ዙምባብወ፡ ስለምንታይ'ያ ንዶላር ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዳ?

ዶላር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ዙምባብወ፡ ኣብ ጉዳይ ዶላር መካትዒ ዝኾነ ውሳነ ወሲዱ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ለውጢ እንካን ሃባን ዶላር ኣሜሪካ ዝርከቦም ባጤራታት ወጻኢ፡ ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዱ።

ነዚ ተኪኡ ድማ፡ ኣብ 2009 ድሕሪ ዘጋጠመ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ንምጽዋር ዶላር ኣሜሪካን ራንድ ደቡብ ኣፍሪቃን ተኪኣ ኣሊያቶ ዝነበረት ዶላር ዙምባብወ መሊሱ ኣብ ረበሓ ክውዕል'ዩ።

ኣብ ከባቢያዊ ሸርፊ ወጻኢ ብዙሕ እምነት ዘይብሎም ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር በዚ ውሳነ ተሰናቢዶም።

ኣብ ዙምባብወ፡ ቑጠባ ተዛቢዑ'ዩ ዘሎ። ዳርጋ ኩሉ ነገር ካብ ወጻኢ እናተዓደገ'ዩ ዝመጽእ። ናብራ ኸቢሩ፣ ስእነት ስራሕ ድማ ሰፊሑ።

ኣረጊት ገንዘብ ዙምባብወ ዳርጋ ጥቕሚ ዘይብሉ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ 2016፡ ኣብ ዙምባብወ ጥራሕ ዝሰርሕ ገንዘብ ቦንድን ካልኦት ነዚ ጸገም ክፈትሑ ይኽእሉ'ዮም ዝተብሃሉ ነገራትን ተፈቲኖም።

እንተኾነ በዚ መገዲ'ውን ውጽኢታዊት ክትኸውን ኣይክኣለትን። ጸሊም ዕዳጋ ሰፊሑ ዙምባብወ ጥረ ገንዘብ ዘይብላ ሃገር ክትኸውን ጀሚራ። ብዙሕ ሰብ፡ ኣብ ናይ ካርድን ብናይ ሞባይል ገንዘብን ጽግዕተኛ ኮይኑ።

Presentational grey line

ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ጥረ ሰልድን ብካርድ ዝሰርሕ ገንዘብን ጸሊም ዕዳጋ ንምቁጽጻር ዳግም ናብ መስርሕ ተመሊሱ። ይኹም'ምበር፡ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ መሃይኦም ብዶላር ክኽፈሎም ከም ዝደልዩ ክገልጹ ጀሚሮም።

ዝቕባበ ዋጋ እታ ሃገር 100 ሚኢታዊት በጺሑ'ሎ። ሰባት፡ ኣብ ድኳናት፣ ሕክምናን ካልኦት ማእኸላት ኣገልግሎትን ብዶላር ክኸፍሉ ይሕተቱ።

ፕሬዝደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ሕጂ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ "ቑጠባና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።

ፕሬዝደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ "ዋላ ድኣ ንመንግስቲ ዕዳግኡ ከረጋግእ ይሓግዞ እምበር፡ ንዓና ግን ነቲ ናይ ገንዘብ ፖሊሲ ክንቆጻጸሮ ኣይሓገዘነናን፤ እኳ ድኣ ኣብ ዶላር ስለ ዝተሞርኮስና ኣብ ዕዳጋና ዝቕባበ ከም ዝፍጠር ኮይኑ" ይብል።

ሰበ ስልጣን ድማ፡ ዶላር ጠንካራ'ዩ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምህርቲ ምፍራይ ኽቡር ስለ ዝኾነ'ዩ ድማ ሰባት ካብ ወጻኢ ኣታዊ ክገብሩ ዝመርጹ ይብሉ።

ድሓርከ?

ቁጥዐን ሕርቃንን ተንጸባሪቑ።

ዝርዝር ዋጋ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ እቲ ቕጽበታዊ ተባሂሉ ዝተዳለወ ገንዘብ ዙምባብወ ጥራሕ ሕጋዊ ኮይኑ ናብ መስርሕ ክኣቱ ተገይሩ'ዩ።

ዶላር ዙምባብወ፡ ምስ ሕጽረት መግብን ልዑል ዝቕባበ ዋጋን ዘተኣሳሰሩዎ ሰባት፡ መንግስቲ ኣቐዲሙ መዳለዊ ግዜ ዘይምሃቡ ተቓውመኦም ይገልጹ።

"ናይ ባዕልና ገንዘብ ክህልወና ኣለዎ። ኮይኑ ግን ስቕ ኢልካ ዘሊልካ ዝእቶ ክገብሩዎ ኣይነበሮምን፤ እንተውሓደ ግዜ ክህቡና ነይሩዎም" ኢሉ ሓደ ነባሪ ከተማ ሃራሬ።

ድንኳናትን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን፡ ምቕያር ገንዘብ ዙምባብወ ምስ ሰምዑ ብዶላር ዙምባብወ ሓድሽ ዋጋ ሓቲሞም።

ሕዚ፡ ንመጀመርታ እዋን ብሓኪም ክትርአይ 1800 ዶላር ዙምባብወ ትሕተት፤ እዚ መምህር ወይ ነርስ ኣብ ወርሒ ካብ ዝረኽቦ ኣታዊ ዝለዓለ'ዩ።

ነቲ ቑጠባ ተቖጻጺሮምዎ ዘለውን ኣቕሓ ኣታዊ ንምግባር ዶላር ዝደልዩን ዘይሕጋዊ ነጋዶ ድማ፡ እዚ መምርሒ ከም ዝቃወሙዎ ኣፍሊጦም።

ኣብ ጎደናታት ሃራሬ ዝሽቅጡ ሰባት'ውን በዚ ውሳኔ ሕጉሳት ዘይምኻኖም ይዛረቡ።

"ከመይ ኢሉ'ዩ ዶላር ኣሜሪካ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ኮይኑ'ዩ ዝብሃል? ፈጺሙ ኣይኸውንን። ንሕና ዶላር ኢና ክንጥቀም ንደሊ"።

ሓጋጊ ሕጊ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዴቪድ ኮልታርት እዚ ውሳነ "ዕብዳን'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

"እቲ ዕዳጋ ዶላር ብብዝሒ እናተቖጻጸረ ዝመጽአ'ኮ፡ ኣብቲ ቕጽበታዊ ሰልዲ ዙምባብወ እምነት ስለ ዝሰኣነ'ዩ። ሰባት ድማ ንዕኡ ፍተው ኢልካ ክተገድዶም ኣይትኽእልን። እዚ ዕግርግር ዘጉሃህር'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ማሕበር ነጋዶ እታ ሃገር፡ እዚ ፖሊሲ እንተዘይተቐይሩ "ህዝባዊ ተቓውሞ" ዝተሓወሶ ስጉምቲ ክወስድ'የ ኢሉ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ዙምባብወ ገንዘብ እታ ሃገር ብምቕያር ዝወሰዶ ስጉምቲ ናዕቢ ከየልዕል ይስጋእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባይቶ ማሕበር ንግዲ ዙምባብወ፡ ሰራሕተኛታት ብዶላር ኣሜሪካ ክኽፈሉ'ዩ ዝደሊ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝተርኣየ ወሰኽ 150 ሚኢታዊት፡ ሃገራዊ ናዕቢ ኣስዒቡ፤ 12 ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራሬ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝተዋፈሩ ሰባት ሕጂ'ውን ዶላር ኣሜሪካ ይቕበሉን ይለዋወጡን ኣለዉ።

ስለምንታይ ዜጋታት ዙምባብወ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝመርጹ?

ፕሬዝደንት ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ስልጣን ከሎ ብዝነበሮ ቑጠባዊ ምሕደራ፡ ብዙሓት ሕጉሳት ኣይኮኑን። ማእኸላይ ባንኪ፡ እናወሰኸ ዝኸደ ዝቕባበ ዋጋ ንምቁጽጻር ብርክት ዝበለ ሰልዲ ክሓትም ተገዲዱ'ዩ።

ኣብ 2008፡ ዓመታዊ ዝቕባበ ዋጋ ዙምባብወ 231 ሚሊዮን ሚኢታዊት በጺሑ ነይሩ። ዋጋ ጠለባት መዓልታዊ እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ። ኣብዚ ግዜ፡ ዘይሕጋዊ እንተኾነ'ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝዓደጉዎ ዶላር ክሓብኡ ጀሚሮም።

ምንቅስቓስ እታ ሃገር ድማ ዚያዳ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ክሓትት በቒዑ። ሰበ ስልጣን ድማ፡ ዶላር ዙምባብወ ብምእላይ መተዓዳደጊ ገንዘብ ቻይናን ህንድን ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ወጻኢ ኣጊዶም።

ብሓደ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኣቢልካ ዝኾነ ነገር እንትትዕድግ፡ ማልስ እንተሃልዩካ ብኻልእ መተዓዳደጊ ገንዘብ ይምለሰልኻ።

ይኹን'ምበር፡ ሰደድ ካብ እትገብሮ ኣታዊ እትገብሮ እናዛየደ ብምምጽኡ፡ ዙምባብወ ኣብ ከይዲ ኩሎም ስኢናቶም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጥረ ሰልዲ ዘይብላ ሃገር ኮይና።