ዶክተር ደብረፅዮን፡ 'እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ'ዩ' ክብሉ ገሊፆምዎ

ዶክተር ደብረፅዮን

ምንጪ ስእሊ, TMMA/FACEBOOK

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ በደላት ይፍፀም ከምዘሎ ብምግላፅ፡ ነቲ ተግባር ምፅዋር ከምዘይከኣል ተዛሪቦም።

"ክስታት ኣብ ጭብጥን መረዳእታን ክምስረት ኣለዎ፡ ወሰኽ ክህልዎ የብሉን" ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፡ ኣብ ስራሕ ዝፍጠር ጌጋታትን፡ ኮነ ኢልካ ዝፍፀም ገበናትን ምፍላይ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ምስ ምእሳር ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳነኘውን ካልኦትን፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝነበሩ ተጋሩ ካብ ሕጊ ብምህዳም "ኣብ መቐለ" ዓስኪሮም ኣለዉ ዝብል ክሲ ክቐርብ ጸኒሑ'ሎ።

ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ'ውን፡ መራሕቲ ህወሓት ሃብቲ ሃገር "ክዘምቱ" ዝጸንሑ ምዃኖም ዘስምዕ ጸብጻባት ከቃልሓ ይስምዓ። እዚ ድማ ንተጋሩ ብኣልማማ ዘጸልም ብ"ትምክሕተኛታት" ዝድፋኣሉ ዘሎ ምዃኑ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ህወሓትን ከይተረፉ ክነጽግዎ ዝጸንሑ ጠቐነታት'ዩ።

"ከይተጋገኻ ኣይሰራሕን'ዩ፡ ብፍላጥ ግፍዒ እንተፈፂምካን ንመንግስቲ እንተበዲልካን ግን የሕትት'ዩ። ስለዚ ነቲ ኣብ ስራሕ እተፈጸመ ጌጋ ብምምሕዳራዊ ስጉምቲ፡ እቲ ኮነ ኢልካ ዝፍፀም በደል ግን ብሕጊ ክዳነ ይግባእ" ኢሎም።

ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተፈረዶም ሰባት ብምሕረትን ይቕረታን ከም ዝተፈትሑ ብምዝኽኻር፡ ኣብቲ ሕዚ ዝፍፀም ዘሎ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ምውዓል መስርሕ ዘለዎም ስክፍታ ገሊፆም።

"በቲ ሓደ ብምሕረት እሱራት ፈቲሕና በዚ ድማ ጥፍኣተኛታት ኢልና ሰባት ንኣስር ኣለና። ኩሉ ነገር ግልፂ ይኹን ወይ ምሕረት ካብ መዓዝ ክሳብ መዓዝ ከምእተሰርሕ ብግዜ ይነፀር። ነንበይኑ ዝሰርሕ ምሕረት የለን 'ሌላን ጉሌላን' ክፍፀም የብሉን" ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ብፍላይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው፡ ብኣሽሓት ዝቖጸሩ ብ"ግብረ-ራዕዲ" ተኸሲሶም ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ዝተባህሉ እሱራት "ብምሕረት" ክልቀቑ ጸኒሖም'ዮም።

'ካብዚ ግዜ ክሳብ እዚ ግዜ' ብዝብል ተፈልዩ እንተተቐሚጡን፡ ኣብ ዝሓለፈ ንዝተፈፀመ ጌጋታት ብምሕረት ተፈቲሖም እንተኾይኖምን፡ ነቶም ናይ ሕዚ ዝእሰሩ ዘለዉ'ውን በቲ መስርሕ ምድናይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ገሊፆም።

"ካብኡ ተረፈ ግን እቶም ብይቕረታን ምሕረትን ዝተፈትሑ'ውን ተሚሶም ክእሰሩ ኣለዎም" ዝበሉ እቶም ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር፡ ኩሉ ነገር ብምስትውዓል ክፍፀም ከም ዘለዎ ኣብ ባይቶ ኢህወዴግ ተዘትይሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ትግራይ ንልዕልነት ሕጊ እናሰርሐት መንግስቲ ፌደራል ግን ነዚ ጥሒሱ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ "ተቐባልነት የብሉን" ኢሎም።

ኣብ ካልእ ክልላት ዝነብሩ ተጋሩ ዝበጽሖም መጥቃዕትታትን ዝሰዓበ ሞት፡ መቑሰልትን ምዕናው ንብረትን ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ቁጠዐን መረረን ኣኸቲሉ'ዩ።

ኣብ መንጎ ክልልላት ኣምሓራን ትግራይን ንነዊሕ ዝቐጸለ ናይ ወሰን ክርክር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግጭት ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሕጊ ንኹሉ!

"ኣብ ወሰናወሰን ክልላት ናይ ዝተፈናቐሉ፣ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ዜጋታት ብዝምልከት'ውን ተዘራሪብናሉ ኢና። ተሓታቲ ዝኸውን ኣካል ክፍለጥ ከም ዘለዎ ኢና ተረዳዲእና።" ኢሎም።

ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ታሕተዋይ ኣመራርሓ ንዝርከቡ ኣካላት ተሓተቲ ንምግባር ከም ዝተፈተነ ብምግላፅ፡ "ክሳብ ላዕሊ ዘሎ ኣመራርሓ ክፍተሽ ኣለዎ፡ ናይ ክልተ ክልላት ፖሊስ ከይተረፈ ክሳብ ውግእ በፂሖም እዮም።" ክብሉ ተዛሪቦም።

"መን'ዮም ኣዚዞም? ዝብል ክሕተት ኣለዎ፡ ናብ ወረዳን ጣብያን ኣይኮነን ዝግደፍ፤ መፅናዕቲ ክካየድ ኣለዎ፡ ናብቲ ዝካየድ ምርመራ ክካተትን ክፍተሽን ኣለዎ፤ ኩሉ ክፍተሽ ይግባእ" ድማ ኢሎም ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ሕቶ ቅማንት ከም ኣብነት ብምልዓል፡ "ናይ ካልኦት 'ውን ኣሎ ብሰነድ ተደጊፉ ላዕለዋይ ኣመራርሓ'ውን ክሕተት ከምዘለዎ ተዘትዩሉ እዩ" ክብሉ ኣዘኻኺሮም

"ሕጊ ክኽበር እንተኾይኑ ንኹሉ ክኸውን ኣለዎ፡ ፈፈሊኻ ክኸውን የብሉን፡ ብዝደለይዎ ይጀምርዎ ግን ኣብ ኩሉ ምፍታሽ የድሊ" ኢሎም።

"በደል ክንሽከም ኣይንኽእልን..."

"ኣብ ትግራይ ሕቡእ ቤት ማስርቲ ኣሎ'ውን ተባሂሉ'ዩ፡ እዚ ግን ንኽፍተሽን ክፃረይን ድልውነትና ገሊፀ እየ፡ እንተልዩ ይመርመር ዝቕፃዕ ይቕፃዕ" ብምባል፡ እዚ ግን ዘየለ መረዳእታ ፈጢርካ ሰብ ንምድንጋፅ ዝተፈጠረ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ዕደጋ ዝጠፍአ ሃፍቲ እንተሃልዩ ብምፅራይ ጥራሕ ከም ዝፍለጥ ብምሕባር፡ "ኣየናይ'ዩ ጠፊኡ? ክንደይከ ኣብ መዓልኡ ውዒሉ? ዝብል ብንፁር ክፍለጥ ኣለዎ። ነቲ ሓቂ ክንሰምዕ ኣለና። ሕዚ ግን እቲ ፖለቲካ ካብ ሕጊ ስለዝቐደመ 'ተበሊዑ ተወሪሩ' ይበሃል" ኢሎም።

"ናብ ካልእ ምንፅፃርን ምትእስሳርን'ውን ተበፂሑ'ሎ። እዚኦም ድማ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ተቐባልነት ዘይብሎም እዮም። ካብዚ ተበጊስካ ዝግበር መደምደምታ ዝገርም እዩ፡ ትኽክል ኣይኮነን። ትግራይ ንምድሃልን ንምድስካልን ዝግበር'ዩ" ክብሉ ሓቢሮም።

ሕጋዊ ሽፋን ብምሓዝ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ርእሱ ንኸድንን ይስራሕ ከም ዘሎ ብምግላፅ፡ እቲ ጉዳይ ካብ ሓደ ሰብ ሓሊፋ ናብ ውድብን ህዝቢን ይኸይድ ምህላዉ ኣብቲ መግለፂ ተዛሪቦም። ኣብዚ ጉዳይ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቦም።

"ፖለቲካ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ይቕድም ኣሎ። ከምዚ ዝበለ በደል ድማ ኣይንስከምን፤ ሕልፊ በደል ኢና ክንብሎ። ድልየትና ኩሉ ነገር መስመርን ስርዓትን ከምዝሕዝ ምግባር'ዩ። ንኹሉ ዝጠቅም ንሱ እዩ" ብምባል ገሊፆም።

ተቐባልነት ዘይብሎም ኣካይዳታት ይበዝሑ ከም ዘለዉ፤ ዝብፃሕ ዘሎ መደምደምታታት ትግራይ ንምድስካል ከም ዝኾነ፡ ካብቲ ናይ ብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጀንዳ ስሒቱ ናብ ፒለቲካ ምዝምባሉ'ውን ሓቢሮም።

"ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወፍሪ ተጀሚሩ'ሎ'፤ ብዝተፈላለየ መገዲ እዚ ህዝቢ ቅሳነት ከይረክብ እናተሰርሐ እዩ" ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፡ ሸቐጣት ከይኣቱ ዝተገበረሉ ኩነታት፣ መገዲታት ምዕፃውን ሕቶ መንነት ከም ዘሎ ምምሳልን ከም ኣብነት ኣልዒሎም።

"ሕጋዊ ሕቶ እንተሃለወ'ኳ፡ እታ ፖለቲካ ዓዚዛ ስለዘላ ግን ካልእ በደል ክንሽከም ኣይንኽእልን፤ ዝረአ ጌጋታት ኣሎ ክእረምን ደው ክብልን ኣለዎ" ኢሎም።