ቅልውላው ትግራይ፡ 'ወተሃደር ክዕምጸኒ ምስ ፈተነ፤ የማነይቲ ኢደይ ስኢነ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ተማሃሪት፡ ንሓደ ክዕምጻ ዝፈተነ ወተሃደር ስለዝተቓወመቶ ብዝተኮሰላ ጠያይት የማነይቲ ኢዳ ከምዝሰኣነትን፡ ንኣቦሓጎኣ ምስ ጓልካ ጾታዊ ርክብ ፈጽም ኢሉ ከገድዶ ፈቲኑ እምቢ ብማለት ምስተቓለሶ ብጥይት ከምዝሃረሞን ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።
እታ ምእንቲ ድሕነታ ስማ ዘይንጽውዓ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ፡ ብዘጋጠማ ኢሰብኣዊ ዓመጽ፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል ክትሕከም ጸኒሓ ኣላ።
ሰራዊት ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዓስኪሩ ንዝነበረ ሰሜን እዝ ድሕሪ ምጥቀዖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020፡ ሰራዊት ፌደራል ንመሪሕነት ህወሓትን ሰራዊቶምን ንምእላይ ኵናት ምስ ኣዘዘን ሕልማን ሕልሚ ብዙሓት መማህርታን ከምዝጸልመተ ሓቢራ።
ተዓዋቲ ናይ ኖቬል ሽልማት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ29 ሕዳር ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ብሓይልታት ፌደራል ምስ ተታሕዘት እቲ ኵናት ከምዝተወደአ እኳ እንተገለጸ፡ መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ከተማ ናብ ኣኽራናት ትግራይ እዮም ኣንሳሒቦም።
እንተኾነ፡ ሓይልታት ጸጥታ ፌደራል፡ ነቶም ኢዶም ምሃብ ዝኣበዩ ኣባላት ህወሓት ንምህዳን መጥቃዕቲ ይቕጽሉ ስለዘለው፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ትግራይ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ኣሎ ንዝብል ክሲ ሰበስልጣን ፈደራል ይነጽጉዎ።
እታ ግፍዒ ዘጋጠማ መንእሰይ ተማሃሪት፡ ካብ ከተማ መቐለ ንሸነኽ ምዕራብ ኣስታት 96 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ ዝርከብ ትርከብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ምስ ኣቦሓጉኣ እያ ትነብር።
እንተኾነ እቲ ኵናት ምስ ጻዕጸዐ ብዙሕ ሰብ ናብ በረኻታት እኳ እንተሃደመ፡ ኣባሓጎኣን ነዊሕ ርሕቀት ክኸይድ ስለዘይክእል ምስኡ ኣብ ገዛ ክጸንሑ ተገዲዶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ03 ታሕሳስ፡ እታ ጐርዞ ምስ ኣቦሓጉኣ ኣብ ገዛ እንከላ፡ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድነ ወተሃደር ተዋጋእቲ ትግራይ ከይህልው ክፈታትሽ ናብ ቤቶም ከም ዝኣተወ ትሕብር።
ኣብቲ ገዛ ፈታቲሹ ምስ ሰኣነ፡ ንሳን ኣቦሓጎኣን ኣብ ዓራት ክድቅሱን ጾታዎ ርክብ ክገብሩን ብምእዛዝ ንኸፈራርሖም ኣብ ዙርያኦም ተኰሰ ።
"እንተኾነ ኣቦሓጎይ ኣዝዩ ተቘጢዑ፡ እምቢ ስለዝበሎ፡ ክልቲኦም ክቃለሱ ጀሚሮም" ትብል ።
ካብኡ እቲ ወተሃደር ነቲ ንኣቦሓጎኣ ናብ ግዳም ኣውጺኡ፡ ኣብ መንኵቡን ኣብ ሰለፉን ብጥይት ወጊኡ ኣውዲቑዎ። ንገዛ ተመሊሱ ነቲ ሽማግለ ከም ዝቐተሎ ነጊሩዋ።
''ሕጂ ዘናግፈኪ ሰብ ስለዘየሎ ክዳውንትኺ ኣውጽኣዮ" ኢሉ ከምዝሃደዳን፤ ንሳ ከኣ ብፍርሒ "በጃኻ ኣይትተንክፈኒ' ክትብል ለሚናቶ ምስ ኣበያ ከምዝተቓለሰቶን ኣብ ኢዳን አእጋራን ብጠያይቲ ዛሕዚሑ ከምዝኸደን ሓቢራ።
''ንሱ ሰለስተ ግዜ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ብጥይት ወጊኡኒ። ንእግረይ'ውን ሰለስተ ግዜ። ብግዳም ተኹሲ ምስ ሰመዐ ገዲፉና ከይዱ''
ኣቦሓጎኣ ዋላ'ኳ በቲ መውጋእቲ ሃለዋቱ እንተ ኣጥፈአ ኣይሞተን። ይኹን እምበር ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ብሰንኪ ፍርሒ ንኽልተ መዓልቲ ሓገዝ ከይሓተተ ጸኒሑ።
''ፍትሒ የለን'
እዚ ናይዛ ጎርዞ ናይ ዓመጽ ዛንታ፡ ነቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዞባታት ግጭት፡ ፕራሚላ ፓተንት፡ ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸም ከምዘሎ እተቕርቦ ዝነበረት ሻቕሎትን ስክፍታን ዝድርዕ እዩ።
እታ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት "ኣባላት ስድራ ቤት ብኣስገዳድ ሻምብቆ ብረት ምስ ደቀንስትዮኦም ጸታዊ ርክብ ክገብሩ ከምዘገድዱዎም ዝርብሽ ክስታት ይመጽእ ከምዘሎ ሓቢራ ነይራ።
ቀጺላ፡ "ብፍላይ ገሊአን ደቀንስትዮ፡ እቶም ወተሃደራት ብቐንጠ መንጢ ኣቕሓ ጾታዊ ወሲብ ክገብራ ከምዝግደዳን ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ክሓታን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማምት ሰጊሩወን ከይከውን ህጹጽ ሕክምናን መርመራን ክገብራ ናብ ሆስፒታል ከምዝመጽኣ ይሕብራ'' ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰለስተ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብ ትግራይ መዓልታዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዘሎን፡ ኣቦ ንጓሉ ብኣስገዳድ ጠበንጃ ክጋሰሳ ይግደድ ከምዘሎ ቅሬታኦም ኣቕሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ፡ ሓደ ዶክቶርን ሓንቲ ኣባል ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ክልቲኦም፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ኣስታት 200 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ ጾተዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመን ከምዝመዝገቡ ሓቢሮም።
መብዛሕቶም እቶም ገበን ዝፍጽሙ ሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ ዩኒፎርም ዝለበሱ ምዃኖም ድሕሪ እቲ ዝፍጽምዎ ጾታዊ ግህሰት እተን ግዳያት ሕክምናዊ ሓገዝ ከይሓታን የጠንቅቑወን ከምዝነበሩ ይዝረብ።
"ሓያሎ ስንብራት ነይሩወን። ገሊአን ብጉጅለ ብዓመጽ ዝተደፍራ እየን። ሓንቲ ጓል ንኣብነት ንሓደ ሰሙን ብጉጅለ ከምዝተዓመጸትን ብሰንኪ እቲ ዝወረዳ ግፍዒ ስለዝተዳህለት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተጋሰሱዋ ነጊራትና። ኣገልግሎት ፖሊስ ስለ ዘየለ ድማ ፍትሒ ዝበሃል የለን " ይብል እቲ ዶክተር።
እቲ ተሓላቒ መሰላት "ኣብ ካልኦት ክፋላት ትግራይ እውን ተመሳሳሊ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጥም ወረ ሰሚዕና ኢና ። ብሰንኪ ናይ መጓዓዝያ ሕጽረት ግን ክንሕግዞም ኣይከኣልናን ፥ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ " ትብል።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ካልእ ሓኪም፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መዓልታዊ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኤችኣይቪ መድሃኒት ክወስዳን ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ክወስዳ ናብቲ ሆስፒታል ይመጽኣ ከምዘለዋን ሓቢሩ።
ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መቐለ ዝነበረት፡ ኣባል ምንቅስቓስ ይኮኖ፡ (ይኣክል) ትግራይ፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ደቀንስትዮ ወይኒ ኣብርሃ፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ከምዘለው ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ኣብ መቐለ ብዙሓት ኣንስቲ ተዓሚጸን እየን። እዚ ከኣ ደይ መደይ ኢልካ ሞራል እቲ ህዝቢ ንምጉዳእን ቃልሲ ንኸቋርጽን ብመደብ ዝግበር ዘሎ እዩ " ትብል።
ይኹን እምበር ጠቕላሊ ሓላፊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ ገላልቻ ነቲ ክሲ ብትሪ ይነጽጉ።
"ሓይልታት ምክልኻልና ኣይዕምጹን እዮም ። ንሳቶም ሸፋቱ ኣይኮኑን። ንሳቶም ሰራዊት መንግስቲ እዮም። ሓይልታት መንግስቲ ከኣ ስነ-ምግባርን ስርዓትን ኣለዎም" "ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ።
እቲ ኣብ መቐለ ግዝያዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ከንቲባ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ: እቲ ተጣበቕቲ መሰላት ዝጠቐስዎ ቝጽርታት ጾታዊ ግህሰት ኣዝዩ እተጋነነ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ፈደራል፡ ነቲ ዝጥቀስ ዘሎ ግፍዒ ዘጽንዕ ካብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ምኒስትሪ ጥዕናን ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊን ዝተዋጽኡ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ነቲ ክሲ ንምጽራይ ናብ ትግራይ ከይዶም። ዋላ'ኳ ገና ምሉእ ጸብጻቦም እንተዘይገለጹ፡ እቲ ናይ ዓመጽ ተግባራት ከምዝተፈጸመ ግን ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ኣብ መላእ ትግራይ 108 ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠሙ ተኣሚኑ።
"እቶም ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመ ሪፖርት ክግበረሎም ዝግባእ ትካላት ፖሊስን ማእከላት ጥዕናን ዳርጋ ካብ ስራሕ ወጻኢ እዮም'' ኢሉ።
'ኢንጅነር ክኸውን'ዩ ድልየተይ ነይሩ'
ቢቢሲ፡ ምስ ሓኪም እታ ኣብ ዓብይ ዓዲ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈተነላ ነብሳ ክትከላኸል ብጥይት ተሃሪማ ኢዳ ዝተቖርጸት ሰብ ተራኺቡ።
ንሳን ኣቦሓጎኣን ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ነቲ ቦታ ብዝፍትሹ ዝነበሩ ወተሃደራት ኤርትራ ተረኺቦም። ሰበስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን፡ ኤርትራ፡ ኣብ ግጭት ትግራይ ከምዘይተሳተፈት እዮም ዝገልጹ።
ወተሃደራት ኤርትራ ንቑስሎም ሓኪሞም ንዝለዓለ ሕክምና ንመቐለ ክኸዱ ንሰራዊት ፈደራል ከምዝሃቡዎምን ኣብ ሕክምና መቐለ ከምዝኣተውን ከምዝሓበርዎ ተዛሪቡ።
ሕጂ ኣቦሓጎኣ ካብ ዘጋጠሞ ማህረምቲ ሓውዩ እዩ። ይኹንን እምበር: እታ የማነይቲ ኢዳ ዝተቘርጸት ግዳይ፡ ማህረምቲ እግራ ስለዘይሓወየ ገና ኣብ ሕክምና እያ ዘላ።
ካብቲ ደቂሳትሉ ዘላ ዓራት ሆስፒታል ኮይና ከኣ እናነብዐት፡ ብሰንኪ እዚ ዘጋጠመኒ ግፍዒ ሕልመይ ተሰይሩ እዩ ክትብል እናነብዐት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርታ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ ምህንድስና ኸተጽንዕን እዩ ነይሩ ሕልማ። ድሕሪ ሞት ወላዲታ ኣቦሓጊኣ እዩ አዕብዩዋን ኣምሂሩዋን።
ኣቦሓጎኣ ኣብ ደረት ዓራታ ኰይኑ እናጸናንዓ ከኣ፡ "ከመይ ኢሉ ከምዚ ክኸውን ይኽእል ? ደጊም ከምቲ ክኾኖ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ክኸውን ኣይክእልን እየ "በለት።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







