መንግስቲ ሰላምን ውሕስነትን ዜጋታት ክሕሉ ትካል ሰብኣዊ መሰል ጸዊዑ

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ፣ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጸሖምን ከምዝተጨወዩን ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ትማሊ 9 መስከረም 2013 ዓ/ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል፡ 'ጉባ፣ ዲባጢ፣ ቡለንን ወንበራን' ኣብ ዝበሃሉ ወረዳታት፡ ንነበርቲ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ከምዝተፈጸሙ ሓበሬታ ረኺበ ዝበለ ኢሰመጉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብቀስቲ፣ በላሕቲ ነገራትን ብረትን ዝተሓገዘ ዘስካሕክሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈጸሙ ገሊጹ።
ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ መንነቶም ከምዘይፍለጥ ብምሕባር፡ ብዙሓት ሰባት መንበሪ ገዝኦም ገዲፎም ከምዝሃደሙ 'ውን ጸብጻብ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ የመልክት።
እቲ ከባቢ፡ ቅድሚ ሎሚ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከምዝኾነ ዝገልጽ እቲ ጽብጻብ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ይኹን ፌደራል፡ ሓልሓሊፉ ካብ ዝወስድዎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ወጻኢ፡ ነቲ ጸገም ብዘላቒ ንምፍታሕ ከምዘይሰርሑ ጠቒሱ።
ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ሓላፍነቶም ዘይተዋጽኡ ኣመራርሓ ስጉምቲ ስለዘይተወሰደ፡ እቲ ጸገማት ተመሊሱ ከጋጥም ምኽንያተ ኮይኑ እዩ ኢሉ።
ስለዚ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፣ ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎምን ግቡእ ሞራላውን ገንዘባውን ካሕሳ ክረኽቡን እቲ ጉባኤ ሓቲቱ።
ብተመሳሳሊ፡ ሓይሊታት ጸጥታ እቲ ክልልን ፌደራልን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱን "ዜጋታት ብህይወት ናይ ምንባር፣ ነጻነት ኣካላዊ ድሕነት፣ ሰላሙን ድሕነቱን ተሓልዩ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ምንባር ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ብምሉእነት ከረጋግጽሉን" ጸዊዑ።
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝተመዛበሉን ከምዝተሓበሮ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ እውን ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ፡ ብዝተልዓለ ጎንጺ፡ ሰባት ሞይቶም፣ ተጎዲኦምን ንብረት ዓንዩን እዩ።
ኣብ'ቲ ከባቢ ንብዙሕ ዓመታት ምስ ወሰን ተተሓሒዙ ብዝለዓሉ ጎንጺታት፡ ብዙሕ ሰብ ዝሞተ እንትኾን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ዝተልዓለ ጎንጺ ዛጊድ ከምዘይዘሓለ ተገሊጹ።
ነዚ ንምፍታሕ ድማ፡ መንግስቲ መሰረታውን ዘላቕን ፍታሕ ክናዲ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







