ምርጫ 2013፡ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓሙሽተ ነጥብታት

ምርጫ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MUSTAFA FERHAT BEKSEN

ኣብ 2007 ዓመተ ምሕረት ኣብ ዝተኻየደ 5ይ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኢህወደግ፡ ንብምሉኡ መናብር ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ስዒረ ምስ በለ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባበታት ኢትዮጵያ ህዝባዊ ናዕቢ ተጀሚሩ።

እቲ ናዕቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጓሃረ፡ ብውሽጥን ግዳምን ተጽዕኖ ምስ በዝሐ፡ ኣቦ መንበር ኢህወደግን ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገርን ሃይለማርያም ደሳለኝ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ለቒቑ።

ኣብ መጋቢት 18/ 2010 ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቦ መንበር እቲ ልፍንትን ቀዳማይ ምኒስተር ኮይኑ ምስተመርጸን ከኣ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናዕብን ኣብ ኢህወደግ ዝነበረ ምክፍፋልን ክፍወስ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ መንግስቲ ምስ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ዝነበሮ ዝምድና ከምዘመሓይሽን ድልዱል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስፋን ክሰርሕ ምዃኑን ሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ኣኼባ ቤት ምኽሪ፡ "ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣካይዳና ክቕየር ኣለዎ፡ ሰላምን ደሞክራስን ናፊቕና፡ ክብል ብውሽጥን ግዳምን ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ መሰረት ህልውናና ዝኾነ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ከም ቀንዲ መምዘኒ ተወሲዱ ኣሎ" ብማለት ነቲ ጠለብ ንምትግባር ምምሕዳሩ ብዝለዓለ ትግሃት ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።

ስለዚ፡ ኣብዚ ድሕሪ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ እንታይ ዝተፈልየ ነገር ክህሉ እዩ?

ብርቱካን ሚደቅሳ

"መንግስቲ፡ ነቶም ናብኡ ቅርበት ዘለዎም ሰባት'ዩ፡ ኣብ ኣመራርሓ ምርጫ ቦርድ ከምዝምረጹ ዝገብር ንዝብል ክሲ ኣብ ግምት ብምእታው" ኣብ ደምበ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ፍሉጥ ስም ንዘለዋ ብርቱካን ሚደቅሳ ከም ሕጽይቲ ምቕራቡ ሓቢሩ።

እታ "ምርጫ ቦርድ ፍትሓዊ ኣይኮነን" ብማለት ክሲ ዝመስረተት ናይ ቅድም ዳኛን ፖለቲከኛን ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ሕጂ ሓላፊት ምርጫ ቦርድ ኮይና 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ንምስልሳል ኣብ ምድላው ትርከብ።

ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ እያ ብርቱካን ሚደቅሳ ብስደት ካብ ክትነብረሉ ዝነበረት ሰሜን አሜሪካ ሓላፊት ንኽትከውን ጠቕሊላ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ።

ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ብርቱካን ሰለስተ ሓለፍቲ ነይሮምዎ። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ጸደቐ፡ ከማል በድሪ ከም ፈላሚ ኣካቢ ቦርድ ካብ 1986 ክሳብ 1997 ዓ.ም ኣገልጊሉ። ብድሕሪኡ መርጋ በቃና ካብ 1999 ክሳብ 2009 ዓ.ም፤ ከምኡ እውን ሳሚያ ዘካሪያ ካብ 2010 ክሳብ 2011 ንቦርዲ ምርጫ መሪሖምዎ።

ብርቱካን ካብ ካልኦት ብምንታይ ትፍለ?

ብርቱካን ኣብ 1997 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ሃገረዊ ምርጫ ንሰልፊ ቅንጅት ወኪላ ተወዳዲራ።

ድሕሪ እቲ ምርጫ መንግስቲ ምስ ዝኣሰሮም ገለ ሓለፍትን ኣባላትን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ንዓመታት ተኣሲራ። ሕጂ ኣብዚ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ከኣ ነቲ ምርጫ ዘሰላስል ሃገራዊ ትካል ትመርሕ ኣላ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ "እዛ ሎሚ ዘቕርባ ሕጽይቲ፡ መንግስቲ ምስ ዝጋገ እውን እንተኾነ ዕሸሽ ዘይትብል፡ ኣብ ሕግን ስርዓትን ጽኑዕ እምነት ዘለዋ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዋጋ እውን ከምእትኸፍል ብግብሪ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘረጋገጸት ሰብ እያ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ብርቱካን ናብ ሓላፍነት ምስ መጽአት፡ ናይ ምርጫ ቦርድ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ቅርጺ ተቐይሩ እዩ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ትሽዓተ ኣባላት ዝነበሩዎ ቦርድ፡ በዚ ሓዲሽ ናይ ምርጫ ቦርድ መቖሚ ኣዋጅ፡ ኣባላቱ፡ ናብ ሓሙሽተ ጎዲሎም።

እቲ ኢትዮጵያ ምርጫ እተመሓድረሉ ዝነበረት ሰለስተ ሕግታት ከኣ ገለ ምምሕያሽ ተገይርሉ ናብ ሓደ ሕጊ ተጾሚቚ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ቦርድ ቅድሚ ሕጂ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ሓደ ሓደ መተገባበሪ እውን ካብ ዝቐያይር ጸኒሑ ኣሎ።

ብርቱካን ኣብ 1996 ዳኛ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዝነበራ ጽኑዕ መርገጽ ካብ ዝዝከሩ ሰባት እያ። ብስደት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝጸንሓትሉ ዓመታት ብዝረኸበቶ ተወሳኺ ትምህርትን፡ ምስ ዲሞክራሲ ብዝተኣሳሰር ዘዋህለለቶ ተመኩሮን፡ ነዚ ዝመጽእ ምርጫ ዘሳልጥ ቦርድ ምምርሓ ልዑል ተራ ክህልዋ'ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

ኣብ ሕገ-መንግስትን ጉዳያት ምርጫ መጽናዕቲ ዘካየደ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ኣደም ካሴ፡ ብቕዓት ኣካቢ/መራሕ ቦርድ ኣብ ድልዳለ እቲ ቦርድ ኣወንታዊ ተራ እኳ እንተለዎ፡ ብዝያዳ ግን ካብ ተራ ውልቀ ሰብ ንላዕሊ ናይ ኣባላት ቦርድ ዘይሻርነታውን ናይቲ ትካል ድልዳለን እዩ ወሳኒ ይብል። ናጻ ዝኾነ ምርጫ ንምክያድ ምርጫ ቦርድ ወሳኒ ዳኛ እኳ እንተኾነ፡ ብዘይ ናይ መንግስቲ ምትሕብባር ግን ውጽኢታዊ ምርጫ ምክያድ ከምዘይከኣል ይገልጽ።

ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፡ ምርጫ ቦርድ፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ [ብልጽግና] ንመንግስታዊ መዋቕር ተጠቒሙ ካብ ዘውርደልና ዘሎ በደል ክከላኸለልና ኣይከኣለን፡ ኢሎም ብተደጋጋሚ ክጠርዑ ጸኒሖም እዮም።

ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ፣ ግንባር ነጻነት ኦሮሞን ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ዝበሃሉ ሰልፍታት ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ክንሳተፈሉ ኣብ እንኽእል ቁመና የለናን ክብሉ ጸኒሖም ኣለው።

ኦፌኮን ኦነግን፡ አባላትና ክእሰሩን ኣብያተ ጽሕፈትና ክዕጸውን እንከለው ምርጫ ቦርድ ብስቕታ እዩ ሓሊፉዎ ክብሉ ብተደጋጋሚ ተዛሪቦም እዮም።

"ምርጫ ቦርድ ቆመንኡ ኣብ ምትዕርራይን ዓቕሙ ኣብ ምጉልባትን ተጸሚዱ ብምጽንሑ ንመሰላት ተወዳደርቲ ሰልፍታት ኣብ ምክልኻል ሃጓፋት ክነብር ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ከምኡ እውን እንተኾነ እቲ ናብቲ ቦርድ ዝቐርብ ብመርትዖ ዝተደገፈ ኣቤተቱ እዩ ዝውስኖ" ክብል ኪኢላ ሕገ መንግስቲ ኣቶ ኣደም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ከም ኣብነት እቲ ቦርድ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዝያት እቲ ገዛኢ ሰልፊ "ስም ኣጥፊኡ" ዝብል ክሲ ምስቀረበሉ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ ከም ኣብነት የቕርብ። ይኹን አምበር ምርጫ እናቐረበን ፖለቲካዊ ሙቐት እናወሰኸን ምስ መጽአን ከምኡ ዝኣመሰሉ ወቐሳታት ስለዝውስኹ እቲ ቦርድ ክፍተን እዩ ክብል የረድእ።

ምርጫ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

"አሸበርቲ" ተባሂሎም ዝነበሩ ሰልፍታት ዝሳተፍሉ እዩ

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምርጫታት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብረት ዓጢቖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ፓርቲታት ኣብዚ ናይ ለብዘበን ምርጫ ንስልጣን ምውድዳሮም እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ብወከልቲ ህዝቢ፡ ኣብ ፓርላማ 'አሸበርቲ' ተባሂሎም ዝተሰየሙ ሰልፍታት፡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፣ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን ከምኡ እውን እዚ ሕጂ ምስ ኢዜማ ዝተጠርነፈ ሓርበኛታት ግንቦት 7 ዝርከቦም ናብ ሃገር ተመሊሶም ንምርጫ ይዳለው ኣለው።

እቲ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ምርጫ ተሳቲፉ ኣብ ክልሉ ዝሰዓረ ብሄራዊ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ንምስታፍ ሕጹያት ይቕርብ ኣሎ።

እቲ ግንባር ብ01 ለካቲት 2011 ዓ.ም፡ 1740 ዕጡቓት ኣባላቱ ዕጥቂ ኣፍቲሑ፡ ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ዝርከብ ሲቪላዊ ትካላትን ጸጥታዊ መሓውርን ከምዝኣትውኡ ብምግበር ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ተሰማሚዑ'ዩ ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ውድድር ዝኣቱ ዘሎ።

መራሕቲ እቲ ሰልፊ ዋላ'ኳ ምስቲ ክልላዊ መንግስቲ ሓደ ሓደ ዘይምርድዳእ እንተለዎም ካብቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ኣባላቶም ተመሊሱ ብረት ዝዓጠቐ ከምዘየለ ንቢቢሲ ገሊጾም።

መራሒ እቲ ሰልፊ አብዲራሂም መሃዲ፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ እንከለው ዝተገብረሎም መብጽዓ እኳ እንተዘይተማልአ ሰልፎም ገና ተስፋ ከምዘይቆረጸን ኣብቲ ክልል ንዘሎ ሰላም ከም ዓወት ከምዝቖጽሮን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ድሕሪ ሕጂ ህዝብና ናብ ኵናት ክኣቱ ኣይንደልዮን ኢና። ስለዝኾነ ከኣ ኢና ፍልልያትና ናብ ግጭት ከየምርሕ ተራና ንጻወት ዘሎና። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ደሞክራሲያዊ ንኪኸውን ምርጫ ቦርድን ፌደራል መንግስትን እንታይ ከምዝገብሩ ክንፈልጥ እኳ እንተዘይከኣልና መንግስቲ ክልልና፡ ናብ ሃገር ካብ ዝኣተናሉ እዋን ኣትሒዙ ዝገብረልና ዘሎ ተጽዕኖ ግን ዘተሓሳስብ እዩ" ኢሉ አብዲራሒም።

ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ናብ ሃገር ዝኣተወ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኦነግ እውን ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዕላማታተይ ብሰላማዊ መገዲ ንምዕዋት ይንቀሳቐስ ኣለኹ ይብል።

ብውህደት ሽዱሽተ ሰልፍታት ዝቖመ ኢዜማ፣ ልዕሊ 400 ቤት ጽሕፈት ወረዳታት ከፊቱ ንዝመጽእ ምርጫ ይቀራረብ ኣሎ። ምስቲ ሰልፊ'ቲ ከኣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ እየ ዝሰርሕ ዝብል ዜግነታዊ ፖለቲካ ዝኽተል፡ ብረት ዓጢቑ ዝቃለስ ዝነበረ ብግንቦት ሸውዓተ ዝፍለጥ ዝነበረ ውዳበ ኣሎ።

ኪኢላ ሕገ-መንግስትን ጉዳያት ምርጫን ኣደም ካሴ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ዓፈና መብዛሕቱ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ውዳበታት ኣብ ግዳም እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ኩሉ ናብ ሃገር ዝተመልሰ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ተስፋን ብደሆን ሒዙ ብምእታው ጸቕጥን ጭንቅን ኣሎ ኢሉ።

"ገሊኦም በደልን ምክልባትን ይበጽሓና ኣሎ ይብሉ። ገሊኦም ብናጽነት ክንንቀሳቐስ ኣይከኣልናን ይብሉ፡ ገሊኦም ተኣሲሮም ኣለው። ብፍላይ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት፡ እቲ ዝኣተውሉ እዋን ዝነበረ ተስፋን እቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ዝተፈልየ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ተስፋ ተጸንቂቑ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣብ ዝህሉን ዝፍጠርን ምምሕያሽ ዝምስረት እዩ" ክብል የረድእ።

እቲ ምርጫ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ተኣሲሮም እንከለው ብዛዕባ ምክያዱ

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድሕሪ ሳልሳይ ሃገራዊ ምርጫ፡ መራሕቲ ተቓውሞ ውድባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለው ምርጫ ምክያድ ሕጂ ንመጀመርትኡ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ካብቲ ኣብ 2002 ንን 2007 ዝተኻየዱ ምርጫታት ዝሐሸ ክኸውን እዩ ዘብል ግምት ኣለዎ፡ ኣደም። እንተኾነ እቲ መለክዕን መምዘንን፡ እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ሕግታትን ዝሓቶ መምዘኒ ከምዝማልኡ ምግባር እዩ። ካብኡ ተረፈ ግን ሕጂ እውን ብዙሕ ጉድለታት ኣሎ ክብል ከኣ ይምልእ።

ኣብዚ እዋን ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ኦነግ፡ ኤፌኮን ባልደራስ ንሓቀኛ ደሞክራሲን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ዝርከቦም 103 ኣብያተ ጽሕፈቱ ከምእተዓጽው፡ ኣብ ወረዳታት 989 አባላቱ፡ 145 ማእከሎትን 32 ላዕለዎት ሓለፍቱን ከምዝተኣስሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦፌኮ፡ ኣቶ ጥሩነህ፡ ዝለዓሉ ናይቲ ፓርቲ ሓለፍቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ብምዝካር "ሕጂ ኣብ ምርጫ ኣይንሳተፍን ኢና ኣይንብልን ኢና። እንተኾነ ግን ኣብ ምርጫ ክንሳተፍ ዘኽእለና ኩነታት የለናን" ይብል።

ብተመሳሳሊ ሓላፊ ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ደሞክረሲያዊ ፓርቲ ኣቶ ገለታው ዘለቀ፡ ኣብቲ ግንቦት 28 ዝካየድ ምርጫ፡ "ኣብ ምርጫ ኣይንሳተፍን ኢና ዝብል እምነት የብልናን። ግን ከኣ ሕጂ ዘሎናዮ ሃዋህው የተሓሳስበና እዩ" ክብል ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር ነበር ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ (ኣብን) ደሳለኝ ጫኔ፡ ካብ ሰልፎም ዝተኣስረ ኣባል ኮነ ኣመራርሓ እኳ እንተዘይብሎም፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣስታት 20 ዝኸውን ኣብያተ ጽሕፈቶም ከምዝተዓጽወ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

አቶ ደሳለኝ ውድቦም ኣብ ክልል ኦሮምያ ሕጹያት ከምዘቕርብ፡ እንተኾነ ከመይ ገይሩ ጎስጓስን ካልእ ተግባራት ከምዘካይድ ከምዘተሓሳስቦ ይዛረብ።

ሓደ ሓደ መራሕቲ ፖለቲካ ነዛ ስሩዕ ኣኼባ እኳ ክገብሩ ኣብ ዘይፍቀደሎም ደረጃ ከምዝበጽሑ ዝሓበረ አደም፡ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ግን ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንዝሓቶ ቅጥዕታት እውን ከየማልአ ሰልፍታት ከካይድ ምርኣይ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ሓለፋ ዝህብ ስርዓት ከምዘሎ መርኣያ እዩ ክብል የብርህ።

"መንግስቲ ሕጂ እውን እንተኾነ ነቲ ናይ ፖለቲካ ሽግር ከም ናይ ጸጥታ ሽግር ኣምሲልካ ናይ ምርኣይ መመኽነይታ ስለዘሎ፡ ብፍላይ ምርጫ እናቐረበን ሙቐት ፖለቲካዊ ውድድር እናወሰኸ ምስከደን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፍታት ተጽዕኖ ክውስኽ ይኽእል እዩ" ክብል የረድእ እቲ በዓል ሞያ ሕገ መንግስትን ምርጫን። እቲ ኩነታት ብኸምኡ እንተቐጺሉ ከኣ ውድድር ዘየፍቅድ ምርጫ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ የቐምጥ።

ንህወሓት ዘየሳትፍ ምርጫ

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ሃገራዊ ምርጫ ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብዙሕ ወቐሳ ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተገለለ ግን ንባዕሉ ወቐሳ የቕርብ ነይሩ።

ምስ ምምጻእ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ክናዋሕ ምስተወሰነ፡ ህወሓት ንበይኑ ምርጫ ኣካይዱ ተዓዊቱ ከኣ። እንተኾነ፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ዝርዝር ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተሰሪዙ እዩ።

ነባር መራሕቲ እቲ ሰልፊ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዝተኸስተ ኵናት ገሊኦም ሞይቶም ገሊኦም ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክህልው እንከለው፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ በረኻታት ትግራይ ብረታዊ ቃልሲ የካይዱ ኣለው።

ስለዝኾነ እዚ ሕጂ ዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ፡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝጸድቕ ህወሓት ከም ሰልፊ ተሰሪዙ ዝካየድ ዘሎ ፈላሚ ሃገራዊ ምርጫ ክኸውን እዩ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ጎንጺ ደንጒዩ ከምዝካየድ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣቶ ኣደም፡ ህወሓት ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዝወዳደር ፓርቲ ምስ ምዃኑ፡ ናይቲ ሰልፊ ዘይምህላው ምስቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ ርክብ እኳ እንተዘይብሉ፡ ኣብ መስርሕ ዝኽሰት ውጽኢት ምህላው ግን ኣይተርፍን እዩ ይብል።

ከም ኣገላልጻ ኣቶ ኣደም፡ 'እቲ ፓርቲ ከም ሓደ ነባር ሰልፊ ዘማዕበሎ ልምድን ዝነበሮ ዓቕምን ሃብትን ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ብምጥፍኡ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት ክህልዎ እዩ። እቶም ብህወሓት ዝድገፉ ፓርቲታት ሕጂ ነቲ ደገፍ ክረኽቡዎ ስለዘይክእሉ ናይቲ ሰልፊ ዘይምህላው ኣብ ካልኦት ፓርቲታት እውን ጽልዋ ከምዝህልዎ' የረድእ።