ኣባላት ‘ቤትምኽሪ ባለኣደራ’ ምስቲ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ ብዝተተሓሓዘ ብሽበራ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም

እስክንድር ነጋ መግለጺ እናሃበ
መግለጺ ስእሊ, እስክንድር ነጋ

ፖሊስ ፌደራልን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር፡ ሽዱሽተ ጥርጡራት ብምሓዝ ሓደ መዝገብ ከፊቱ፡ ናብ መጋብኣያ ኣቕሪቦም።

በሪሁን አዳነ፣ መርከቡ ኃይሌ፣ ስንታየሁ ቸኮል፣ ጌዴዮን ወንድወሰን፣ ማስተዋል አረጋን ሓየሎም ብርሃነን ዝበሃሉ'ዮም እቶም ጥርጡራት።

እዞም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ውልቀሰባት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጺሙ ኣብ ዝተብሃለ "ዕልዋ መንግስቲ" ኢድ ኣለዎም፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ ተሳትፎ ከምዝነበሮም ጠርጢረዮም እየ ኢሉ ፖሊስ።

"ኣብ ናይ ሽበራ ተግባር ተሳቲፎም'ዮም። ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ፈቲኖም'ዮም" ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበሎም ናይቶም ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ጠበቓ ዝኾነ ኣቶ ሄኖክ ኣክሊሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ መርከብ ኃይሌን ኣቶ ስንታየሁ ቸኮልን ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪ ኮይኖም፡ ኣቶ ጌዴዮን ወንድወሰን ድማ ኣባል'ዩ።

ኣቶ በሪሁን አዳነ ጋዜጠኛ፣ አቶ ማስተዋል አረጋ ድማ መምህር ኮሌጅ ከም ዝኾኑ ዝገለጸ ኣቶ ሄኖክ፤ ኣቶ ሓየሎም ብርሃነ ብዛዕባ ዝተብሃለ ጥርጡር ግን ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።

እቲ ጠበቓ ከም ዝበሎ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ሽበራ ንዕለት 28 ቖጸሮ ተዋሂቡዎም። እቶም ጡርጡራት ፈጺመምዎ ንዝተብሃለ ነገር ዘመላኽት ብዝርዝር ዝቐረበ ነገር ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ "ብዕልዋ መንግስቲ" ጠርጢረዮም'የ ዝብል ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቶም ተኸሰስቲ በዚ ጉዳይ ዝጥርጠሩሉ ምኽንያት የለን ክብል ነቲ ቤት ፍርዲ ከም ዘረድአ ገሊጹ።

ክሲ ከም ዘይተመስረተ ዘልዓለ ኣቶ ሄኖክ፡ መረዳእታ ከጥፍኡ ስለ ዝኽእሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሖም እቲ ምርመራ ክቕጽል ፖሊስ ብዝሓተቶ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ክትዕ ክልቲኡ ወገን ሰሚዑ፡ ፖሊስ ገይሮሞ ዝበሎ ብዝርዝር ከቕርብ፣ ናይ ምርመራ መዝገብ ሒዙ ብዘይምቕራቡ ድማ፡ መዝገብ ክቐርብ ብዝብል ን 17 ሓምለ ናይ ቆጸሮ ትእዛዝ ከም ዝሃበ ኣረዲኡ።

"እቶም ጡርጡራት፡ ናብ ባህርዳር ከይዶም ነይሮም'ዶ?' ንዝብል ሕቶ ርግጸኛ'ኳ እንተዘይኾነ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣቶ ስንታየሁ ናብ ባህርዳር ከይዱ ከም ዝነበረን፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰንበት ከካይዶ ዝሓሰቦ ህዝባዊ ኣኼባ ከም ዝነበረን ግን ኣቶ ሄኖክ ሓቢሩ።

"ፖሊስ፡ ብስልኪ እናተዘራረቡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝዛመድ ነገር ይፍጽሙ ነይሮም ዝብል ጉዳይ ኣልዒሉ'ዩ። ኩሎም ናብ ባህርዳር ከይዶም'ዮም ዘይኮነ ዝብል ዘሎ፡ ዝኸዱን ዘይከዱን ተሳተፍቲ'ዮም'ዩ" ኢሉ ጠበቓ ሄኖክ።

ሻድሻይ ጥርጡር፡ ኣብ ስነስርዓት ምፍናው ሬሳ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን፡ "ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዘለውሉ መጥቃዕቲ ንምብጻሕ ብረት ሒዙ ተረኺቡ'ዩ" ብዝብል ዝተትሓዘ ኾይኑ፡ እዚ ውልቀሰብ ስርሑ ሓለዋ [ዘብዒ] ስለ ዝኾነ፡ ብረት ከም ዝሓዘ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ'ዩ ኢሉ ኣቶ ሄኖክ።