ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ጻውዒት ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, IOM
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኩነታት ናይቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘሻቐሎም ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ገሊጾም።
ብግዱሳት ተጣበቕቲ ዝቖመ 'ኢንፎርሜሽን ፎረም ፎር ኤርትራ' ዝተባህለ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መጸዋዕታ፡ ኩሎም ወገናት ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ከኽብሩ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቶም ስደተኛታት ብህጹጽ ናብ ውሑስ ከባቢታት እታ ሃገር ክግዕዙን ናብቲ ጎንጺ ኣጋጢምሉ ዘሎ ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ውሑስ ባይታ ክጣጣሕን'ውን ጠሊቦም ኣለዉ።
እቲ ብኤርትራውያን ኣውሮጳውያን ዝቖመ ትካል ናብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ኣህጉራዊ ኪሚተ ቀይሕ መስቀልን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ እዩ ነቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ መንጎ መንግስታት ፈዴራልን ክልል ትግራይን ክዓርግ ዝጸንሐ ምትፍናን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሓደገኛ ኲናት ኣምሪሑ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ "ጽዕጹዕ" ውግእ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብሉ ኣርባዕተ መዓስከራት ይካየድ ብምህላው ኣብቶም ስደተኛታት ሻቐሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ዳርጋ ዝበዝሑ ካብቶም ኤርትራውያን ዝርከቡሎም መዓስከራት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።
ካብኡ ናብኡ ከኣ መዓስከራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ናብዚ ሕጂ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ርሑቕ ዘይምዃኖም ውሕስነት ናይቶም ስደተኛታት ኣሻቓሊ ኮይኑ'ሎ።
ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ነበርቲ እቲ መዓስከርን ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን ሻቕሎቱ ዝገልጽ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, ZERAY DERES
መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት "ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሃደሙ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን" ምዃኖም ዝገልጽ ደብዳበ ኢንፎርሜሽን ፎረም ፎር ኤርትራ፤ እቶም ስደተኛታት ደጊሞም ናብቲ ዝሃደምሉ ኩነታት ከም ዝተቓልዑ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት፡ መድሃኒትን ምቁራጽ ኣገልግሎት ቴለፎንን ኢንተርነትን ተወሲኽዎ ነቲ ዝነበሮም ክብደት ናብራ ኣጋዲድዎ ምህላው እቲ ደብዳበ ጠቒሱ።
ከባቢ 100 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብቲ ጎንጺ ተኸሲትሉ ዘሎ ክልል ትግራይ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛ ከም ዘለው፡ እቲ ትካል ንሰራሕተኛታት ረድኤት ብምጥቃስ ይገልጽ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ቤተሰብ እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ሓዋላ ገንዘብ ክልእኹ ብዘይምኽኣሎም፡ ብዛዕባ መቕርቦም ተሻቒሎም ምህላዎም'ውን እቲ ትካል ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







