ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ልዕሊ 72 ሽሕ ሰባት ተፈናቒሎም

ካርታ

ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ 16 መስከረም 2011 ዓ.ም፡ ሰብመዚ ዞባ ካማሼ ምስ ሰብመዚ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝነበሮም ኣኼባ ወዲኦም እንትምለሱ ካብ ዕጡቓት ብዝተኸፈተ ተኩሲ፡ ኣመሓደርቲ ወረዳን ሰብመዚ ፀጥታን ዝርከብዎም 4 ሰባት ተቐቲሎም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ክልላት ቤንሻንጉልን ኦሮሚያን ኣብ ዝዳበዉሎም ቦታታት ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ሰባት ከምዝሞቱ፡ ብዙሓት ከምዝተፈናቐሉን ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤንሻንጉል ኣይተ ኣበራ ባይታ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብፍላይ 'በሎይ ጅጋንፎይ' ኣብ ዝበሃል ወረዳ፡ 75 ኣባይቲ ተቓፂሎም እዮም።

"ኣብ ተንካራ 105 ኣባይቲ ተቓፂሎም ህይወት ሰለስተ ሰባት ድማ ሓሊፉ" ኢሎም ኣይተ ኣበራ።

ኣብ ካልኦት ቦታታት እውን ሰባት ከምዝሞቱን ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ገሊፆም።

እቶም ኣማሓዳሪ፡ ናብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመዛበሉን ሰጊኦም ናብ ዱር ዝሃደሙ 'ውን ኣለዉ ኢሎም፡ ብዝሒ ናይዞም ሰባት ዝምልከት ግን እኹል መረዳእታ የብለይን ኢሎም።

ሓላፊ ፀጥታ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፡ ኣይተ ታከለ ቶሎሳ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ድማ፡ ብዝሒ በዚ ጎንፂ ዝሞቱ ሰባት 23 በፂሑ'ሎ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ 14 ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሕክምና እዮም ዘለዉ።

ብዝሒ ካብ ቤንሻንጉል ናብ ኦሮሚያ ዝተመዛበሉ ሰባት 72 ሽሕ ከምዝበፅሐ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ኣይተ ታከለ፡ 40 ሰባት ካብ ቤንሻንጉል፡ ካብ ኦሮሚያ ድማ 5 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝኣተዉ ገሊፆም።