ስዊዘርላንድ 63 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክትሰጉግ ምዃና ኣፍሊጣ

ስዊዘርላንድ 63 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክትሰጉጉ ምዃና ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፡ 63 ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክመልሶም ከም ዝጽዕር ኣፍሊጡ።

እዚ ስጉምቲ፡ ብ2017 ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ዝገጥሞም ሕማቕ ነገር የለን ክብል ኣብ ዝወሰኖ ምርኩስ ብምግባር ከም ዝተወሰደ እቲ ትማሊ ዝወጽኣ ዜና ይሕብር።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ ናይ 3,400 ሓተትቲ ዕቚባ ዳግመ መርመራ ከም ዝገበረን ናይ ካልኦት 20 ሰባት ግዝያዊ ዕቚባ ከም ዝሰረዘ'ውን ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ይኹን'ምበር፡ ኤርትራ ብሓይሊ ዝተጠረዙ ሓተትቲ ዕቚባ ስለ ዘይትቕበል እቶም ስደተኛታት ብድልየቶም ክምለሱ ጥራሕ'ዩ ዘለዎም።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ግን፡ ኣብ ምጥያስ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረብ ምህላው እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ስዊዘርላንድ ኣዚዩ ከም ዝጎደለ ይንገር።

መንግስታውያን ጸብጻባት ስዊዘርላንድ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ 2015 ከባቢ 10,000 ኤርትራውያን ዕቚባ ክሓቱ እንከለው ኣብ 2020 ድማ 1,346 ጥራይ እዮም ዕቚባ ሓቲቶም ዘለው።

ካብ 2012 ጀሚሩ፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝነበሮ ፖሊሲ ዕቑባ እናኽረሮ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ ጸብጻባት ይሕበሩ።

ኣብ 2017'ውን ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ዝተሳተፉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ዝገጥሞም ሕማቕ ነገር የለን ክብል ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ ባይቶ እታ ሃገር ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክምርመር እማመ ኣሕሊፉ።

ውጽኢት እቲ መርመራ ድማ ትማሊ ዓርቢ ብመንግስቲ እታ ሃገር ጸዲቑ።

ኣብ ጥሪ 2020፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ትራቭል ዶኩመንት' ገይሮም ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንከይጉዓዙ ዝኽልክል ሕጊ ኣጽዲቑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ቲ ውሳነ'ውን፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ዜጋታት እታ ሃገርን ነቲ እናተረረ ዝመጽአ ፖሊሲ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።