ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንራብዓይ መዓልቲ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ

ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛኣተት ንራብዓይ መዓልቶም ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ

ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ተሰጋጊሮም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጣየሱ ኣብ ምጽባይ ካብ ዝጸንሑ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገልጹ ኣስታት 150 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ከተማ ንያመይ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛኣታት ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ተቓውሞ የካይዱ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዞም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ሊብያ ዘሎ ኲናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር፡ ርዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ከም ዝግዕዙ ክግበር ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከም ዝተወስዱ ዝገልጹ እዚም ስደተኛታት፡ ናብ ጀርመን ክግዕዙ ኩሉ መስርሓት ቅድሚ ዓመት ከም ዝዛሙ እዮም ዝገልጹ።

እዞም ስደተኛታት ኣብ ኣፍደገ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒጀር ሎሚ ንራብዓይ መዓልቲ ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓላፊት ወኪል ዩኤንችሲኣር ኣብ ኒጀር ኣሌክሳንድራ ሞረሊ ግና ጉዳዮም ምስ ጀርመን ከም ዘሎን ዩኤንኤችሲኣር ክገብሮ ዝኽአል ከም ዘየሎ ብምግላጽ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከም ዝግባእ ሓቢራ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብ ኒጀር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኢኹም ክተጽንሑ እኳ እንተተባሃሉ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ምዕባለ ንሰለስተ ዓመት ከምዝጸንሑ ይዛረብ።

"ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ሳህራ ኣቋሪጽና ኣብ ሊብያ ኣቲና፡ ኣብ ሊብያ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝገብርና ኢና፡ ዬኤንኤችሲኣር ብውሑስ መንገዲ ናብ ካልእ ሃገር ከጣይሰኩም ንግዝያዊ ትራንዚት ኣብ ኒጀር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትጸንሑ ኢኹም ኢሎም እዮም ኣምጺኦሙና" ይብል።

ንሱ ብምስዓብ "ኣብዚ ምስ መጻእና ንክልተ ዓመታት ዩኤንኤችኤሲኣር ዋላ ሓንቲ ቆላሕታ ኣይሃበናን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ኣውያት ግን ጉዳይና ብሃገረ ጀርመን ተቐባልነት ረኺቡ፡ ዓሸራ ገይሮሙልና መዲካል'ውን ወዲኦሙልና፡ በረራ እናተጸበና እንከለና ኸኣ ዓሚ ወርሒ ሚያዝያ ብሰንኪ ኮሮና በረራና ተሰናኺሉ፡ ካልኦት ሃገራት ነቶም ክንቅበሎም ኢና ዝበልዎም ወሲዶሞም እዮም ንሕና ግን ቁሊሕ ዝብለና ስኢንና" ይብል።

እዚ ውልቀ ሰብ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ቆልዓ ሰበይትን ስነኩላንን ዝርከብዎም ብዘይ መግብን ማይን ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሰለማዊ ሰልፈ የካይዱ ምህላዎም ይገልጽ።

ዩኤንኤችሲኣር ጠሊሙና'ዩ እትብል ካልእ ስደተኛ ብወገና ነቲ መሰረታዊ ነገራት'ውን ካብቶም ኣብ ኒጀር ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ዘለዉ ስደተኛታት ዝግበረሎም ሓገዛት እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ዝሕግዞም ኣካል ከምዘየለ'ያ ትገልጽ።

ወኪል ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኒጀር ንኤምባሲ ጀርመን ክሓተልኩም እንተኾይነ ናብ መዓስከርኩም ተመለሱ ኢላትና ዝብሉ እዞም ስደተኛታት ምላሽ ክሳብ ዝረኽቡ ካብቲ ስፍራ ከም ዘይንቀሳቐሱ'ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛኣተት ንራብዓይ መዓልቶም ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እንታይ ይብል?

ሓላፊት ወኪል ዩኤንችሲኣር ኣብ ኒጀር ኣሌክሳንድራ ሞረሊ ግና ጉዳዮም ምስ ጀርመን ከም ዘሎን ዩኤንኤችሲኣር ክገብሮ ዝኽአል ከም ዘየሎ ብምግላጽ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከም ዝግባእ ተረድእ።

"ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤትጽሕፈት ኮፍ ምባልን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ምጽሓፍ ከም ዘየድልዮም ነጊረዮም። ምኽንያቱ እዚ ብኸምኡ ኣይከውንን እዩ። ማለተይ፡ ንጀርመን እዮም ዝጽበዩ ዘለው፤ ንዩኤንኤችሲኣር ኣይኮነን። ብስንኪ ኮቪድ ይሳለጥ የለን። ክሃድኡ ነጊረዮም እየ"ትብል።

ሓላፊት ወኪል ዩኤንችሲኣር ኣብ ኒጀር ኣሌክሳንድራ ሞረሊ ብምስዓብ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ምስንኻል ናይ መገሻታት ምዃኑ ተብርህ።

"ኣብ ኣውሮጳ ሰባት ክገሹ ኣይኽእሉን እዮም። ዩኤንኤችሲኣር ሓደ ልኡኽ ካብ ጀርመን ናብ ኒጀር መጺኡ ነቲ መስርሕ ክውድኦ ኢና ንጽበ ዘሎና። ብሰንኪ ኮቪድ ግና ኩሉ ደው ኢሉ፡ ዛሕቲሉ እዩ ዘሎ። ነዚ ክርድኡኒ ኣይከኣሉን። መዓልታዊ እነግሮም እየ" ትብል።

ብዘይካ እዞም ንጀርመን ዝጽበዩ ስደተኛታት ካልኦት ናብ ብሪጣንያ ንምኻድ ተዳልዮም ዝነበሩ'ውን ከባቢ 29 ስደተኛታት'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ገጢምዎም ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሮም።