ፕረዚደንት ዙምባብዌ ናንጋግዋ፡ ወሰንቲ ቦታታት ካቢኔ ንወተሃደራት ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓድሽ ፕረዚደንት ዙምባብዌ ኢመርሰን ናንጋግዋ ኣብ ዝመስረቶ ካቢነ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ሰይሙ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ቀሪቡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ስልጣን ከምዝተቖጻጸረ ዝኣወጀ ጀነራል ሲቡሲሶ ሞያ፡ ሓድሽ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ።
ሓላፊ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ፔሬንስ ሺሪ ድማ ምኒስተር ሕርሻን ጉዳያት መሬትን ኾይኑ።
ናንጋግዋ፡ እቲ ነ37 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድሕሪ ምስምምዕዓኡ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቅነ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ።
ናንጋግዋ ንብዙሓት ኣባላት ካቢኔ ሙጋቤ ነበር ዓቂቡዎም ኣሎ፡ ይኹን እምበር ንሓያሎ ዝሓገዙዎ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ግን ሓድሽ ስልጣን ሂቡ ኣሎ።
ብዘይካ ሚስተር ሞዮን ሺሪን ካልኦት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ጸቕጢ ዝገበሩ ካብ ማሕበር ሓርበኛታት ኩናት ብሓለፍነት ሸይሙ ኣሎ።
ነቲ ጉጅለ ዝመርሕ ዝነበረ ክሪስ ሙትስቫንግዋ ድማ፡ ሚኒስትር ሓበሬታ ኾይኑ ኣሎ።
ቴንዳይ ቢቲ ዝተብሃለ ገምጋሚ መንግስቲ፡ እዚ ሓድሽ ምድልዳል ካቢኔ ምስተኻየደ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ለዉጢ ክመጽእ ተስፋ ምግባሮም "ልክዕ" ኣይነበረን ክብል ይነቅፍ።
ፔሬንስ ሺሪ፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ዝተኻየደ ኣስታት 20 ሽሕ ንጹሃት ሲቪል ዜጋታት ዘህለቐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተቓወምቲ ኣንጻር ሙጋበ ርኡይ ተራ ዝነበሮ'ዩ።
ንዓሰርታት ዓመታት ኣካል ምሁራት ዝምባብዌ ኾይኑ ዝመጽአ ምናንጋግዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዙምባብዌ ወጺኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ክምልስ እንከሎ ግን ናይ ጀግና ኣቀባብላ'ዩ ተገይርሉ።
ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወተሃደራት ሒዙ ስልጣን ክምንዝዕ ይደሊ ነይሩ'ዩ ዝብል ኽሲ ገጢሙዎ'ዩ።
14 ሕዳር ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንከተማ ሃራሬ ብምቁጽጻር፡ ንሙጋበ እሱር ገዛ ገይሩዎ።
ይኹን እምበር እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ እቲ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ ሙጋበ ተጸጊዖም ንዘለዉ ገበነኛታት ንምቁጽጻር ዝዓለመ'ዩ ክብል ገሊጹዎ'ዩ።
እቲ ወተሃደራዊ ምትእትታው፡ ንፕረዚደንት ሙጋበ ንምትካእ ኣብ ሞንጎ ግሬስ ሙጋበን ምኽትሎም ምናንጋግዋን ብዘጋጠመ ውድድር ስዒቡ ዝመጸ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







