ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ እንታይ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ?

ካርታ ቤኒሻንጉል

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ኢትዮጵያ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰባት ከምዝተቐተሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ከምዘለዉን ንብረት ከምዝዓነወን እቶም ነበርቲ ወሲኾም ገሊጾም።

ኣይተ ሃይሉ ኣዲሱ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣባላት ስድርኦም ካብ ሞንጎ ዝተቐተልዎምን ዝቖሰልዎምን ሓደ'ዩ። ንሱ ኣብ 1 ጳጉሜን 2012 ኣ.ኢ አቡኡ ከምዝተቐተሉ ይዛረብ።

"ጥሪት እናኾኮበ ናብ ገዛ ይመጽእ ኣብ ዝነበረሉ ምሸት ሰዓት ሓደ ቀቲሎምዎ። ብሰንበት 1 ጳጉሜን ምስተወቐዐ ክሳብ ሎሚ ኣስከሬኑ ክንረክብ ኣይከኣልናን። ንኣካላት ጸጥታ እንተሓተትና'ውን 'ሓይሊ የብልናን' ይብሉና" ኢሉ።

ኣዲሱ፡ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት እንታይ ድልየት ከምዘለዎም ዘይፍለጥ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሰባት ካብ ምቕታል ብተወሳኺ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘቃጸሉን ንብረት ከምዝዘመቱን ገሊጹ።

ካልእ ንድሕነቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ድማ እቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ነበርቲ ኣብ ስግኣት ከምዝጸንሑ የዘኻኽር። በዚ ምኽንያት ድማ ንኣባላት ስድርኡ ናብ ካልእ ቦታ ልኢኹ ንሱ ገዛ ይሕሉ ክህሉ ምጽንሑ ገሊጹልና።

እንተኾነ ዝሰግእዎ ብዘይምትራፉ እቶም ዝተዓጠቑ ሓይልታት ብምምጻእ ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ብምጅማሮም፤ ናብ ጫካ ብምህዳም ህይወቱ ከትርፍ ከምዝኸኣለ ይዛረብ።

"እቶም ዕጡቓት ብጣዕሚ ብዙሓት'ዮም። ብስሩዕ ተወዲቦም'ዮም ዝንቀሳቐሱ። ቅድሚ እዚ ናይ ሕዚ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ጉባ'ውን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነይሩ። ካብኡ ንደሓር'ዩ ኣብ ከባቢና ዝቐጸለ። እቲ ዘሕዝን ድማ ክሳብ ሕዚ ኣስከሬናት ምልዓል ኣይተኽኣለን ዘሎ" ብምባል ፍሉይ ሓይሊ ክልል ቤኒሻንጉል ኣትዩ ነቲ ቦታ ከልቕቖም ከምዘይከኣሉ ገሊጹ።

"ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ'ዩ ስለዝበለ ኣስከሬናት ምልዓል ኣይተኽኣለን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ምክልኻል ኣትዩ'ሎ" ክብል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ነቶም መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ዘለዉ ዕጡቓት ብቑጽሪ ብዙሓት ከምዝኾኑ ነበርቲ ይዛረቡ። ቅድሚ ሕዚ'ውን ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተንቀሳቐሱ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ብምዝኽኻር ድማ ኣብ 2 ጻጉሜን 2012 ኣ.ኢ ኣብ ወረዳታት ቡለን ወንበራን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝተቐተሉ ሰባት ከምኡ'ውን ዝተጨወያ ደቂኣንስትዮን ምህላወን ሓቢሮም።

ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ግምታዊ ቁጽሪ ዛጊድ 50 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፤ ዝዓነወን ዝተዘመተን ንብረት ግን ክግምትዎ ኣይከኣሉን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ንምህዳእ ሰራዊት ምክልኻል ናብቲ ከባቢ ኣትዩ'ሎ።

ቢቢሲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ላዕለዎት መሪሕነትን ሓለፍቲ ጸጥታትን እቲ ክልል መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ክሰምር ኣይከኣለን።

ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ክልል ቤኒሻንጉል ሎመዓልቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ገለ ከባብታት ንዝተፈጠረ ጸገም ጸጥታ ንምርግጋእን ልዕልና ሕጊ ንምክባርን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌደራልን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኤፍ ቢ ሲ ንሓላፊ ቢሮ ህንጸት ሰላምን ጸጥታን ክልል ቤኒሻንጉል ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ መንግስቲ እቲ ክልል ንስድራ ህይወቶም ዝሰኣኑ ጽንዓት ተመንዩ'ሎ።

ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ዝተጋገየ ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ ቢሮ ህንጸት ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል ኣይተ ኣበራ ባያታ፡ ነቲ ትኽክለኛ መረዳእታ ንምርካብ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።