ኣስታት ክልተ ዓመት ዝገበረ መስርሕ ፍርዲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው እንታይ ይመስል?

ጀነራል ክንፈ ዳኘው

ምንጪ ስእሊ, FBC/Facebook

ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ኢንጅነሪንግን ሓጺነ መጺንን (ሜቴክ) ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብብልሽውና ተጠርጢሩ ብ13 ሕዳር 2018 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓለ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን፡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ 27 ሰራሕተኛታት ብገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ከኣ 63 ጥርጡራት እቲ ኮርፖሬሽንን ካልኦትን ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ገሊጹ ነይሩ።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ሚያዚያ 2018 ብወለንትኡ'ዩ ካብ መዝነቱ ለቒቑ።

እቲ ጥርጡር ብ15 ሕዳር 2018 ዓ.ም ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እንከሎ ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ቴሌኮምዩኒኬሺን ኢትዮጵያ ነበር (ኢትዮ ቴሌኮም) ሓው ጀኔራል ኢሳይያስ ዳኘውን'ውን ብሓበር ቀሪቡ እዩ።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ካብ ዝእሰር ኣስታት ክልተ ዓመት ገይሩ'ሎ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ምንታይ ይርከብ? ህልዊ ምዕባለታትከ እንታይ ይመስሉ? ዝብሉ ካብ ጠበቓታቱ ንሓዲኡ ኣዘራሪብና።

እቲ ጠበቓ፡ ንድሕነቱ ሽሙ ከይጥቀስ ስለዝሓተተ ሽሙ ኣይሰፈረን።

Presentational grey line

ቢቢሲ፡ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብብልሽውና ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝውዕል ኣስታት ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ዝብል ድማ ሕቶ ብዙሓት'ዩ'ሞ፤ ክሳብ ሕዚ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ እንታይ ይመስል?

ጠበቓ፤ ብልሽውና ከነጻሪ ኢሎም ንሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ተመላሊስና። ድሕሪኡ ስሩዕ ክሲ ተመስሪቱ ተባሂሉ ሽዱሽተ ክስታት ቀሪቡ። ዕድጊት ሆቴል፣ መርከብ፣ መኪና፣ ራዳር፣ ዕድጊ ትራክተርን ናይ ብርሕቐት ትምህርትን ዝበላ ኮይነን፡ እዚ ኹሉ ትኽክለኛ መስርሕ ከይሓለወ ብዘይጨረታ'ዩ ተፈጺሙ ዝብል እዩ።

ቤት ፍርዲ ኣብተን ሰለስተ ክስታት፡ መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ሰሚዑ፡ ተኸላኸል ዝብል ብይን ሂቡዎ ኣብ መስርሕ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ'ውን ብይን እንተዘይተዋህበ'ውን መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ተሰሚዖም'ዮም።

ኣብተን ዝተረፋ ክልተ መዛግብቲ ድማ ምስክር ዓቃቢ ሕጊ ኣይተሰምዐን። ንዝሓለፉ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ወርሒ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ኣይፈልጡን።

ሕዚ ድማ ቤት ፍርዲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ዝኽፈት።

ቢቢሲ፡ እቲ ምንውሑ ምኽኑይ ድዩ?

ጠበቓ፤ ብተደጋጋሚ መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ኣይቐረቡን ብዝብል ዝውሃቡ ቖጸራታት ነይሮም። ብሰንኩ ከኣ እቲ ቖጸራታት ተናዊሑ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግን ነቲ ጉዳይ ዝርኢ ዝነበረ መበል 15 መጋብኣያ ገበን [ብናይ ሕጊ ስሙ 3ይ ናይ ገበን መጋብኣያ] ብዙሕ መዛግብቲ ዘለዎ እዩ፤ ግን ድማ 4 ዳያኑ ጥራሕ'ዮም ዘለው።

እቲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ግን ንበይኑ ክረአ ዝነበሮ ጉዳይ እናሃለወ በዚ ብዙሕ መዛግብቲ ዘለዎ ቤት ፍርዲ'ዩ ዝርአ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ሓደ መጋብኣያ ቐጺሉ ኣብ ዝውሃብ ቖጸራ ናይ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ወርሒ ኣፈላላይ ስለ ዝህልዎ ክጓተት ጸኒሑ። ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ናይቲ መጋብኣያ እዩ ክብሃል ይከኣል።

ብይን ንምሃብ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ እንተወሲዱ ድማ ብቐጥታ ምስ ፍትሓውነት ስለ ዝተሓሓዝ ጉድለት ፍትሓውነት ነይሩዎ እዩ። ገለ ብቕልጡፍ ዝርኣዩ መዛግብቲ፣ ምስክር ተሰሚዑ ብይን ተዋሂቡ ዝተፈትሑ ሰባት ግን ርኢና ኢና።

ቢቢሲ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኣተሓሕዛን ነጻነትንከ እንታይ ይመስል?

ጠበቓ፤ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ኮነ፡ ካብ ማእከላዊ ክሳብ ናብ ቤት ህንጸት ዝወርድ፡ ብፍሉይ ንዕኡ ንምጥቃዕ ዝተገብረ ነገር ኣይርኣናን።

ቢቢሲ፡ ኣብ 2012 ዓ.ም ብዝተፈላለየ ገበናት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ክሱሳት ክሶም ከም ዝተቛረጸ ይፍለጥ። ክሲ ናይ ብተመሳሳሊ ገበናት ተኸሲሶም ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ክቋረጽ እንከሎ ስለምንታይ ናይ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዘይተቛረጸ ኢልኩም ሓቲትኩም'ዶ ትፈልጡ?

ጠበቓ፤ ብዝተወሰነ መልክዑ ጥርዓን ኣቕሪብና ኢና። ንኣብነት እቲ ናይ ራዳር ክሲ ዝምልከት፡ ራዳር ወተሃደራዊ ኣቕሓ ስለ ዝኾነ በቲ ናይታ ሃገር ናይ ዕደጋ መስርሕ ዝግዛእ ኣቕሓ ኣይኮነን።

ወተሃደራውን ናይ ድሕነትን ዝምልከቱ ኣቑሑ ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ብዝህብዎ ውሳነ ንበይኑ ዝግዝኣሉ ኣሰራርሓ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ። ስለዚ እዚ ኣቕሓ ጨረታ ኣውጺእኻ እትገዝኦ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ትኽክል ኣይኮነን ኢልና።

ግን ድማ፡ ምስ ጀነራል ዳኘው፡ በዚ ኣቕሓ'ዚ [ራዳር] ዝተኸሰሱ ካልኦት ክሱሳት ክሶም ተቛሪጹ እናሃለወ ስለ ምንታይ ናቱ ዘይቋረጽ ክንብል እንከለና መልሲ ዝህብ የለን። ኣብቲ ክሲ ካልኣይ ተኸሳሲ ዝነበረ ኮሎኔል ጸጋዬ ኣንሙት፣ ሳልሳይ ተኸሳሲ ኮሎኔል ሸጋው ሙሉጌታ ተስፋሁነይ ክሶም ተቛሪጹ'ዩ። ናይ ቀዳማይን ኣብ ቀይዲ ናይ ዘይኣተወ 4ይ ተኸሳሲ መሓመድ ጣሂር ኢብራሂም ግን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቲ ቦታ ብዙሓት'ዮም ዝቀያየሩ። ጉዳይ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ግን ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ እንተዘይወሲኖሞ ንሕና እንውስኖ ጉዳይ የለን። ክሲ ይቋረጽ ኣይቋረጽ'ውን ካብ ላዕሊ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ጀሚሩ ተወሲኑ ዝመጽእ እምበር ንሕና እንህቦ ፍታሕ የለን ዝብል ግልጺ ምላሽ ሂቦምና'ዮም።

Presentational grey line