ሙጋቤ: ገንዘብ ዝመልአ ቦርሳ ካብ ሮበርት ሙጋቤ ተሰሪቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብ መንበሪ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋቤ ብስርቂ 150 ሽሕ ዶላር ዝሓዘ ቦርሳ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።
እዞም በዚ ስርቂ ተኸሲሶም ዘለዉ ጥርጡራት፡ ነቲ ሰልዲ ኣብ ምግዛእ መኪና፡ ገዛን እንስሳታትን ከም ዘጥፍእዎ'ዩ ዝጥርጠር።
ሓንቲ ካብዞም ጥርጡራት ኮንስታንትያ ሙጋበ ትብሃል ምዃናን፡ ንፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ከምዝኾነትን ብመንግስቲ እትውነን ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ።
እዚ ዝኾነሉ እዛ ውልቀ ሰብ ናይቲ ኣብ ዝቪምባ ዝብሃል ቦታ ዝርከብ መንበሪ ቤት ሙጋቤ መፍትሕ ስለ ዝነበራ እዩ።
እዚ ስርቂ ካብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ መጀመረታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተፈጸም ኮይኑ፡ እቶም ካልኦት ጥርጡራት'ውን ኣብ እዋን ስርቂ ዝተፈጸመሉ ከም ኣጽረይቲ እቲ ገዛ ኮይኖም እዮም ዝሰርሑ ነይሮም።
"ጆሃን ማፑቲሳ ቶዮታን ካምሪን ዋጋ 20 ሽሕ ዶላር ገዛ ክገዝእ ክኢሉ'ዩ" ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ተቨታራሸ ዚንያማባ ናብ ቤት ፍርዲ ክሱ ኣቕሪቡ።
ካልእ ጥርጡር'ውን ብዝሑ ብዘይተፈለጠ ገንዘብ ሆንዳ መኪናን ሓሳማታት ዝርከበኦም እንስሳ ከም ዝዓደገ እዚ ዓቓቢ ሕጊ ይዛረብ።
ንዝሓለፈ 37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 94 ዓመት ሮበርት ሙጋቤ ኣብ 2017 እዩ ብወተሃደራት ዚምባብዌ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







