ኢትዮጵያ፡ ኣቶ እስክንድር ነጋ ብጥሕሰት ኣዋጅ ገበን ሽበራ ተኸሲሱ

ኣቦመንበር ፓርቲ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ኣቶ እስክንድር ነጋ

ምንጪ ስእሊ, YONAS TADESSE

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቦመንበር ፓርቲ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ኣቶ እስክንድር ነጋ ኣብ ዝርከቦም ሸውዓተ ሰባት ዘቕረቦም ክሲታት ሓይሊ ብምጥቃም መንግስቲ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተገበረ ፈተነ ዝጥቀሱ እዮም።

ኣቶ እስክንድር ሎሚ ንጉሆ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር ከምዘይነበሮ ዝገለጸ ጠበቕኡ ኣቶ ሄኖክ ኣክሊሉ፤ ኣካል ናጻ ምውጻእ ብዝብል ብዝኸፈትዎ መዝገብ ክሲ ንሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ቆጸራ ስለዝነበሮም ይከታተል ምንባሩ ኣረዲኡ።

"ዓሚለይ ብዘይጠበቓ'ዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ" ዝበለ ኣቶ ሄኖክ፤ ጸኒሑ ብመሰረት ዝረኸቦ መረዳእታ ኣቶ እስክንድር ቤት ፍርዲ ቀሪቡ መዝገብ ክሲ ከምዝተወሃቦ ከምዝፈለጠ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ኣቶ እስክንድርን ካልኦት ሰባትን ክልተ ክስታት ዝቐረበ ኮይኑ፤ "እቲ ሓደ ክሲ ኣብ ስሩዕ ሕጊ ገበን መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ስልጣን መንግስቲ ንምቁጽጻር ኣጽዋር ብምጥቃም ናዕቢ ምልዓል ዝብል'ዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ኣቶ እስክንድር ምስ ካልኦት ክልተ ውልቀሰባት ብኣዋጅ ግበር ራዕዲ ዝተኸሰስሉ'ዩ። እዚ ድማ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምስጓም ብምስምማዕን ህዝቢ ክዕምጽ ብምግባርን ራዕዲ ብምፍጣርን ስልጣን መንግስቲ ምቁጽጻር ዝብል ክሲ'ዩ ቐሪቡሉ ዘሎ" ኢሉ እቲ ጠበቓ።

ኣብቲ መዝገብ ክሲ ካብ ዝተኸሰሱ ሸውዓተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ባልደራስ ከምዝኾኑ ካብ መብርሂ ጠበቓ ስዩም ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ኣብ ልዕሊ ኣቶ እስክንድር ነጋ ክልቲኡ ክሲ ከም ዝቐረበ ዝገልጽ ጠበቕኡ ኣቶ ሄኖክ ኣክሊሉ፡ ካብ እስክንድር ነጋ ወጻኢ ዘለው ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሰልፊ ግና ሓደ ጥራሕ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ኣቶ እስክንድር ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣካል ናጻ ናይ ምውጻእ ክሲ ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ ሎሚ መዓልቲ ግን ቤት ፍርዲ ብሓድሽ ክሲ ደው ከምዘበሎ'ዩ ኣብሪሁ።

"ንሕና ናብ ፖሊስ ኣቕሪብናዮ ዝነበርና ኣካል ናጻ ናይ ምውጻእ ክሲ፡ ዓቃቢ ሕጊ ናይ 15 መዓልታት ቐፈራ ተዋሂቡዎ ኣብቲ ዝተዋህቦ ግዜ ክሲ ክምስርት ስለዘይክኣለ 'ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ የብሎምን' ብዝብል ኢና ኣቕሪብናዮ ነይርና። በዚ መሰረት ናይ መወዳእታ ውሳነ ንምሃብ ቤት ፍርዲ ንሎሚ መዓልቲ ቖጸራ ሂቡ ነይሩ። ሕጂ ግን ሓድሽ ክሲ ስለ ዝመጽአ ብመሰረት ቤት ፍርዲ ዝህቦ ትእዛዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጽንሐሉ ዕድል ኣሎ ማለት'ዩ" ኢሉ።

ስለዚ 'ብዋሕስ ክፍታሕ ይግባእ'ዶ ኣይግባእን?' ዝብል ዝውሰን በቲ ሕዚ ተዘኸሲስሉ ዘሎ ጉዳይ'ዩ። ኣቶ እስክንድር ንድሕሪ ሰሙን - ዕለተ ሓሙስ - 8 መስከረም 2013 ኣ.ኢ ቆጸራ ተዋሂብዎ'ሎ።