያናውያን ስነ ጥበባውያን ጎሊሖም ዝወጽኡሉ ኮይኑ፡ ርድኢት ሳይንስ ሓፍ ዝበለሉ ዘመን'ውን እዩ።
ኣብዚ ግዜ'ዩ፡ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር ዓለም ክትፈልጥ ኣለዋ ኢሉ፣ ዳ ቪንቺ ካብ ነፋሪት ዘውርድ ፓራሹት፣ ታንክታትን ሮበትን ንምስራሕ ትልሚ ኣውጺኡ።
ድሕሪኡ ኣስታት 1500 መሪሕ ሊቃውንቲ ሕማም "ብሕማቕ ኣየር" ዝብገስ'ዩ ዝብል ሓሳብ ኣፍሊቖም።
ነዚ ድማ፡ ሰባት በዚ ዓብላኺ ዝኾነ ኣየር ዝተበከለ ነገር እንተተንኪፎም ክሓሙ ይኽእሉ ዝብል ትንታነ ኣምጺኦም።
ኣኔግሎር'ውን ኣገደስቲ ዘይኾኑ ኣቑሑት ክቃጸለሉ ኣለዎም፤ ክቡራት ኣቑሑ እንተኾይኖም ድማ ንፋስ ክወቕዖም፣ ክሕጸቡ ኣለዎም ኢሉ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ዝኾነ ኣቕሓ ካብ ደገ ተዓዲጉ ክመጽእ እንከሎ (ብፍላይ ብመራኽብ ዝመጽኡ) ብዝግባእ ክሕጸቡን ኬሚካል ክንጸጎምን ይግበር።
ካብቶም ኣዝዩ ሓደገኛ ዝተባህሉ ዓለባ'ኳ እንተነበረ፡ ደብዳበታት እንከይተረፈ ግን ቅድሚ ናብ መንበሪ ገዛ ምእታዎም ግቡእ ምጽፋፍ ይግበሮም ነይሩ።
ፓስፖርት ጥዕና
ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር፡ ናብታ ከተማ ክኣቱ ድልየት ዝሓደሮ ሰብ ግቡእ መርመራ ኩነታት ጥዕና ክገብር ግድን ኮነ።
ነዚ ዘማልአ ድማ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ዝሕብር መረጋገጺ ወረቐት ይወሃቦ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ፡ ሰርተፊኬት መርመራ ኮሮናቫይረስ ክትሕዝ ግድን ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ'ዩ ፓስፖርት ጥዕና ዝብሃል ዘሎ።
ውሸባ
ኣብቲ ግዜ ጥልያን፡ በቲ ለበዳ ዝተለኸፉ ሰባት ንነብሶም ፈልዮም ክጸንሑ ብምግባር ጀማሪት ሃገር እያ።
ብ1423፡ እቲ ቫይረስ ዝተሰከሙ ሕሙማት፣ ካብቲ ቫይረስ ዝሓውዩ ወይ'ውን ምስቲ ዝሓመመ ሰብ ዝተተናኸፉ ሰባት ዝጸንሑሉ ናይ መጀመርታ ሆስፒታል ኣብ ቬነስ ከፊታ።
ብ1576፡ እታ ከተማ ኣስታት 8 ሽሕ ሰባት ክውሸቡ ገይራ እያ።
እቲ ሆስፒታል'ውን ኣገልግሎት ሕክምናን ውሸባን ዝውሃበሉ ማእከል ኮይኑ ከገልግል ክትገብር እንከላ፡ ብዙሓት ግን ንጉዳይ ውሸባ ከም "ኣብ ገሃነም" ምዃን ገይሮም ይቖጽሩዎ ከም ዝነበሩን እቶም ተወሸብቲ ተነጽሎ ይገጥሞም ከም ዝነበረን ይግለጽ።
ደማሙ ምቕታል
ኣብ ሞንጎ ብ16 ክፍለ ዘመን ኣጋጢሙ ንዝነበረ ለበዳ ዝተወስደ ስጉምትን ኣብዚ እዋን ምስ ዘጋጠመ ለበዳን ዝተወስዱ ስጉምታት ምምስሳል እንተሃለዎም'ውን፡ ብዙሓት ርኡይ ፍልልይ ዘለዎም'ውን ኣለው።
ኣብቲ ግዜ፡ ድሑር እምነትን ሃይማኖትን ዘሰንፎ ህዝቢ ስለ ዝነበረ፡ ኣንግሌሮ እቲ ለበዳ መለኮታዊ መቕጻዕቲ'ዩ ክብል ንነበርቲ እታ ከተማ ኣጠንቂቑዎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ክንደ ዝክኣሎም ብሞራላዊ ባህርያቶም ክግርሑ የተሓሳስቦም ነይሩ።
ንኣብነት፡ "ታኪንን ደማሙን ተቐቲሎም ናብ ባሕሪ ክድርበዩ" ዝእዝዝ መምርሒ ኣውጺኡ'ዩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ብ1665 ኣብ ለንደን 40 ሽሕ ኣኽልብትን 20 ሽሕ ደማሙን ክሕረዳ ከንቲባ እታ ከተማ መምርሒ ሂቡ'ዩ።
ነዚ ስራሕ ዘፈጽሙ ፍሉያት ሓረድቲ'ውን ክዳለው ተገይሩ።
እቲ እወንታ ዝነበረ ግን፡ ኣናጹ ለበዳታት ካብ ሞንጎ ዝስከማ እንስሳት ስለ ዝኾና፡ ኣብ ልዕሊአን ዝውሰድ ዝነበረ ስጉምቲ ምውጋድ ነቲ ለበዳ ኣብ ምዕጋት ሓጋዚ ኮይኑ እዩ።
ብዝኾነ፡ መወዳእታ ከተማ ኣኔግሄሮ እንታይ ኮነ? እቲ ለበዳ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ክጸንሕ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ን60 ዓመታት ካልእ ለበዳ ኣጋጢሙዋ ኣይፈልጥን።
ከጋጥማ እንከሎ ግን ሰብ መዚ እታ ከተማ ብቕልጡፍ መጽሓፍ ኣንግሌሮ ገንጺሎም ናብ ስራሕ ይኣትው።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







