ፖሊስ ኣብ ፌስቲቫል ብሽክለታ ኤርትራዉያን ዘጋጠመ ጎንጺ ኮኒኑ

ምንጪ ስእሊ, Ashley Stocks
ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ቅድድም ብሽክለታ ንዘጓነፈ ጎንጺ ፖሊስ ኮኒኑ። ኣብቲ ጎንጺ ትሸዓተ ሰባት ክቆስሉ ከለዉ፡ ሸሞንተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ሰላሳ ዝኾኑ ኣብ ኣፍ ደገ ኮይኖም ዝቃወሙ ዝነበሩ ኤርትራዉያን ናብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ስታድዮም ጠኒኖም ብምእታዉ፡ ጠራሙስን ካልእ ነገራትን ከም ዝደርበዩ ክግለጽ ከሎ፤ በቲ ናዕቢ ዝተሰናበዱ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቑ ኣካየድቲ እቲ ፈስቲቫል ሓቢሮም።
እቶም ተቓወምቲ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ድሞጾም ከስምዑ ዝተኣከቡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Ashley Stocks
ኣብ 1964 ኣብ ቶክዮ፡ ኣብ 1960 ድማ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ኦሎምፒክ ዉድድራት ዝተሳተፉ ገዳይም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝተረኽብሉ፡ ፈስቲቫል ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሓያሎ ሰባት ተረኺቦም ነይሮም።
"እዚ ምስ ፖለቲካ ምንም ዘተሓሕዞ የብሉን። እዚ ንዓወት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ንምጽምባል እተገብረ ኢዩ" ይብል ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ እቲ ፈስቲቫል ዝኾነ ጎይትኦም ስዩም።
"ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ንምዃን ዝበቕዑን ኣብ ኦሎምፒክ ዝተሳተፉን ተቐዳደምቲ ኣብ ሞንጎና ነይሮም፡ ፈለማ ሰላማዊ ተቓዉሞ ኢዩ ነየሩ፤ ጸኒሑ ግን ጠራሙስ፡ መግብን ናይ ቢራ ታኒካታትን ክድርብዩ ጀሚሮም"
"ክንሕጎስ ኢልና ኢና መጺና፡ ግን ሓዚንና ንኸይድ ኣሎና፤ ዘሕንኽ ኢዩ፡ ብተግባር እዞም ፈራሓት፡ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኢዮም"
ኣብቲ ስፍራ ጸረ ናዕቢ ፖሊስ ድሕሪ ምዉፋሮም ብረብሻ እተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
እቶም ዝበዝሑ ኣብቲ ጽምብል ዝነበሩ ሰባት ንጹሃትን ምንም ኣብ ዘይፈልጥዎ፡ ግዳይ ከም ዝኸኑን ዋና መርማሪ ኣንዲይ ይሕብር።
"እዚ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን፡ ነቶም ዝበደሉ ናብ ሕጊ ክነቕርቦም ዝከኣለና ክንገብር ኢና"
ምርመራታት ፖሊስ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎን ሕጂ ዝኾነ ርእይቶ ክወሃብ ከም ዘይከኣል ኣፈኛ ኩርዞን ኣሽቶን ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







