ዙምባብወ ድሕሪ ሙጋቤ፡ መልዕሎ ጠጠው ዘበለት ሃገር
![ቬስታን [ጸጋም] ቴዲን [የማን] ሰብ ሓዳር እዮም።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/FA62/production/_108289046_teddie_vesta2-2.png.webp)
ጡረተኛታት መጻምዲ ቴዲን ቬስታን፡ ዕድሚኦም ብክብሪ ክንውድእ ኢና ኢሎም'ዮም ዝሓልሙ።
ወዲ 85 ዓመት ቴዲ ተቐባሊ ጋሻ ኮይኑ ክዓቢ እናተመነየ ን46 ዓመታት ሰራሕተኛ ጽርየት ሓደ ኩባኒያ ኮይኑ ሰሪሑ። ዙምባብወ ጸሊዩዋ ዘሎ ከቢድ ዝቕባበ ዋጋ ግን፡ ነቲ ምቹእ ናይ መልዕሎ ግዜኦም ከም ዝመዝንዖም በዓልቲ ቤቱ ቪስታ ትገልጽ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ወርሓዊ መልዕሎ ቴዲ 80 ዶላር [ሕጂ 10 ዶላር ዝኾነ] እዩ ነይሩ።
"ፍቕረይ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ምሸት ኣብ መንበር ኾፍ ኢሉ ክርእዮ ሃንደበት'ዩ ኮይኑኒ" ኢላ። "ባናና፣ ኣራንሺ ወይ ካልእ ዝሑል ዝስተ ነገር ከቕርበሉ ባህ ይብለኒ፤ ግን ዓቕሚ የብልናን"።
ምልክታት ቑጠባዊ ምንቁልቋል ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣሎ። ዶኳኩን ሙሉኣት ኮይኖም እናሃለው ግን ዓዳጊ የለን። ብሰነ፡ ዋጋ መሰረታዊ ጠለባትን ትካላት ጥዕናን ብ200 ሚኢታዊት ሓፍ ኢሉ።
ሕጂ ድማ፡ ዋጋ ሕብስቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናብ ሓሙሽተ ዕጽፊ ደይቡ'ሎ።

ብሰነ 2019 ዝቕባበ ዋጋ እታ ሃገር 98 ሚኢታዊት ወሰኽ ምስ ኣርአየ፡ ዙምባብወ መተዓዳደጊ ገንዘብ ሃገራት ወጻኢ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ክኸውን ብምግባር ናይ ባዕላ ዶላር ዳግም ክተኣታቶ ገይራ፤ እቲ ዝቕባበ ዋጋ ብኢሱ ናብ 176 ሚኢታዊት ዓብዪ።
እዚ፡ ኢመርሰን ምንጋግዋ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ሓደ ዓመቱ ዝተፈጥረ ሓድሽ ቁጠባዊ ቅልውላው ምኻኑ ይዝረብ።
ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኢመርሰን ምንጋግዋ እንትመጽእ፡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ኣሚኖምዎን ተስፋ ኣሕዲሮምሉን ነይሮም።
ንሱ ዲሞክራሲ ብምስፋን፡ ሰብ ሃፍቲ ናብ ዓዶም ክምለሱን ገንዘብ ኣምጺአም ነቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቢዝነስ ከተባብዕዎን ጸዊዑ። ሕጂ ግን፡ ተስፋታት ቅሂሞም፡ እቲ ናይ ቀደም መንፈስ ቦትኡ ክሕዝ ጀሚሩ።
ምቁርራጽ መብራህቲ ልሙድ ኮይኑ'ሎ። ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ ኣሎ። መንግስቲ ድማ፡ ነዳዲ ንምዕዳግ እኹል ሸርፊ ወጻኢ የብለይን ይብል።
ሰብ መዚ'ውን፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ'ዮም ዝብሉዎም መመንጨዊ ጸዓት ምኽንያት ይገብሩ። ብተወሳኺ፡ ትሑት ክፍሊት ኣገልግሎትን ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ካሪባ ዘሎ ግድብ ክዕጾ ምክንያት ምኻኑ'ውን ይጠቕሱ።
'ብቕልጡፍ ዝፍታሕ የለን'
ወኪላት ንግዲ፡ ምጥፋእ መብራህቲ ሓሓሊፉ አብ መዓልቲ ን18 ሰዓታት ከም ዝጸንሕን፡ እታ ሃገር 200 ሚሊዮን ዶላር ከም ዘኽስራን ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓድሽ ሚኒስትር ጸዓት ፎርቱኔ ቻሲ ቀልጢፍካ ዝፍታሕ ነገር ኣይኮነን ኢሉ።
ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መንግስቲ ዝድጉሞ ኣገልግሎት ምኻኑ ብምግላጽ፡ ዜሳ ዝተብሃለ ትካል መቕረቢ ጸዓት ከሲሩ ምህላው ሓቢሩ። "እቲ ቑጥዐን ስግኣትን ርዱእ'ዩ" ድማ ኢሉ።
"ዝሕተት ክፍሊት ትሕቲ እቲ ክኸውን ዝግብኦ'ዩ። ንዕኡ'የ ሰባት ሒሳቦም ክኸፍሉ ዘለዎም ዝብል። ዜሳ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ይእወድ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሴክተር ዘሎ ሰብ ልቓሕ ኣለዎ'ዩ"።
ከክኢላታት ስነ ቑጠባ ዝቕባበ ዋጋ ቐጻሊ'ዩ ይብሉ። ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ትሑት ብምኻኑ፡ እቲ ጠለብ ኣታዊ ኣብ ዝኾኑ ምህርታት ክምርኮዝን ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ክህሉን ምኽንያት ምኻኑ'ውን ይገልጹ።
ወጻኢታት መንግስቲ ድማ ብኡ ልክዕ ብዙሕ፤ እምነት ሰብ ሃፍቲ ድማ ትሑት ኮይኑ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
በዚ ምኽንያት ሰበ ስልጣን፡ ጥቡቕ ስጉምታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ወሲኖም። መንግስቲ ንነዳዲ፣ ጸዓትን ትካላት ጥዕናን ዝገብር ድጎማ ብምንካይ ኣብ ዜጋታት ወሰኽ ዋጋ ገይሮም ኣለው። እቲ ፕሬዝደንት፡ ፍርያምነት ንምዕባይ ወሳኒ ስጉምቲ'ዩ ኢሉ ይኣምን።
ነቲ ፕሬዝደንት ዝነቕፉዎ ፖለቲከኛታት ድማ፡ ንሱ ሰባት ከየዛተየ ንብሕቱ ብሕጸት ጥዕና ዘይብሎም ፖሊሲታት'ዩ ግብራዊ ዝገብር ዘሎ ክብሉ ይነቕፉዎ።
ዙምባብወ፡ ንድሕሪት ናብ 2008 ይጎታ ኣሎ ኢሎም ድማ ይኣምኑ። እዚ እዋን፡ ዝቕባበ ዋጋ ዙምባብወ 500 ቢሊየን ሚኢታዊት ዝበጽሐሉ'ዩ። ሊቅ ስነ ቑጠባ ጎድፍረይ ካንየንዜ እታ ሃገር መጠኑ ዝሓለፈ ዝቕባበ ዋጋ ከጥቅዓ'ዩ ይብል።
"እቲ ዝቕባበ ዋጋ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብልዕሊ 50 ሚኢታዊት እንትዓቢ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ዝቕባበ ዋጋ ይብሃል። ብሰነ 39 ሚኢታዊት ነይሩ፤ ሕጂ ድማ 11 ሚኢታዊት ኣለና። እዚ ደረጃ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ'ዩ" ክብል የብርህ።
መንግስቲ ዙምባብወ ካብዚ ዘድሕን ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ የብሉን ኢሉ ይኣምን።
"ብዙሓት ምዕቡላት ሃገራት ሓደ ፖሊሲ ቅድሚ ምትግባረን ማሕበራዊ ጽልዋ ይግምግማ'የን። ድሕሪኡ ኢኻ ትዳለወሉ" ይብል እቲ ሙሁር።
ደገፍቲ ምናንጋግዋ ግን፡ እቲ ንዓሰርታት ዓመታት ይፍጠር ብዝነበረ ጸገም ዝመጽአ ቅልውላው ብቐሊሉ ዝፍታሕ ኣይኮነን ኢሎም ይካትዑ።
ጭላንጭል ብርሃን ግን ኣይተስኣነን። ዙምባብወ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝውነን መቕረባይ ጸዓት ኢስኮም ዝነበራ ልቓሕ ከፊላ'ያ። እዚ፡ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣታዊ ንምግባር በሪ ክኸፍተላ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







