ቀዳማይ ሚኒስትር ማሃቲር ዝተጠፋፈአ ገንዘብ ክምልስ ይህቅን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሃቲር ሞሓመድ ነቲ ካብ ትካል ልምዓት ማሌዥያ ብብልሽውና ዝተጠፋፍአ መብዛሕትኡ ገንዘብ ክንመልሶ ንኽእል ኢና ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
ብማሃቲር ዝተተክአ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ናጂብ ራዛክ ንስዕረት ካብ ዘሳጥሕዎ ምኽንያታት ሓደ ምስ'ዚ ክቱር ተግባር ብልሽውና ስሙ ክለዓል ምፅንሑ እዩ።
"ዝበዝሐ ክፋል እቲ ገንዘብ ክንመልሶ ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣለና" ኢሉ ዶክተር ማሃቲር።
ኣብ ፖለቲካ ማሊዥያ ዓብዪ ፅልዋ ዘሕደረ ማህቲር ሞሓመድ፡ ድሕሪ 15 ዓመታት እዩ ኣብ መበል 92 ዓመቱ ናብ መዝነት ተመሊሱ ዘሎ።
ማህቲር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እቲ ናይ ግዕዝይና ተግባር ክቃላሕ ምስጀመረ እዩ ካብ ናይ ጡረታ ዓለም ናብ ፖለቲካ ብምምላስ፡ ኣንጻር ናይ ቀደም ብፃዩ ናጂብ ራዛክ ንምውድዳር ናብ ደንበ ተቓውምቲ ዝተፀንበረ።
እዚ ታሪኻዊ ዓወቱ ድማ ነቲ ካብ ግዜ ናጽነት 1957 ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ልፍንታዊ ሰልፊ ባሪሳን ናሲዮናል ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ጌርዎ።
ድሕሪ`ቲ ምርጫ፡ ማህቲር እቲ ልፍንታዊ ሰልፉ ኣብቲ ሃገር "ግዝኣተ-ሕጊ ከስፍን" ኢዩ ኢሉ።
ብመሰረት ወግዓዊ ውጽኢት እቲ ምርጫ፡ ልፍንታዊ ተቓዋሚ ሰልፊ ፓካታን ሃራፓን ናይ ተስፋ ኪዳን ካብ 222 መናብር 113 ክረክብ ከሎ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ልፍንታዊ ሰልፊ ባሪሳን ናሲዮናል ድማ 79 መናብር ረኺቡ።
ማህቲር ኣብ ርእሰ ከተማ ኩዋላ ላምፑር ምዕዋቱ ንህዝቢ ከበስር ከሎ፡ ልፍንታዊ ሰልፉ ``ብውሑድ ድምጺ ወይ ድማ ብውሑድ መናብር ኣይኮነን ተዓዊቱ ብዝለዓለ ድምጺ እምበር`` ኢሉ።
ስነስርዓት ቃለ-መሓላ ድማ ንሓሙስ ክካየድ ተተስፍዩ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ በዓል ክህሉ ከምዝኾነ ድማ ኣብ ቅድሚ ደገፍቱ ግሊጹ። ``ነቶም ተዓወቲ ግና ብዓል ዝብሃል የለን`` ኢሉ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ድማ ነቲ ዓወት ንምጽንባል ናብ ጽርግያ ውሒዞም።
"በዚ ተረኺቡ ዘሎ ለውጢ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርኢ ይስምዓኒ" ኢላ ጓል 48 ዓመት ሱቫ ሴልቫን ምስ ጋዜጠኛ ኤፌፒ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕተት።
"መጻኢ ተስፋና ዝሓሸ ፍትሓዊ፤ ነጻን ዝሰመረን መንግስቲ ምርኣዩ" ኢላ።
ብልሽውናን ቁጠባን
ማህቲር ክሳብ 2003 ካብ ስልጣኑ ዝወርድ፡ ን22 ዓመታት ከም ቀዳማይ ምኒስተርን መራሒ ልፍንታዊ ሰልፊ ባሪሳን ናሲዮፕናለ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ንማሌዥያ ሓንቲ ካብተን ኣብ 1990ታት ኣብ ሀገረን ዓቢ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘርኣያ ብኣናብር ኤስያ ዝፍለጣ ሃገራት ገይርዋ።
እንተኾነ፡ ማህቲር ብመላኺ መራሕን ኣካታዒ ሕግታት ብምጥቃም ድማ ነቶም ተቓውምቱ ብምእሳር ይፍለጥ።
ሓደ ካብቲ ሰባት ዝስክሕሉ ድማ፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኣንዋር ኢብራሂም፡ ኣብ 1998 ቁጠባውን ፖለቲካውን ጽገናታት ኪግበር ምብጥላቡ፡ ካብ ሓልፍነቱ ድሕሪ ምውራድ ብብልሽውናን ግበር-ሶዶምን ብምውንጃል ከምዝእሰር ገይሩ።
ማህቲር፡ ነቲ ካብ 2008 ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ናጂብ ራዝካን፡ ሕጂ ብብልሽውና ዝውንጀል ዘሎ፡ ዝመልመለ ሰብ ኢዩ።
ናጂብ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ብምጥፍፍኡ'ዩ ዝውንጀል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ምርጫ ወንጀል
ኣብ 2016፡ ማህቲር ናታ ዝመርሓ ዝነበረት ሰልፊ - ባሪሳን ናሲዮናል - ብምርሕራህ ምስ ተቓዋሚ ሰልፊ ፓካታን ሃራፓን ከምዝተጸንበረ ገሊጹ። ኣብቲ መግለጺ ዝሃበሉ እዋን፡ ምስ ሓንቲ ብልሽውና ትድግፍ ሰልፊ ምትእስሳሩ ኣዝዩ ከምዝሓፍር ገሊጹ።
ብድሕሪኡ፡ ኣብ ጥሪ ድማ ንመሪሕነት ሃገር ክወዳደር ከምዝኾነ ገሊጹ።
ነቲ ብዛዕባ ዕድሚኡ ዝቐርብ ዝነበረ ርእይቶታት ንምምካት ድማ፡ ንኽልተ ዓመት ጥራይ ከምዘገልግልን ብድሕሪ ብወለንታ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድን ገሊጹ።
ማህቲር ሙሓመድ ናይ ማሌዥያ ኣብ ዓለም ዝሸምግለ መራሒ ክኸውን ኢዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







