ቅልውላው ትግራይ፡ "በዓልቲ ቤተይ ማናቱ ቖልዑ ክትሓርስ ኣብ በረኻ ሞይታ"

The twins

ምንጪ ስእሊ, Geezsat

ሓደ ኣቦ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሰበይቱ መናቱ ኣዋልድ ክትሓርስ ኣብ በረኻ ከምዝሞተት ንቢቢሲ ሓቢሩ። በዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ሕርሳ ደም ፊሲሱዋ ኣብ በረኻ ዝሞተቶ እዚ ሰብኣይ፡ ማናቱ ደቁ ኣብ ዘንቢል ተሰኪሙ ዑቝባ ክሓትት ንሱዳን ተሰዲዱ።

ሕጂ ምስ ወዲ 14 ዓመት ዘምኡ፡ ወዲ 5 ዓመት ወዱን፡ ክልተ ወርሐን ዝገበራ ማናቱ ደቁን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ። ዕድል ክገብር ከኣ እተን ማናቱ ደቁ ኣብቲ መዓስከር ብዝጸንሓቶም ሓንቲ ገባር ሰናይ ኣመሪካዊት ሓኪም ይእለያ ኣለዋ።

2px presentational grey line

እቲ ኣብ ሕዳር ዝጀመረ ኩናት ኢትዮጵያ ትግራይ ሳልሳይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ። እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ፈደራልን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ዓሌታዊ ወጥሪ ፈጢሩ ኣሎ።

ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ዛጊት ከባቢ 60 ሽሕ ሰባት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ከምዝኣተውን ካልኦት ከባቢ ክልተ ሚልዮን ተመዛቢሎም ከምዘለውን የረድእ።

ኩሎም እቶም ተመዛቢሎም ዘለው ሰባት ነናይ ገዛእ ርእሶም ዝንገር ዛንታ ኣለዎዎም።

ነብሲ ወከፍ ሰብ ድምጺ ተዂሲ ምስ ሰምዐ እንታይ ከምዝበለ፡ ድምጺ መዳፍዕ ክሃምም ምስ ሰምዐ ናበይ ከምዘበለ፡ ካብ ደብዳብ ክኸውል ኣበይ ከምዝተሓብአ፡ ኣብቲ ናይ ጭንቂ እዋን ክንደይ ኣማልኽቲ ከምዝጸወዐ፡ ዝንገር ዛንታ ኣለዎ።

ድምጺ ተዂሱ ናብ ከባቢኡ ምስ ቀረበ ነብሲ ከድሕን ከካብ ቤቱ ዝበረረ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ኣብ ድሩን በዓትን ዝሓደረ፡ ምስ ዕድሉ እናተማረረ ዶብ ዝሰገረ፡ ኣብ ዕድመኡ ዘጥረዮ ዘፍረዮ ጠንጢኑ ዝተሰደ፡ ደሃይ በብዝጥዕሞም ዝነፈጹ፡ ወለዱን ስድርኡን፡ አሕዋቱን ኣሓቱን፡ ፈተውቱን መቕርቡን ዘናዲ፡ መዓልቦኦም ሰሚዑ ክቐብጽ ለይትን ቀትርን ናብ ፈጣሪ ዘጻሉት ስደተኛ ውሑድ ኣይኮነን።

ካብቶም ናብ ሱዳን ሰጊሮም ዘለዉ ስደተኛታት ሓደ ዝኾነ ኣቶ ኣብርሃም ክንፈ፡ ባዕሉ ደሃዩን ሃለዋቱን ከዘንትወልና እዩ።

1px transparent line

ኣብርሃ ክንፈ እየ ዝበሃል። ደጊም 40 ዓመተይ መሊአ ኣለኹ። ብዓልቲ ቤተይ ለታይ ጸጋይ ጓል 29 ዓመት እያ። ቅድሚ 13 ዓመት ኣቢልና ተመርዒና ሓዳር መስሪትና፡ ኣብ ከባቢ ማይ ካድራ ኣብ ዘሎ ናይ ሕርሻ ቦታታት ንነብር ነይርና።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ካብ ዝዓበኹላ ከተማ መተማ ብዓለት ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ተፈናቒለ ናብ ማይ ካድራ ምስ መጻእኩ፡ ኣብቲ ብምምሕዳር ዝተዋህበና ናይ ሕርሻ መሬት ብዕንጸይትን ጭቃን መዕቆቢ ቤት ሰሪሐ ምስ በዓልቲ ቤተይን ወደይን ዞማይን ብሰላም ንነብር ነይርና።

ማይ ካድራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ኵናት ምስ ኣጋጠመ ኣብ ሕርሻና ኮይንና ብሻቕሎት ንከታተሎ ነይርና። ዕለት 1 ሕዳር ብግእዝ (10 ሕዳር 2020) ሰራዊት መንግስቲ ፈደራል ናብቲ ንሕና ዝነበርናሉ ቦታ ክኣቱ እንከሎ ብጽሕቲ ወርሒ በዓልቲ ቤት ንጽባሒቱ ምሸት ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ።

ድሮ ኣብ ማይ ካድራ ዕግርግር ስለዝተላዕለ ኣብ ሕርሻታትና ኢና ተሓቢእና ኔርና። ሰራዊት ፈደራል ብጥቓና ክሓልፍ እንከሎ እውን ተሓቢእና ኢና አሕሊፍናዮ። ንሳቶም እውን ሰብ ኣለዎ ኢሎም ስለዘይገመቱ ስቕ ኢሎም እዮም ሓሊፎሙና። ፈሪሕና ስለዝነበርና ምስ ሓለፉ ሩፍታ ተሰሚዑና።

በዓልቲ ቤተይ ቃንዛ ሕርሲ ምስ ጀማመራ ኣዝየ ተሻቒለ። ናብ ሕክምና ናብ ማይካድራ ከይወስዳ ድሮ ዕግርግር ተላዒሉ ነይሩ። ዝሕክማን ዝኣልን እውን ኣይምተረኽበን። ማርያም ብደሓነ ሰላም ክትመጽኣ ከብድና ሓቚፍና ብጸሎት ተጸቢና።

ኣምላኽ ጸድፊ ይፈጥር'ሞ መደያይዶ ይገብረሉ ከምዝብሃል ከኣ ዕድል ገይርና ብሓገዛ ኣብ ከባቢና ተሓቢአን ዝነበራ ሓንቲ ኣደ ብሰላም ማናቱ ኣዋልድ ምስተገላገለት - ተመስገን ኢለ ንኣምላኸይ ኣመስጊነ።

እንተኾነ ድሕሪ ሕርሳ ሕክምናዊ ክንክን ክትረክብን መርፍእ ክትውጋእ ነይሩዋ። ግና ኣብቲ ከባቢ ኩናትን ዕግርግርን ስለዝነበረ ናብ ሕክምና ክወስዳ ኣይደፈርኩን። ዝረኸበ ይርከበና ኢልና መርፍእ ከነውግኣ እንተንወስዳ እውን ሓኪም ዝበሃል ኣይነበረን። ኩሉ ሃዲሙን ተበታቲኑን እዩ። ማይ ካድራ ሓዊ ተዘሪእዋ ምህላዉ ፈሊጥና ነይርና ኢና።

Abraha Kinfe

ምንጪ ስእሊ, Geezsat

ብደሓነ ሰላም ዝሓረሰት ብዓልቲ ቤተይ ንኣርባዕተ መዓልቲ ምስ መዳሕንታ ጸኒሓ። ብድሕሪኡ ብብዝሒ ደም ክፈሳ ስለዝጀመረ ንዓሰርተ መዓልታት ተሳቕያ። ብጸሎትን ብኹሉ ይጠቅም እዩ ዝበልናዮ ባህላዊ መድሃኒትን ዝከኣለና ፈቲንና ግን ድሕሪ ከቢድ ቃንዛ ኣብ ዓስራይ መዓልታ ኣብ ኢደይ ዓሪፋ።

በዓልቲ ቤተይ ምስ ሞተት መሬት ከም ኣፍ ዑንቁ ጸቢባትኒ። ሓቚፈያ ተነኽኒኸ። ደቂ ሰሙን ቖልዑት እሞ ድማ ማናቱ ገዲፋትለይ ዓሪፋ - ጭንቂ ብጭንቂ ኮይነ፡ መሬት ጸልሚቱኒ።

እዘን ቘልዑ ምስ ተወልዳ ንሸሞንተ መዓልታት ጥራይ እየን ጸባ ኣዲኣን ጠቡየን፡ ንሱ እውን ወላዲተን ብብዝሒ ዋሕዚ ደም እናተጻዕረትን ከይተረፈ፡ ናይ ኣደ ነገር እናሞተት ተጥቡወን ነይራ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ምማታ ግን ነብሳ ስለዝሰሓተት ኣይጠበዋን።

ንበዓልቲ ቤተይ ኣብቲ ከባቢና ምስ ዝነበሩ ራብዓይ ርእሰይ ሓመድ ኣዳም ኣልቢሰያ። ከቢድ እዩ፡ ንጸላኢኻ ዘይትምነየሉ ሕማቕ ዕድል።

ማናቱ ቘልዑ ሒዘ፡ ምስቶም ምሳና ዝተሓብኡ ሰባት ኮይንና ኣብ ኣፈን ገለ ፈሳሲ ጥብ እናኣበልናለን ወርሒ ኣብቲ በረኻ ተሓቢእና። ኣምላኽ ትረፋ ግዲ ኢሉወን ከኣ እተን ቖልዑ ትንፋስ ገይረን ሰሪረን።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሓደ ወርሒ ኢለ ደኣ ኣቕልል የብሎ ኣለኹ'እምበር፡ ኣደ ዘይብለን ወርሒ ዘይምልኣ ማናቱን ኣደይ እናበለ ለይትን ቀትርን ዝበኪ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቘልዓ ሒዝካ ሓንቲ መዓልቲ እውን ከባድ እያ - ወርሒ ኮይና እያ ትስመዓካ።

እተን ማናቱ ኣብ ኢደይ'ውን ከይሞታኒ ስለዝፈራሕኩ፡ ናብቶም ኣብ ከባቢና ዓስኪሮም ዝነበሩ ሰራዊት ፈደራል ከይደ፡ ቖልዑ ከሐክም ንሑመራ ክኸይድ ክፈቕዱለይ ሓቲተዮም። ናብቶም ፋኖ ግን ክኸይድ ኣይምደፈርኩን። ደሓን ይእተው ክኸይድ ፍቓድ ምስ ሃቡኒ፡ ንሑመራ ከይደ፡ ብኡ ኣቢለ ከኣ ብእንዳምኪኤል ናብ ሓምዳይት ሰጊረ።

ሩባ ተከዘ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩባ ተከዘ

እዋናዊ ኩነታት ማናቱ

ሓምዳይት ምስ ኣተኹ ኣምላኽ ይመስገን ኣብቲ ቀይሕ መስቀል ዘዳለዎ ቦታ ኣቲና ሕጅስ ደቀይ ትንፋስ ዘሪአን ኣለዋ።ኣብቲ ቀይሕ መስቀል ሓንቲ ኣመሪካዊት ሓኪም ኣላ፡ ንሳ እያ ትከታተለን፡ ኣምላኽ ብርካ የጽንዓዮ።

እታ ሓኪም ጸበአን እናሀበት ኣብ ሰሳልስቲ እናመዘነት ጥዕነአን ትከታተለን ኣላ። ኣምላኽ ይመስገን ሕጂ ክልተ ወርሐን መሊአን ኣለዋ።

ቅድሚ ሓምዳይት ምእታወይ ይኹን ናብ ሓምዳይት ምስ ኣተኹ፡ ልዕሊ ናይዘን ናጽላታት ሕቶ ናይቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወደይ'ዩ ዘጨንቐኒ።

'ኣደይ ናበይ ኢያ ከይዳ?' እናበለ ደጋጊሙ'ዩ ይሓተኒ። ኣነ ከኣ ንሕክምና ከይዳ ኣላ ክትመጽኣና እያ እናበልኩ ብዘይኮነ ተስፋ ይጥብሮ። ንሱ ኣደይ ኢሉ ይቑዝም ኣነ ኸኣ ኣሚነይ እናበልኩ ፊቕ ኢለ ይበኪ። ናብራና ከምኡ እዩ ዘሎ።

ኣባይ በጺሑስ ኩሉ ጨኪኑ፡ እቲ ግዜ፡ እቲ ሰብ፡ ኩሉ ጨኪኑ። ንሓንሳብስ ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ክሳብ ክንድዚ ጨኪኑለይ እናበልኩ የማርር። እዘን ክልተ ደቀይ ከኣ መዘከሪ እዚ ሕሱም እዋን ክኾና እየን።

ኣብዚ ሓምዳይት እቲ ሰብ ናቱ ጸገም ገዲፍ ንዓይ ከጸናንዕ ይውዕል ኣሎ።

ጽንዓት ይሃብካ ክብላ ዝመጽኣ ኣዴታት፡ " በል ነታ ሓንቲ ኤደን ነታ ሓንቲ ኸኣ ትርፊ" በላ ይብላኒ።

እዘን ማናቱ ኣዋልድ ስለዝኾነ ደጊም ጥምቀተን ኣኺሉ እዩ። ኣብዚ በረኻ ግን በየናይ ቀሺ፡ ኣበየናይ ቤተክርስትያንን ታቦትንከ እየን ክጥመቓ።

ወላዲ ኮይንካ፡ ውላድካ ጠምዩ እናበኸየ ቁራስ እንጄራ ክትህቦ ዘይትኽእል እንተኾንካ ቃንዛ እዩ።

ኣነ፡ ነዚ ገጢምኒ ዘሎ ኣምላኽ ኣኻእሎ ይሃበኒ ኢለ እየ ዝጽሊ። ከምዚ ንዓይ ዘጋጠመ ኸኣ ኣብ ማንም ፍጡር ወዲ ኣዳም ከጋጥም ኣይምነዮን'የ።

ብሕጂ ኸኣ ኣምላኽ ዝሓለፈ ይኣኽለካ ኢሉ ነዞም ደቀይ ሰሪሐ በታ ዘላትኒ ዓቕሚ ዝነብረላ ሰላም ይፍጠረለይ፡ ንኹልና ይፍጠርልና።

ንሕና እቲ ሕሰም ንነብሮ ኣለና። ኣባና ዘብቅዕ ይግበሮ፡ ደቅና፡ ነዚ ንሕና ንነብሮ ዘለና ሕሳም ኣይንበርዎ፡ ከይነብርዎ ኸኣ ኩሉ ንሰላም ይጸሊ። እቶም ብኣካልና ብቴሌፎንን ጽንዓት ይሃብካ ትብሉኒ ዘለኹም ከኣ ሕሰም ኣይትርከቡ።

1px transparent line

ካልኣይ ስደት

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣነን ስድራይን ካብ መተማ ብዓሌታዊ ምኽንያት ተሰጒግና ኢና ኣበ ከባቢ ማይ ካድራ፡ ካብቲ ከተማ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ንሓሙሽተ ዓመት ኢሎም መሬት ሂቦሙና ብሕርሻ ናብራና ንመርሕ ነይርና።

ብዓልቲ ቤተይ'ውን ኣብታ ካብ መተማ ምስ መጻእና ብጭቃን ቃነጫንን ዝሰራሕናያ ገዛ እያ ተገላጊላ።

ኣብቲ ቦታ እቲ ከኣ መሬትናን ተኻሪና እናመላእናን ሓሪስና ንናበር ነይርና። ብሰላም ወፊርና ብሰላም ንኣቱ ነይርና። ኩሉ ሰብ ሰሪሑ ድራር እለቱ ማእሪሩ ይኣቱ ነይሩ።

ኣብ ሱዳን ተዓቑቦም ዘለው ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሱዳን ተዓቑቦም ዘለው ስደተኛታት

ሕጂ ግን ወየ ድኣ ሞት ኮይኑ ብዛዕባ ሞት ነዕልል ኣለና'ምበር፡ ዝዘራእናዮ ሰሊጥ ይኹን መሸላ ከምዘለዎ ኢና ገዲፍናዮ መጺእና። ነዛ ህይወትና ከነድሕን ከምዛ ዝተወለድናያ ጥራይ ኢድና ኢና ወጺእና።

ቅድሚ እዚ ኵናት ምግጣሙ፡ ካብዛ ግራት እዚኣ ክንድዚ ክረክብ እየ። ካብዚኣ ኸኣ ክንድዚ ከእቱ እየ ኢና ንብል ነይርና ብተስፋ። እዚ ከጋጥም መን ሓሲብዎ።

እቲ ካብ መተማ ክንስጎግ እንከለና ብውሕዱ ንብረት ክንወጋግኖ፡ ዋላ ብሕሱር'ውን ዋጋ ይኹን ክንሸጦን ነቲ ክንወስዶ እንኽእል ሒዝናዩ ክንወጽእ ዕድል ነይርና። ሕጂ ግን ዝኸፍአ መጺኡ፡ ዕጫና ሞትን ስደትን ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ መዓስከራት ሱዳን፡ ተወላዲ ትግራይ'ምበር ወዲ ካልእ ብሄር የለን። ስለምንታይ እዩ ከምኡ ኮይኑ እንተይልና፡ ንሕና በቲ ግጭት ኣዚና ተሃሲና ኣሎና። ፈጣሪ ነዚ ህዝብን መሬትን ሰላምን ቅሳነትን ከውርደሉ እምነን እጽልን። እዝግሄር ባዕሉ ይተዓረቐና።