ኣብ ዓለም ንሕግን ስርዓትን ዝግዝኡ ዜጋታት ዘለውዋ ሃገር መን'ያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ውሽጢ ካብ በርሊን ናብ ከተማ ዳሱልዶፍ ዝግስግስ ባቡር ኣለኹ። ኣብ ጎነይ ኮፍ ምስ ዝበለ መንእሰይ ድማ ጽቡቕ ወግዒ ሒዝና ኣለና።
"ዝብለካ . . . ዘስተብሃልካዮ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ጀርመንን ዘሎ ናይ ባህሊ ኣፈላላይ እንታይ ኣሎ?" ይብለኒ።
ኣብ ሞንጎ፡ ናብ ኮፍ መበሊኣ እትምለስ ዝነበረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብማእኸልና ትሓልፍ።
"ኡሽሽሽሽ . . . ." ብማለት ድማ ከም ህጻን ትኹርየልና። ድምጽኹም ነክዩ ማለታ'ዩ።
ብዙሕ ኣይተገደስናላን . . . ስቕ ኢልና ወግዕና ንቕጽል።
መሊሳ፡ ኣብ ውሽጢ ቴሌፎን ምውጋዕ ከም ዘይፍቀድ ናብ ዘመላኽት ኣብ መሬት ናብ ዝተጠቅዐ መልእኽቲ ብኢዳ ተመልክተና።
ቐጺላ ናብ ጥቓና ጽግዕ ኢላ ድማ፡ "ድምጽኹም ክትንክዩ ኣለኩም" ኢላትና፤ ብትሕትና።
ኣብዚ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ጎነይ ዘሎ ሰብ ዝሓተተኒ ሕቶ ምላሽ ከም ዝረኸብኩ ነጊረዮ።
"ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ጀርመንን ዘሎ ናይ ባህሊ ኣፈላላይ እዛ ሰበይቲ እያ" ድማ ኢለዮ።
ኣብ ጀርመን ኣርባዕተ ዓመት ሙሉእ ክቕመጥ እንከለኹ፡ "በጃኹም ስቕ በሉ" ዝበለትና ሰበይቲ እትውክሎ ሕብረተሰብ በብቦትኡ ርእየዮ እየ።
ህዝቢ ጀርመን ንባህልን ልምድን፣ ንሕግን ስርዓትን ዝግዛእ ሕብረተሰብ እዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ነገር ሕጊ ዘኽብር'ዩ ክብሃል ይከኣል።
ስርዓት፡ ኣብ መላእ መሬት ጀርመን ኢኻ ትረኽቦ። በቃ ህይወት ንዓቀብ ንታሕቲ እንተኣበለትካ'ውን ካብ ሕግን ስርዓትን ክትወጽእ ኣይትክእልን።
ምክንያቱ እንታይ'ዩ ትብሉ ትህልው።
ኣብ ጀርመን ሓደ ፍሉጥ ኣበሃህላ ኣሎ። . . . "Ordnung Muss Sein" (ስርዓት ክህሉ ይግባእ!) ዝብል እዩ።
ህይወት ጀርመናውያን በዚ ኣበሃህላ እዩ ዝምራሕ ክብሃል ይከኣል። ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ነዚኣ እዩ ዝግዛእ።
ስርዓት ክህሉ ይግባእ! ስርዓት! ስርዓት! ስርዓት ክህሉ ይግባእ! እዮም ዝብሉኻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ስርዓት ብምንታይ ይግለጽ?
ኣብ ጀርመን ዝረስሑን ንጹሃትን ጠራሙዝ ብሓንሳብ ኣይድርበዩን። ድሕሪ ምሸት ሰዓት 10፡00 [ሰዓት 4፡00 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድማ ዝርብሽ ድምጺ ከተስምዕ ኣይፍቀድን።
ኣብ ጀርመን ቀይሕ መብራህቲ እንተበሪሁ፤ ንምንታይ ኣብ ገጠር ዘይኸውን . . . ዋላ'ውን እቲ ሕብረተሰብ ህልም ዝበለ ሓረስታይ ይኹን . . . መንገዲ ዘቋርጽ ኣጋር'ውን ኣይሃሉ . . . ትራፊክ ጠጠው ከብለኩም ዝለመድኹም'ውን ክትኾኑ ስለ እትክእሉ ዋላ'ውን ትራፊክ ኣይሃሉ ዝብል ክውስኸልኩም፡ ሕጊ ትራፊክ ኣይጥሓስን።
ኣብዛ ሃገር ሓደ ነገር ከተፈጽሙ እንተደሊኹም ሓደ ቅኑዕ መገዲ ጥራሕ ኢኹም እትጥቀሙ።
ቅጥዒ ትመልኡ፣ ትኽክለኛ ስምኩምን ኣድራሻኹምን ተቐምጡ፣ ድሕሪኡ ቆጸራ ትሕዙ።
ቅጥዒ ክመልእ ዝተጋገየ ሰብከ? ከም ሰብ ምግጋይ ንቡር ስለ ዝኾነ ቴሌፎን ተደዊልሉ ይጽዋዕ። ብኣግባቡ ክመልእ ግዴትኡ እዩ፤ ስለዚ ድማ ደጊሙ ብጥንቃቐ ይመልእ። ምኽንያቱ ኣብ ጀርመን ስርዓት ክኽበር ኣለዎ።
ውርሲ ማርቲን ሉተር?
ላዕሊ ላዕሉ እንትርኣይ፡ ጀርመን ኩሉ ነገር ቦታ ቦትኡ ዝሓዘላ ናይ ሕግን ስርዓትን ሃገር ትመስል።
እንተኾነ ከምቲ ዝብሃል፡ ኩሉ ነገር ደንብን ስርዓትን ኣሲሩ ዝሓዛ፣ ንለውጢ ኢዳ ዘይትህብ ድያ? እንተኢልና፤ መልሱ ኣይኮነን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ወገን ናብ ዘመን ማርቲን ሉተር ክንምለስ ዘለና ይመስለኒ።
ሉተር፡ ጀርመናውያን ኮኑ ዓለም ከመይ ንእየሱስ ክርስቶስ ከምልኹዎ ኣለዎም ኣብ ዝብል ባይታ ዝሓዘ ለውጢ ከም ዘምጽአ ንዝሓለፉ 500 ዓመታት "ሪፎርሚስታት' ጀርመን ኣብ ባህሊ ጀርመን ዓብዪ ኣሰር ኣንቢሮም።
መምርሒ እዚ ፍሉጥ ባህሊ ጀርመናውያን ንሱ ከም ዝጽሓፎ'ውን እዩ ዘንገር። Ordunug Muss Sein Unter Den Leuten [ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ስርዓት ክህሉ ይግባእ!] ማለት እዩ።
ጀርመናውያን ንመስተ [ቢራ]፣ ንመጽሓፍ [ምጽሓፍን ምንባብን]፣ ንሕብስቲ [ምስንካትን ምብላዕን] ዘለዎም ፍቕሪ ብቃላት ዝግለጽ ኣይኮነን።
ኣብ ዓለም ዝፍለጣ ዝርዝር ኣውቶሞቢላት ኣይ - ናይ ጀመርመናውያን እንድየን ግዲ፤ መርሴዲስ ቤንዝ፣ ቮልስዋገን፣ ቢኤምደብሊው፣ ኣውዲ፣ ፖርሸ የትም ቢኬድ። ጀርመናውያን ክንደየናይ ጥንቁቓት ምዃኖም ልዕሊ እዘን ምህርታት ምስክር የለን።
ካብዚ ሓሊፉ ምህዞ ጀርመናውያን መስመር ክትሕዝ ዝገበረ ሓደ ናይ ጥበብ ቤት ትምህርቲ ኣሎ። ባውሃውስ ይብሃል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባውሃውስ
ባውሃውስ ቤት ትምህርቲ ኪነ ህንጻን ስነ ጥበብን እዩ። ኣብ ቫይማር ብ1919 ፍሉጥ ክኢላ ስነ ህንጻ ዋልተር ግሮፒየስ መስሪቱዎ።
ድሕሪኡ ብሉጻት ዝተባህሉ ጥበበኛታት ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ክዓብዩ ጀሚሮም። ብቐዳማይ ኲናት ዓለም ዝዓነወት ዓለም ዳግም ንምህናጽ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኸበ ክኢላ ተላዒሉ።
ባውሃውስ ኣብ ቅርጺ ኪነ ህንጻ ጀርመናውያን ዝፈጠሮ ጽልዋ ቀሊል ዝብሃል ኣይኮነን። ካብዚ ቤት ትምህርቲ ዝወጽኡ ሓድሽ ሓሳብ ኪነ ህንጻ እዮም ዘበግሱ።
ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ቦታ ዝሕዝ ዘይኮነ ቦታ ዝፈጥር ህንጻ ንህነጽ ኢሎም ተላዒሎም።
ቀጺሎም ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ኮይኑ ዳርጋ ኣብ ደገ ዘሎ ስምዒት ዝፈጥሩ ኪነ ህንጻታት'ውን ኣብቲ ዘመን ዝተለመዱ ክኾኑ ገይሮም።
ሕጂ፡ ኣውሮጳ ሙሉእ ዘዕለቕለቑ ስራሕቲ ኪነ ህንጻ ናይ እዚኦም እዮም። ኣብቲ እዋን ግን 'ፋሽን' ዲኹም ትብሉዎ? ከምኡ ነይሮም።
ከምዚ ዓይነት ሰውራ ኪነ ህንጻ ክመጽእ ዝገበረ ከኣ ኣቦ ኪነ ህንጻ ዋልተር ግሮፒየስ እዩ።
ኣርክቴክት ግሮፒየስ ኣብ ጀርመን ዝፈጠሮ ቤት ትምህርቲ ባውሃውስ ተመሃሮ ኣብ ምህዞ ዝተደረኸ ስልጠና ክረኽቡ እዩ ዝገብር።
ድሕሪኡ ብስነ ጥበብ፣ ኢደ ጥበብ፣ ስነ ህንጻን ካልኦት ምህዞታትን ብምጥቃም ብዛዕባ ሕብሪ፣ ቅርጺ፣ ጽባቐ ምሕሳብ ምጥባብ፣ ምፍልሳፍ ባህሊ እናኾነ መጺኡ።
ባውሃስ ብ1933 ብሂትለር ክሳብ ዝዕጾ ሽሙ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝጽውዓሉ ኣሰር ኪነ ህንጻን ካልኦት ናይ ስነ ጥበብ ስራሕትን ገዲፉ እዩ።
ጀርመናውያን፡ ንገዛን ደገን ዘለዎም ኣተሓሳስባን ድልየትን ዝቐረጸ እዚ ቤት ትምህርቲ እዩ ይብሃል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ስነ ስርዓት ይከበር!' መን ጀሚሩዎ?
ሉተር ኣብ ጉዳያት ነገረ መለኮት ኣብ ዝጽሓፎም ጽሑፋት ህዝቢ ንመራሕቲ ይእዘዝ ይብል። 'ስነ ስርዓት ይከበር!' ብዝብል ዝጽሓፎ ግን ብቐጥታ ነቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ወዲ ሰብ ብውልቁ ስርዓት ከኽብር ዝግብኦ ፍጡር እዩ ኢሉ ይኣምን ስለ ዝነበረ እዩ።
ድሕሪ ሉተር ስነ ስርዓት ዝብል ሓረግ ብሰፊሑ ክፍለጥ ዝገበረ ሰብ ናይ መወዳእታ ፕሬዝደንት ሪፐብሊእከ ቫይማር ፓል ቮን ሂንደንበርግ ከይኮነ ኣይተርፍን።
ብ1934 መጽሄት ታይም ሂንደንበርግ ኣብ ቅድሚት ገጹ ሒዙ እትወጽእ፡ ኣብ ትሕቲ ናቱ ስእሊ "ስነ ስርዓት ይከበር!" ዝብል ኣበሃህላ ነይሩ።
እዚ ድማ ነቲ ፕሬዝደንትን ነቲ ኣበሃህላን ህቡባት ክኾኑ ገይሩዎም።
ክሪስቲና ሮጀርስ ተመራማሪት ባህሊ እያ። እዚ ስርዓት ናይ ምኽባር ባህሊ ካብታ ፕሩሲያ ተባሂላ እትጽዋዕ ነባር ጀርመን ዝመጽአ እዩ ትብል።
ግቡእኻ ምፍጻም፣ ቖጸራ ምኽባር፣ ሓቀኛን ጠንካራን ሰራሕተኛ ምዃን ድማ ኣብ ባህሊ ጀርመን ካብ ውሉድ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመጽአ ባህሊ እዩ።
ክርስቲና ነዚ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጽአ ስነ ስርዓት ዝምልከት ምስ ጀርመናውያን ሽርክና ንግዲ ክጅምሩ ንዝደልዩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዓበይቲ ኩባኒያታትን ተማኽር።
ምኽንያቱ ጀርመናውያን ስንፍና ዘይክዕገሱ፣ ዕሽሽ ምባልን ትኹረት ምውሓድን ቐልጢፉ ከቖጥዖም ዝኽእሉ ህዝቢ እዮም።
ብዝኾነ እዚ ስርዓት ይከበር ዝብል ልምዲ ካብ ዝመጽአ ይምጻእ ኣብ ልቢ ጀርመናውያን ዝሓደረ ዓብዪ ባህሊ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር የብሉን።
እቲ ቃሕ ዝብል ነገር ናይ ሎሚ ጀርመናውያን ብዛዕባ ስነ ስርዓት ከውግዑ ኣይትሰምዖምን።
እኳ ድኣ ልክዕ ከም ተፈጥሮኣዊ ስምዒት ብውሽጦም ተረዳዲኦም ወዲኦም'ዮም። ብኡ ይናበሩ እምበር ኣይዛረቡን።

ምንጪ ስእሊ, Joe Baur
ተመራማሪት ታሪክ ክርስቲን እዚ ባህሊ ምኽባር ስርዓት ጀርመናውያን ንቖልዑት ጀርመን "ብናይ ማይ ቱቦ ዝመጽኣሎም ጸባ ላሕሚ እዩ" ክትብል ትገልጾም።
እዚ ባህሊ ንምዕባይ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ከለው ዝመሃርሉ ክፍሊ ካብ ምጽራይ ይጅምሩ።
ዝጻወቱሎም ኣቑሑ ብኣግባቡ ብምቕማጥ ይጅምር። በዚ ኣቢሉ ምኽባር ስርዓት መምርሒ ህይወቶም ኮይኑ ይቕጽል።
ክርስቲን ነዚ ብዝስዕብ ሓሳብ ትጠምሮ።
"ሓደ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ሰዋስው ቋንቋ ሓሲቡ ኣይኮነን ዝዛረብ፤ ኩሎም ጀርመናውያን ድማ ስርዓት የኽብሩ እምበር ብዛዕብኡ ኣይዛረቡን"።
ቅድሚ ምጥቕላለይ ሓንቲ መቑሽሽ ወስ ከብለልኩም።
ሓደ ጀርመናዊ ስምዒትኩም ቁርብ ርብሽብሽ ዝበለ እንተመሲሉዎ፡ "Alles in Ordnung?" ይብለኩም። እንታይ ማለት'ዩ? ብቐሊሉ "ሰላም ድዩ?" ከምዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ዝብሎ ድማ "ኣማን ድዩ?" ማለት እዩ።
ግን ድማ ብኣበሃህላ ቋንቋ ጀርመን ክንፈትሖ ከለና፡ "ስነ ስርዓት ተኸቢሩ'ዶ?" ዝብል ትርጉም'ዩ ዘለዎ።
እዚኣ ኣብ ልባስ ኣኽበርቲ ሕጊ'ውን ተጻሒፋ እያ። ኦርድኖንግስአምት (Ordnungsamt) ዝበሃሉ መኮንናት ቤት ጽሕፈት ኣኽበርቲ ስርዓት ሕብረሰተብ ጀርመን እዮም።
እዚኦም ስራሕቲ ምኽባር ስርዓት እዮም ዝሰርሑ።
መሬት ምስ ሰማይ ዝሓዋውስ፣ ዕንጽራር ዝገብር ሙዚቃ ዝኸፈተ ገዛ እንተረኺቦም፡ ብዋዛ ኣይለቁዎን።
መካይን ጠጠው ኣብ ዝብላሉ ቦታ ብስርዓት ደው ዘየበለ መኺና እንተገጢሙዎም'ውን፡ ድሓን ይኹን ኢሎም ኣይሓልፉዎን፤ ወይለከ ስርዓት እዩ'ያ።
ሓደ ነገር ክውስኽ ኢለ'ዶ ዘረባ ኣንዊሐልካቱም?
ብዝኾነ፡ ኣብ ጀርመን ከልቢ ከይተረፈ ንክንደይ ግዜ እዩ ክነብሕ ዝኽእል ዝብል ሕጊ ተቐሚጥሉ'ዩ። ኣይኣምንን'ዶ ኢልኩም? ጸጥታ ክዓስል ኣብ ዘለወሉ ሰዓት ኣብ ሓደ ግዜ ልዕሊ 10 ግዜ ክነብሕ ኣይፍቀዶን።
ሰኺሩ ኣብ መገዲ ጸልፋዕፋዕ እናበለ እግረ መገዱ ዝረኽቦም ናይ ጎሓፍ ኣቑሑት እናላኽዐ ዝኸይድ ሰብ'ውን ኣይስኣንን።
ስኻሩ ምስ ነፈሰሉ ግን፡ "ስነ ስርዓት ይከበር!" ክብል ይኽእል።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







