‘ካብ መረጻ ክኣልዩኒ ስለዝደለዩ እዮም ኣሲሮምኒ’፡ ጃዋር መሓመድ

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ኣቶ ጃዋር መሐመድን በቀለ ገርባን ዝርከቡዎም ጥርጡራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክሶም ተነቢቡሎም።
ቅድሚ መዓልታት ኣኽባሪ ሕጊ ንኣቶ ጃዋር መሐመድ፣ ኣቶ በቀለ ገርባ፣ ኣቶ ሃምዛ ኣደምን ካልኦት 24 ሰባት ብግብረ ሽበራ ክሲ ከም ዝመስረተሎም ኣፍሊጡ'ዩ።
እቶም ሎሚ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም ጥርጡራት፡ ቅድሚ መጋባእያ ምጅማሩ ንዝኽሪ ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ካልኦት ብዙሓት ዝተቐትሉ "ጀጋኑን" ናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ክግበር ሓቲቶም እዮም።
ካብ'ዚ ብተወሳኺ፤ እቲ ብሽበራ ተኸሲሱ ዘሎ ፍሉጥ ኣክቲቪስትን ፖለቲከኛን ኦሮሞ ጃዋር መሓመድ፡ ማእሰርቱ ንዕኡ ካብ መረጻ ንምእላይ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ተግባር ምዃኑ ተዛሪቡ።
ጃዋር መሓመድ ኣባል ናይ'ቲ ኣብ ኦሮሚያ ተቐባልነት ከምዘለዎ ዝግለጽ፡ ውድብ ኦፌኮ እዩ።
ገዛኢ ውድብ [ብልጽግና] ኣብ ኦሮሚያ መረጻ ክስዕሩ እዮም ዝብል ፍርሒ ከም ዝነበሮ፡ ጃዋር መሓመድ ሎሚ ኣብ መጋባእያ ተዛሪቡ'ሎ።
ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካልእ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው'ውን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብመረጻ ክዕወት ይኽእል እዩ ብዝበል ፍርሒ ከም ዝተኣሰረ'ውን ተዛሪቡ።
"እምበር ገበን ፈጺሙ ኣይመስለንን" ድማ ኢሉ።
ብተወሳኺ ድማ፡ ልደቱ ዘልዓሎ 'ናይ ስግግር መንግስቲ ናይ ምምስራት ሓሳብ' ምኽንያት ማእሰርቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ጃዋር ተዛሪቡ።
ጃዋር መሓመድ 'ንኻልኣይ ግዜ ብሽበራ ምኽሳሰይ ኩርዓት እዩ ዝስመዐኒ' ብምባል፡ እቲ ናይ ሕዚ ክሱ'ውን ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ፖለቲከኛ ከም ዝኾነ ኣመላኺቱ።
በቀለ ገርባ ብወገኑ፡ "እዚ ቤት ፍርዲ ናይ ኦሮሞ ኣሽዊትዝ እዩ" ክብል ተዛሪቡ። [ኣሽዊትዝ፡ ብናዚ ዝቖመ ኣይሁዳውያን ብግፍዒ ዝእሰሩሉን ዝቕተልሉን ዝነበረ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ መዓስከር እዩ]።
ቤት ፍርዲ፡ ጉዳይ በዓል ጃዋር መሓመድ ንምርኣይ ንሓሙስ ቆጸራ ሂቡ።
ርክብ ጃዋር መሓመድን ኣብዪ ኣሕመድን
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ዓውዲ ፖሎቲካ ኢትዮጵያ ጉሉሕ ስም ዘትረፈ ወዲ 34 ዓመት ኣዝዩ ጸላዊ ፖሎቲከኛ ጃዋር መሓመድ ተሸላሚ ኖበል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ምልኪ ክኣቱ ይኽእል'ዩ ክብል ግምቱ ገሊጹ ነይሩ።
ጃዋር፡ ኣብ ብሄራውነት ዝኣምን መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ ኣስታት 2,000,000 ተኸተልቲ ኣለውዎ።
ንሱ፡ ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተወለዐ ግጭትን ዕግርግርን፡ ብቕትለት ሓደ ፖሊስ ተጠርጢሩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተዳጉኒ ይርከብ።
ደገፍቱ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ተቐባልት እቲ ህቡብ ፖለቲከኛ ከልምስ ዝገበሮ እምበር ጃዋር ኣብ ቅትለት እቲ ፖሊስ ኢድ ከም ዘይብሉ ይገልጹ።
እዞም ኣብ ምጅማር እቲ ለውጢ መሻርኽቲ ዝነበሩ ተወለድቲ ብሄረ-ኦሮሞ ጃዋርን ኣብዪን፡ ኣብ ኣተኣላልያ መጻኢ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ቀልጢፎም ተፈላልዮም።
ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ንነዊሕ ዓመት ብዓዘቕቲ ምልክን ዓሌታዊ ግጭትን ተሸሚማ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ናብ ደሞክራሲ ከሰጋግራ ተመባጺዑ።
ደገፍቱ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጀመሮ ናይ ለውጥን ራእይን ጉዕዞ፡ ብዓሌታዊ ግጭትን ምትፍናን ንድሕሪት ከይጉተት ንምቁጽጻሩን ንምህድኡን ማእሰርቲ ጀዋር ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጹ።
ደገፍቲ ጀዋር ግን፡ ዶ/ር ኣብዪ ነቲ ጃዋር ዘቕርቦ ኣማራጺ ሓሳብን ራእይን፡ ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራሊዝምን ርእሰ-ምሕደራን ክቕበል ድልየት ስለ ዘይብሉ እዩ ኣሲሩዎ ይብሉ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







