ቤት ምኽሪ 'ባላደራ' ንውሳነ ባይቶ ኢትዮጵያ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኡ

እስክንድር ነጋ

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ 24 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ መረጻ ቤት ምኽሪ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ንክናዋሕ ወሲኑ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ንህዝባዊ ኣገልግሎታት ተባሂሉ ካብ መሬቶም ንዝለዓሉ ውልቀሰባት ዝኽፈል ካሕሳ ንምውሳን ዘኽእል ኣዋጅ እውን ኣጽዲቑ እዩ።

ኣባል ቤት ምኽሪ 'ባለኣደራ' ዝኾነ እስክንድር ነጋ ንቢቢሲ ከምዝተዛረቦ፡ ምንዋሕ ኣብያተ ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ኣብታ ሃገር ኮነ ኣብ ነበርቲ ናይተን ከተማታት ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር መሬት ድማ "ሕቶ ፍትሓውነት ኣለና" ዝበለ እስክንድር፡ ክሳብ እቲ መጻኢ መረጻ ዝግበር፡ ነገራት ኣብቲ ዘለውዎ ክጸንሑ ከምዝሓይሽ ተዛሪቡ።

"ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ረብሓ ህዝቢ እታ ከተማ ብዝሕልው መገዲ ኣይኮኑን ዝንቀሳቐስ ዘለዉ" ድሕሪ ምባል፡ ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን ብሓባር ኮይኖም 'ዘይሻራዊ ምምሕዳር ሞያውያን' ክቐውም ጸዊዑ።

ኣብቲ ሓድሽ 'ዘይሻራዊ ምምሕዳር' እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ምኽሪ 'ባለአደራ' ከምዘይሳተፍ እኳ እንተገለጸ፤ ኣባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ውልቀሰባት ክሳተፉ ድላዮም እንተደኣኾይኑ ግን ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ኣረዲኡ።

ንሳኻ ክትሳተፍ ድልየት ኣለካ ዶ? ንዝብል ሕቶ፡ ንሱ ድልየት ከምዘይብሉ ብምግላጽ መሊሱ።

እስክንድር "እቲ ምክትል ከንቲባ ኮነ እቲ ብኢህወዴግ ዝተመልአ ቤት ምኽሪ፡ ፍሉይ ረብሓ ኦሮሚያ ከፈጽም እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ" ክብል ከሲሱ።