ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ሞይቶም

ካርታ

ምንጪ ስእሊ, Google map

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፡ ወረዳ ዳንቡር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣሰማሀኝ ኣስረስ ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ: እቲ ኣብ መንጎ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ዝሰርሑ ክልተ ሰባት፡ ሚያዝያ 17/2011 ዓ.ም ዝተላዕለ ጎንጺ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ፌደራል ንምምርግጋእ እንትፍትን ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ሓደ ተወላዲ ጉሙዝ ብምሟቱ እቲ ጎንጺ ተጋዲዱ።

''ኣብቲ ከባቢ ሓደ ተወላዲ ጉሙዝ እንተተቐቲሉ፡ ሕብሪ ቆርበቶም ብርህ ኣብ ዝበሉ ሰባት ሕነ ናይ ምፍዳይ ሕማቕ ልምዲ ኣሎ'' ዝብሉ እቶም ሓላፊ፡ በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ቅትለትን ዘረፋ ንብረትን ከምዝተኻየደ ገሊጾም።

እቶም 17 ሰባት ብኸመይ ከምዝተቐተሉ ዝተሓተቱ ኣይተ ኣሰማሀኝ፡ ኣብቲ ከባቢ ሰብ ብኲናትን ጥይትን ናይ ምቕታል ልምዲ ከምዘሎን፡ እንተኾነ እቶም ሰባት ብምንታይ ከምዝተቐተሉ ዝገልጽ ዝርዝር መረዳእታ ከምዘይብሎም ሓቢሮም።

እቲ ጎንጺ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ 11 ተወለድቲ ኣምሓራን ሽዱሽተ ተወለድቲ እቲ ኸባቢ ከም ዝሞቱን ኣይተ ኣሰማሀኝ ይገልጹ።

ርጉጽ ቁጽሪ እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ንግዚኡ ከምዘይብሎም ዝዛረቡ እቶም ሓላፊ፡ ኮይኑ ግና እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝተፈጸመ ብምዃኑ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ትማሊ ለይቲ ድማ ኣብ ወረዳ ፓዌ፡ 25 ኣባይቲ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ከምዝተቓጸሉን፤ ብሰንኪ ዝተበታተነ ኣነባብራ እቲ ከባቢ፡ ፖሊስ ንምርግጋእ መዓልታት ክወስደሉ ከምዝኽእል ኣይተ ኣሰማሀኝ ይዛረቡ።

ብተወሳኺ በዚ ፍጻሜ ስግኣት ዝሓደሮም ሰባት ካብ መረበቶም ከይመዛበሉ፡ ካብ ክልቲኡ ክልላት ዝተዋጽአ ጉጅለ፡ ናብቲ ከባቢ ከምዝተንቀሳቐሰ እቶም ሓላፊ ሓቢሮም። ንሓለፍቲ ክልል ቤንሻንጉል ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ግን ኣይሰመረን።