ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም

ሰንደቕ ዓላማ ክልል ቤንሻንጉል

ምንጪ ስእሊ, Wikipedia

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከቡዎም ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ኣሻዲል ሓሰን ንቢቢሲ ገሊጹ።

እዚ ብሰንበት ወጋሕታ 11፡00 [5፡00] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ዝበለ እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ 16 ሰባት ከም ዝቖሰሉን 66 ኣባይቲ ተቓጺሎም ከም ዝዓነውን ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ ተወለድቲ ጉሙዝ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ኮይኑ፡ ሕጂ'ውን ቑጽሩ ንምግላጽ ከቢድ'ዩ ዝበሎ መጥቃዕቲ በጺሑ'ዩ።

እዚም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ሓይልታት፡ "ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጽኡ'ዮም" ዝበለ ኣቶ ኣሻዲል፡ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ዝወዓለ ኣጽዋር'ኳ እንተሃለወ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት'ዮም ዝብል መረዳእታ ግን የብልናን ኢሉ።

ኣብቲ ከባቢ ስግኣት ምህላው ብምግላጽ፡ እዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክልልን ፌደራልን ይሰርሑ ከም ዘለው ይገልጹ።

በዚ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ፖዊ ሕክምና ይረኽቡ ከም ዘለው ድማ ካብ ኣቶ ኣሻዲል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።