እታ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ዘይተለኸፈት ንእሽቶ ሃገር፡ ካብቲ ሕማም ክተምልጥ ዶ ትኸውን?

መሕጸቢ ኢድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብመሬት ካብ ዝተኸበባ ሃገራት፡ ክሳብ ቀረባ ግዜ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ዘይረኸበት ማላዊ ጥራይ እያ ነይራ

ክሳብ 12 ጥሪ (ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን) ካብ ቻይና ወጻኢ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ 13 ጥሪ ግን፡ እቲ ሕማም ዓለምለኻዊ ክኸውን ጀሚሩ።

ንመጀመርታ ግዜ ካብ ቻይና ወጻኢ፡ ኣብ ታይላንድ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ። ካብኡ ድማ፡ ኣብ ጃፓን ስዒቡ ድማ ኣብ ደቡብ ኮርያን፡ ከምኡ እናበለ ናብ ሃገረ ኣመሪካ ኣትዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ዓለም እንተርኢና፡ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣጥቂዑ። ከም ጠብጠብታ ጀሚሩ፡ ከም ውሕጅ ይህንደድ ኣሎ።

እቲ ለበዳ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ፡ ቁጽሪ ግዳያት'ውን ከክብ እናበለ፡ ሆስፒታላት'ውን በበበዝሒ ሕሙማት ተጨናኒቐን ይርከባ።

ንምዃኑ፡ ዛጊድ ካብዚ ቫይረስ ነጻ ዝኾነት ዓዲ ኣላዶ?

እቲ መልሲ ብዝገርም ኩነታት 'እወ' እዩ።

ፈተነ ሚሳይላት ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ በቲ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ከምዘይብላ እያ ትገልጽ፡ ፈተነ ሚሳይላት ከኣ ተካይድ ኣላ

ኣብ ዓለም ኣባል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኾና፡ 193 ሃገራት ኣለዋ።

ቢቢሲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝረኸቦ መረዳእታ ከምዘርእዮ ድማ፡ 18 ሃገራት ብኮቪድ-19 ከምዘይተለኸፋ ይገልጻ።

Presentational grey line

ኮቪድ-19ከምዘይተለኸፋ ገልጻ ሃገራት

ኮሞሮስ፣ ክሪባቲ፣ ሌሶቶ፣ ማርሻል ኣይላንድስ፣ ሚክሮኒዥያ፣ ናውሩ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ፓላዉ፣ ሳሞዋ፣ ሳኦ ቶሜን ፕሪንስፔን፣ ሶሎሞነ ኣይላንድስ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ታጂኪስታን፣ ቶንጋ፣ ተርከምኒስታን፣ ቱቫሉ፣ ቫንዋቱ፣ የመን

Presentational grey line

ብርግጽ፡ ገለ ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ ገሊአን ሃገራት፡ ኣየፍለጣን ኮይነን ይኾና 'ምበር ናጻ ኣይኮናን። ከም ኣብነት ድማ፤ ሰሜን ኮርያ ትጥቀስ። እታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ የመን'ውን ከምኡ።

ይኹን'ምበር፡ ዛጊድ እቲ ቫይረስ ዘይተንከፈን ሃገራት ኣለዋ እየን። መብዛሕተአን ከኣ፡ ናይ ዓለምና ኣናእሽቱ ደሴታት ኮይነን ብዙሕ በጻሒ ውን የብለንን።

ካብ መንጎአን ድማ፡ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ሰብ ዑደት ዝገብረለን 10 ደሴታት ይርከበአን። እዚ ዘይተበጻሕነት፡ ነተን ሃገራት ዝጠቐመን ይመስል።

ኣብዚ ኣብ እዋን ለበዳ ዝተኣወጀ 'ማሕበራዊ ምርሕሓቕ' ብግሁድ ዝተተግበረለን ዓድታት እየን። ኣብ እዋን ጸጸግዕኻ ምሓዝ፤ ጸግዐን ሒዘን ከም 'ቀደምኩም ከይትመጽኡና ኣይንመጸኩምን' ኢለን ዓርሰን ዝነጸላ ይመስላ።

እንተኾነ፡ ሓደ ፕረዚደንት ናይዘን ዓድታት፡ በቲ ዓለማዊ ኩነታት ኣይቀሰነን። ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ሕማም ሕዚ'ውን ንሃገሩ፡ ሃገራዊ ሓደጋ እዩ።

ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት ናውሩ፡ ዳርጋ ካብ ብዙሓት ካልኦት ከባብታት ኣስታት 300 ኪሎሜትሮ ርሒቓ እያ ትርከብ። ባናባ ዝተብሃለት ደሴት፡ ንዓኣ እታ ዝቐረበት ደሴት እያ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት እታ ካልኣይቲ-ዝነኣሰት ደሴት ዓለምና ኢሉ እዩ መዝጊቡዋ። እታ ዝነኣሰት ከኣ፡ ሞናኮ እያ ትበሃል።

10 ሽሕ ህዝቢ ጥራሕ ይነብረላ። ቱቫሉ ካብ ዝተብሃለት ደሴት ቀጺላ እቲ ዝወሓደ ቁጽሪ ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር እያ።

ኣብ ዓለም ድማ እቲ ዝወሓደ ቁጽሪ ገያሾ ዝተመዝገበላ እያ። ኣብ ዓመት፡ 160 ሰባት ጥራሕ ይገሹላ።

ከምዚ ካብ ዓለም ዝተገለለት ዓዲ፡ ካሊእ ምዕጻው ዘድልያ ዘይክመስለና ይኽእል እዩ።

ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሆስፒታል እያ ዘላ። ናይ ምትንፋስ መሳርሒ ማሽን የብላን። ሓካይማ ውን ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ እዮም፡ እቲ ሓደጋ ኣየስግኣን ምባል ከቢድ እዩ።

ኣብ መጋቢት 2፡ ካብ ቻይና ናብዛ ደሴት ዝግበር ዝኾነ ጉዕዞ ተኸልኪሉ፡ ኣብ ማእኸል ወርሒ መጋቢት ድማ፡ ናይታ ዓዲ መገዲ ኣየር ብዙሕ በረራታት ኣቋሪጹ።

ቅድም ኢሎም ካብ ኣውስትራልያ መጺኦም ዝነበሩ ኣጋይሽ'ውን ተወሺቦም ክቕንዩ ተገይሮም።

ኣውስትራልያ ኣብታ ዓዲ ስደተኛታት ተተኣናግደሉ ቢሮ ስለዘለዋ፡ ዝኾነ ስደተኛ እንተተረኺቡ፡ እንተወሓደ ንኽልተ ሰሙን ክውሸብ ተወሲኑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ናዉሩ ሊኦነል ኣይኒጊሚያ "ኩሉ ነገር ኣብ ዶብን ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ኢና ንውግኖ ዘለና" ኢሉ።

ናዉሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ዝተወሸቡ በብመዓልቱ እዩ ክትትል ዝግበረሎም። ዝኾነ ረስኒ ገለ እንተተራእዩዎም፡ ደሞም ንምርመራ ናብ ኣውስትራልያ እዩ ዝለኣኽ። ዛጊድ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ የለን።

ኣብዚ ክፉእ እዋን፡ ዜጋታቱ ኣብ ጸጥ ዝበለን ዝተረጋገዐን ኩነታት ከምዝርከቡ እዩ ዝዛረብ።

ነተን ሓገዝ ዝገብራሉ ሃገራት፡ ብፍላይ ኣውስትራልያን ታይዋንን ብዓብዩ የመስግን። ካብኡ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱ፡ ንፈጣሪኡ የመስግን።

ናውሩ፡ ዛጊድ ካብቲ ቫይረስ ነጻ እንተኾነት'ኳ በቲ ንዓለም ኣብ ራዕዲ ኣእትዩዋ ዘሎ ሕማም ምጭናቑ ኣይተረፎን።

"ካርታ ዓለም ብዝረአና ቁጽሪ፡ ቀይሕ ነጠብጣብ እናወረሮ ይኸይድ ኣሎ። ዓለም ብምልእታ ንፍዮ ዝኣተዋ እያ ትመስል" ኢሉ።

"ህዝብና ድማ ንባዕሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ሕማቕ እዋን፡ ንህዝቢ ዓለም ጸሎት የይገብር ኣሎ" ኢሉ። ናይ ሓደጋ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጃ ዘላ ግን ናውሩ ጥራሕ ኣይኮነትን። ኪሪቢቲ፣ ቶንጋ፣ ቫንዋቱ ዝበሃላ ካልኦት ኣናእሸቱ ሃገራት [ደሴታት] እውን ነዚ ሕማም ሃገራዊ ሓደጋ ኢለን ኣዊጀን እየን።

ብመሬት ካብ ዝተኸበባ ሃገራት፡ ክሳብ ቀረባ ግዜ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ዘይረኸበት ማላዊ ጥራይ እያ ነይራ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንፈለማ እዋን በቲ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ ኣላ።

እዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ቀዲማ'ውን ብለበዳ ኤችኣይቪ ኤድስ የመና ዝተጠቕዐት ሃገር እያ። እንተኾነ፡ እዛ 18 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር "ነቲ ለበዳ ቀዲመ ተዳልየሉ እየ" እያ ትብል።

ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽያ፡ ዝኾነ በረራታት ሰሪዛን ከልኪላን ኣላ። ብዙሕ ምርመራ'ውን ተካይድ ኣላ።

ካብ ሊቨርፑል [እንግሊዝ] ማእኸል ሕክምና ሕማማት ትሮፒካል መጺኡ ኣብዚ ሃገር እናሰርሐ ዝርከብ ዶክተር ፒተር ማክፌርሶን፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብታ ሃገር ብዝተዓዘቦ ሙሉእ ምድላው፡ ማላዊ ነቲ ለበዳ ክትምክቶ ከኽእላ እዩ በሃሊ እዩ።

ከምዝመስለኒ ግን ይብል ዶክተር ፒተር፡ "ኮሮናቫይረስ ዘይበጽሖን ዘይትንክፎን ሃገር ኣይክህሉን እዩ" ይብል።

ስለዚ፡ እታ ብመሬት ዝተኸበት ናይ መወዳእታ ሃገር ማላዊ ኮሮና ካብ ኣተዋ፡ ኣበይ እዩ ዘይክበጽሕ ዝኽእል?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምቶን፡ ተመራማሪ ሕማማት ፕሮፌሰር ኣንዲ ታተም፡ "ምናልባሽ እዚ ለበዳ፡ ነተን ኣብ ደቡባዊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ርሑቕ ደሴታት ዘይከርክበለን ይኽእል እዩ" ዝብል ግምት ኣለዎ።

እንተኾነ እቲ ሕዚ ዘሎ፡ ዝተኣሳሰረ ቁጠባዊ ኩነታት እንትትርኢ፡ ካብዚ ተላባዲ ሕማም ከምልጥ እዩ ኢልካ ኣፍካ መሊእኻ ክትዛረበሉ እትኽእል ዓዲ ኣይህሉን በሃላይ እዩ።

"ከም ናውሩ ዝኣመሰላ ደሴታት፡ ንዓርሰን ኣግሊለን ክጸንሓ ይኾና፡ ግን ከኣ እቲ ሕቶ ክሳብ መዓዝ ዝብል እዩ?" ክብል ይጠራጠር።

ብዘይካ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝረኽበኦን ንሰን ዝልእኸኦን ሸቐጣት ብኸመይ እየን ክነብራ - ኢሉ ሕቶኡ ይቕጽል። "ከምኡ ዓጺና ክንቅጽል ኢና እንተኢለን ድማ፤ ብጥሜት ክጥቅዓ እየን" ኢሉ ስግኣቱ ይገልጽ።

ኮሮና
ኮሮና