ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድን ብጾቱን ካብ ዝቐረቡ 10 ክስታት 6 ተሰሪዞም

ጃዋር መሃመድ

ምንጪ ስእሊ, MAHEDER HAILESELASSIE TADESE

ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም 24 ተኸሰስቲ ካብ ዝቐረቡ 10 ክስታት እቶም ሽድሽተ ንክስረዙ ሎሚ 22 ጥሪ 2021 ዝወዓለ መጋባእያ ቤትፍርዲ ወሲኑ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ክሱሳት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሰነ 2019 ዘጋጠመ ቅትለት ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝሰዓበ ኣማኢት ሰባት ዝተቕትልሉ ናዕቢ’ዮም ተኣሲሮም።

ጃዋርን ብጾቱን ብገበናት ሽበራ፡ ምጥፍፋእ ቴለኮም ከምኡ’ውን ምጥሓስ ሕጊ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ኣጽዋር ዝብሉ ቀንዲ ካብቶም ዝቐረብሎም ክስታት’ዮም።

ካብዚቶም ሓደ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ 12 ካብኦም ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ናይ ኣጽዋር ዝምልከት ከምዝተቛረጸ ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጨንፈር ልደታ ዝነበረ መጋባእያ ቤትፍርዲ ኣፍሊጦም።

እቶም እሱራት ነቲ ክሲታት ክነጽግዎ ጸኒሖም’ዮም። ብፍላይ ኣቶ ጃዋር፡ ማእሰርቱ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ከይሳተፍ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ክሲ’ዩ ክብል ይምጉት።

ንመሰላት ህዝቢ ኦሮሞ ክቃለስ ዝጸንሐ ጃዋር መሓመድ፡ ኣባል ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ’ዩ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ጃዋር ኣብ 2013 ነቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢሂወዴግ ካብ ርሑቕ ዘካይዶ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ገስጓሳቱ ንምሕያል ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ (OMN) ዝብል መደበር ሳተላይት ቴሌቪዥን መስሪቱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ንሱ ዝመስረቶ መደበር ተለቪዢን’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ከይሰርሕ ብመንግስቲ ተኣጊዱ ይርከብ።