ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ'ዩ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝወስድ 100 መዓልቲ ኮይኑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ አሕመድ፡ ሓይልታት ህወሓት ብ04 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ 'ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ' ምስ ፈጸሙ እዩ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ዝሰየሞ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራልን ፍሉይ ሓይልታት ህወሓትን ከቢድ ውግእ ድሕሪ ምክያዱ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዯጵያ ንከተማ መቐለን ሓያሎ ከተማታት ትግራይን ተቖጻጺሩ።
ብ28 ሕዳር ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ ከኣ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ እቲ ኩናት ከምዘብቀዐ ብምግላጽ እቲ ዝቕጽል ስራሕ ንመራሕቲ ህወሓት ሒዝካ ናብ ሕጊ ምቕራብን ነታ ክልል ዳግም ምህናጽን ምኻኑ ሓቢሩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ከኣ ሓያሎ መራሕቲ ህወሓት፡ ገሊኦም ተታሒዞም ወይ ኢዶም ሂቦም፡ ካልኦት ከኣ ተማሪኾምን ተቐቲሎምን።
ሓይልታት ፈደራል ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸሩዋ ንከተማ መቐለ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዓወት ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ዘደንቕ' እዩ ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ቃለ መሕትት ዝገበሩ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ፈደራል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ዘመዝገቦ ኣደናቒ ዓወታት ክልተ ምኽንያት ኣለዎ ይብሉ።
"ናይ ውግእ ብቕዓቱን፡ ሎጂስቲካዊ ኣቕርቦትን" ከምዝኾነ ይዛረቡ።
ኣገዳስነት ሰሜን እዚ ማዕረ ክንደይ እዩ ነይሩ?
ድሕሪ ደማዊ ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝዓስከረ ሰሜን እዚ እቲ ካብ እዝታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ዝዓበየ እዩ ነይሩ።
ኣብ ገለ እዋን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ልዕሊ 200,000 ድልው ተዋጋኣይ ሓይሊ ከም ዝነበሮ እዩ ዝእመን።
ሓይልታት ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ 1991 ዝተዛዘመ፡ ንስርዓት ድርግ ካብ ስልጣን ንምእላይ ነዊሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካየደ እዩ።
ነቲ ኣብ 1998-2000 ምስ ኤርትራ ዝተኻየደ ኵናት ዶባት ዝመርሐ ሓይሊ እውን እዩ።
ብዝሒ ሓይልታት ህወሓት
ሓይልታት ህወሓት ኣብቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ጎንጺ፡ ፍሉያት ሓይልታት ክልልን ሚሊሻታትን ከም ዘሰለፉ እዩ ዝእመን።
ይኹን እምበር፡ እቲ ልክዕ ብዝሒ ፍሉያት ሓይልታት ትግራይን ሚሊሻታትን ዓይነትን ብዝሒ ኣጽዋርን ክንደይ ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምትሓዝ መቐለ ኣብታ ከተማ መጺኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብዝሒ ሓይልታት ህወሓት 80,000 ከም ዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ መጥቃዕቲ ንሰሜን እዚ ክሳዕ ክንደይ ጐዲኡዎ ?
ኣባል ኣመራርሓ ብኣዴንን ደጋፊ ህወሓትን ዝነበረ፤ ሰኵቱረ ጌታቸው፡ ሓይልታት ህወሓት ንሰሜናዊ እዚ ከም ዘጥቅዕዎ ተኣሚኑ።
ሴኩ ቱረ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንትግራይ ብኹሉ ኣንፈት ንምጭፍላቕ እተገብረ ውዲት ኣብ መፈጸምታኡ ከምዝበጽሐ ስለዝፈለጥና፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክውሰድ ኣድላዪ ነይሩ። ስለዚ ኢና ቅልጡፍ ስጕምቲ ክንወስድ ነይሩና። ስለዝኾነ ንሰሜን እዚ ኣብ ውሽጢ 45 ደቒቕ ተቖጻጺርናዮ" ኢሉ።
ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል'ውን ሓይልታቱ ንሰሜን እዚ ከምዝተቖጻጸሩዎን እቲ ሰራዊት ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ትግራይ ከምዝተሰለፉን ተዛሪቡ።
ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምንባሩን እንታይ ዓይነት ክሳራ ከም ዘኸተለን ግን ኣይገለጸን።
ይኹን እምበር፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ፈደራል ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንመራኸቢ ብዙሃን ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰሜን እዝ ዝርከቡ ኣርባዕተ ሜካናይዝድ ኣሃዱታት፡ ብሓይልታት ህወሓት ከምዝተጠቕዓ ሓቢሮም።
7ይ ሜካናይዝድ ቦጦሎኒ
ኣዛዚ 7ይ ሜካናይዝድ ግብረ ሃይል ብርጋዴር ጀነራል ግርማ ምስ መርበብ ፈነወ ኦሮምያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣሃዱኡ ሓንቲ ካብ 'ቶም ኣብ ትሕቲ ሰሜን እዚ ዝሕቆፉ ሓይልታት ኮይና፡ ሰራዊቱ ናብ 3 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ብሓይልታት ህወሓት መጥቃዕቲ ከም ዝወረዳ ገሊጹ ።
ብርጋዴር ጀነራል ግርማ እቲ ታንክታትን ከቢድ ኣጽዋርን ዝዓጠቕ ኣጋር ሰራዊት ከቢድ ብረት፡ ብሓይልታት ህወሓት ከምእተጠቕዐን፡ እቲ መደብ ነቲ ኣጽዋር ንምምንዛዕ ምንባሩን ገሊጹ።
ኣሃዱኡ ምስ 8ይ ሜካናይዝድ ኣጋር ሰራዊት ኰይኖም ናብ ኤርትራ ብምእታው ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዘምለጡ ሓቢሩ።
"እቶም ክልተ መካናይዝድ ሰራዊት (7ይን 8ይን) ብዙሕ መስዋእቲ እዮም ከፊሎም። ኣብቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ዝገበርዎ ጎንጺ ዓብዪ ግደ ነይርዎም። እቲ ከቢድ ኣጽዋር ሒዝና እንተ ዘይንወጽእ ዓቢ ክሳራ መጋጠመ" ይብል።

8ይ ሜካናይዝድ ቦጦሎኒ
ኣዛዚ 8ይ ሜካናይዝድ ቦጦሎኒ፡ ብርጋዴር ጀነራል ናሲር ኣባዲጋ'ውን፡ ሰራዊት ህወሓት፡ ምስ 7ይ ክፍለ ጦር ኣብ ሓደ እዋን፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ሰራዊት ከም ዘጥቅዖም ገሊጹ።
ብሪጋደር ጀነራል ናስር እቲ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ከቢድ ኣጽዋር ንምምንዛዕ ዝዓለመ ምንባሩ ሓቢሩ፡ እንተኾነ ካብ ኣሃዱኡ ዝኾነ ኣጽዋር ከምዘይተወስደ ሓቢሩ።
5ይ ሜካናይዝድ ቦጦሎኒ
ኣዛዚ 5ይ ሜካናይዝድ ቦጦሎኒ፡ ብሬጋደር ጀነራል ሙሉ ኣለም ኣድማሱ፡ ኣሃዱኡ ንሰለስተ መዓልቲ ተኸቢቡ ከም ዝነበረ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ።
እቲ ብ3 ሕዳር፡ ዳንሻ ኣብ ዝማእከሉ ሰራዊቱ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝተፈተነ ነቲ ዓጢቖምዎ ዝነበሩ ከቢድ ኣጽዋር ንምዝራፍ ዝዓለመ ምንባሩ ብርጋዴር ጀነራል ሙሉ ኣለም ገሊጹ።
"ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣጽዋር ንምሓዝ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣጽዋርና ካብ ኢድና ኣይተዘረፈን" ኢሉ።
ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰራዊት ሰሜን እዚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንከቢድ ኣጽዋር ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ንምዝማት ዝተወደበ ምንባሩ ይገልጽ።
እዚ ኣብ ሰሜን እዝ ዝተገብረ መጥቃዕትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ግጭትን ንሰራዊት ሰሜን እዝ ማዕረ ክንደይ ከምዝጸለዎ ብንጹር ኣይተፈልጠን።
እቲ ኩናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ምስሕሓብ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሳቢ ግጭት ተኸሲቱ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ህወሓት "ቀይሕ መስመር" ስለዝሰገሩ፡ ፌደራል መንግስቲ " ሕጊ ንምኽባር" ሓይሊ ካብ ምጥቃም ወጻኢ ካልእ ምርጫ ከምዘይሓደግሉ ተዛሪቡ።
እቲ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዝተላብዐ ወተሃደራዊ ግጭት ኣብታ ክልል ዓቢ ምምዝባል ኣኸቲሉ እዩ።
ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ፣ ልዕሊ ሱሳ ሽሕ ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም ይርከቡ።
ናይ ረድኤት ትካላት ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ሰብኣዊ ቅልውላው ክስዕብ ከምዝኽእልን የጠንቅቓ ኣለዋ።
ነቲ ረድኤት ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ረድኤት ንኪበጽሖ ከኣ ናጽነት ምንቅስቓስ ክፍቀድ ይምሕጸና ኣለዋ። ዛጊት ኣብቲ ግጭት ክንደይ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይተፈልጠን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







