ስግኣት ከም ዘለዎ ዝዛረብ እስክንድር ነጋ ሓለዋ ክግበረሉ ከም ዘይደልይ ገሊጹ

እስክንድር ነጋ

ምንጪ ስእሊ, YONAS TADESSE

ጋዜጠኛን ኣካቢ ቤት-ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ዝኾነ እስክንድር ነጋ፡ ትማሊ ብመናእሰይ ተኸቢቡ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ትማሊ ቀዳም ምሽት ሰዓት 1፡00 ኣ.ኢ [07፡00 ኣ.ኣ] ኣኼባ ወዲስና ካብ ቤት ጽሕፈትና ክንወጽእ ከለና መናእሰይ ከቢቦምና" ኢሉ።

ብቑጽሪ መናእሰይ ዝኾኑ 10 መናእሰይ ንዕኡን ንኻልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ባልደራስ [ባይቶ በዓል ሓደራ ኣዲስ ኣበባ] ከም ዝኸበብዎም ገሊጹ።

"ሓሊፍናዮም ክንኸይድ ምስፈተንና ብመልክዕ ከበባ ኣርኪቦምና። ምንቅስቓሶም ዘስግእ ብምንባሩ ከኣ ናብ ድሕሪት ተመሊስና ፖሊስ ንኽሓቶም ገይርና። ሓደ ጥራሕ'ዩ ብፖሊስ ተታሒዙ" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣረዲኡ።

ካልኦቶም ብሚኒባስ ተሳፊሮም ከም ዝሃደሙ ብምሕባር፡ እቲ ዝተትሓዘ ግን ናብ መደበር ፖሊስ ምስተወሰደ፡ ኣባል ፖሊስን ምኽትል ሳጂንን ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ።

"ኣብቲ ከባቢ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን 'ተመሃራይ እየ' ዝብል መልሲ ሂቡ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ፖሊስ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ሽዑ ንሕና ቃልና ሂብና ከይድና፤ ንሱ ግን ኣብኡ ክጸንሕ ተገይሩ" ኢሉ እስክንድር ነጋ።

እቶም መናእሰይ ዝኾነ ዘልዓልዎ ሕቶን ዝተዛረብዎ ነገርን ከም ዘይነበረ ዝዛረብ እስክንድር፡ "ከምዚ ዝበለ ነገር ቅድሚ ሕዚ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። ብዙሓት ስለዝኾኑ ሓደጋ ከብጽሑ ቀሊል'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "ምቹእ ቦታ ይመርጹ ስለዝነበሩ'ምበር፡ ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ድልየት ነይሮም" ክብል ሓቢሩ።

ሓለዋ ንእስክንድር . . .?

"ብተደጋጋሚ ናይ ቅትለት ምፍርራሕ ይበጽሓኒ'ዩ" ዝብል እስክንድር፡ ብመንግስቲ ሓለዋ ክግበረሉ ከም ዝደሊይ ይዛረብ።

"እቲ ሕዚ ካብ መንግስቲ ዝደልዮ ጉዳይ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝተትሓዘ ሰብ ጥቡቕን ሳይንሳውን ዝኾነ ምጽራይ ክካየድ ጥራይ'ዩ" ክብል ሓቢሩ።

እቶም ሰባት ምድላው ብምግባርን መጽናዕቲ ብምክያድን ከምዝመጽኡ እስክንድር እምነቱ ገሊጹ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ክሰምረሉ ኣይከኣለን።