ሰብ መዚ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሼ ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Google earth
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 4 ሰብ መዚ ዞባ ካማሼ ከምዝተቐተሉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ብምፅራሕ በዓል ሞያ ኮምዩኒኬሽን ኣይተ በፍቃዱ ኣዳነ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮምያን ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ኣመራርሓ፡ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያት ንምዝርራብ ኣብ ዝሓለፈ 15 መስከረም ኣብ ኣሶሳ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም።
ሓሙሽተ ሰብ መዚ ዞባ ካማሼ፡ ዝነበሮም ኣኼባ ዛዚሞም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ካማሼን ነዶን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብዝተኸፈተ ተኹሲ እቶም ኣርባዕተ ሰብመዚ ከምዝተቐተሉ ኣይተ በፍቃዱ ገሊፆም።
ኣይተ በፍቃዱ ብዛዕባ መንነት ጥቕዓት ዘብፅሑ ኣካላት፡ ''ፀረ ሰላም ሓይልታት'' ካብ ምባል ወፃኢ ዝበልዎ ነገር የለን።
ብተወሳኺ፡ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ እውን ከምዝቆሰሉ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፡ እቶም ብህይወት ዝደሓኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣበይ ከምዝርከቡ ከምዘይፍለጥ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እታ ክልል ኣይተ ሰይፈዲን ሃሮን ከምዝሓበሩ ገሊፆም።
ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምህዳእ ናብቲ ቦታ ከምዝኣተወ ድማ ተዛሪቦም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







