ጋና፡ ሰዓት ዘይምኽባር ባህሊ ዝኾነላ ሃገር

ሰዓት ዝጽግን ጋናዊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሚኒስተር ጉዳያት ኦሎምፒክ ጃፓን፡ ናብ ኣኼባ ባይቶ ሰለስተ ደቓይቕ ደንጉዩ ብምምጽኡ፡ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ይቕረታ ክሓትት ተገዲዱ።

እምበርከስ፡ ክንድቲ ጋናውያን ሚኒስተራት ዝድንጉይዎ ኣርፊዱ እንተዝነብር፡ ካብ ስርሑ ምተሰጎገ ነይሩ ማለት እዩ።

ኣብ ጋና ምርፋድ ዓብዪ ጸገም ኣይኮነን። ዝኾነ ሰብ ኮነ ናይ መንግስቲ ሓላፊ፡ ክሳብ ኣርበዓ ደቒቓ ደንጉዩ ክመጽእ ትጽቢት ከምዝግበር፡ ሚኒስተር ነበር ኤልሳቤጥ ኦሄኔ ትገልጽ።

''ሚኒስተር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፤ ኣብ ኣኼባታት ኣነ ኣብ ሰዓተይ ክርከብ ከለኹ፡ መብዛሕተኦም ሚኒስተራት ግን ደንገዮም እዮም ዝመጹ። ብግልባጡ ከኣ፡ ኣነ ቀልጢፈ ብምምጸአይ ይግረሙ''

''እቲ ፕረዚደንት ኩሉ ሻብ ኣብ ሰዓቱ እንተዝርከብ፡ ካልኦት ሰበ ስልጣን እውን ኣተሓሳስበኦም ክቕይሩ ምኸኣሉ ኢለ ይሓስብ'' ትብል።

ባንዲራ ጋና ዘለዎ ሰዓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ፡ ፕሬዝደንት ናና ኣዶ ዳንክዋ አኮፎ-ኣዶ፡ ናብ መዝነት እንትመጽእ፡ ናይ ህዝቡን ሰብ መዚን ኣጠቓቕማ ግዜ ከምዝቕይር ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ባዕሉ ኣብነት ኮይኑ ነዚ ልምዲ ክቕይር ዋላ'ኳ እንተፈተነ፡ ብቐሊሉ ዝፍታሕ ኣይኮነሉን።

እቲ ፕረዚደንት ብሰዓቱ እንትርከብ፤ እቶም ሚኒስተራት ግን ምድንጓይ ኣይገደፉን።

ኤልሳቤጥ ኦሄኔ ''ሰዓት ዘይምኽባር ከይኣክል፡ እቶም ኣኼባታት ኣብ ሰዓቶም ኣይውድኡን'' ትብል እዚ ጉዳይ ክንደይናይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ክትገልጽ እንከላ።

''ንጉሆ 3 ሰዓት ክጅመር ናብ ዝግበኦ ናይ ቤተክርስትያን መደብ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ካብ 30 ደቒቓ ክሳብ 1 ሰዓት ደንጉዩ እዩ ዝመጽእ። ስለዚ እቶም መደባት ክንደይ ሰዓት ከምዝውድኡ ክትግምት ከቢድ እዩ'' ትብል።

ሓደ መዓልቲ፡ ንጉሆ ሰዓት 10 (4፡00) ዝጀመረ መደብ ቤተ ክርስትያን፡ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 3 (9፡00) ከምዝተዛዘመ ትዝክር።