"ኢህወዴግ ናይ በተኹ እንተዘይኮይኑ ተበቲኹ'ዩ"

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንካልኣይ ግዘ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዙሓት ርእሰ ጉዳያት ዘልዓለ ክኸውን እንከሎ ብፍላይ ኣብ ምኽባር ልዕልና ሕጊ፣ ሕድሳት ቤተ መንግስቲ፣ ጥንካረ ማእኸላይ መንግስትን ሓድነትን ኢህወዴግን ብዝምልከት ምላሽ ሂብሎም'ዩ።

ቢቢሲ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺ ኣድሂቡ ምስ ንጡፍ ማሕበራዊ ሚድያ ሃፍቶም በርሀ፣ ስራሕ መካየዲ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣሉላ ሰለሙንን ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ወግዒ ገይሩ'ሎ።

'ኢህወዴግ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ይቕጽል ኣሎ' ኣብ ዝብል ሓሳብ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሽፍንፍን ዝበለን ወድዓውነት ዝጎደሎን ከምዝኾነ ሃፍቶም በርሀ ይገልጽ።

"ካሊእ ተሪፉስ መራሕቲ ኣባል እቲ ግንባር ዝኾነ ናይ ቀደም ብኣዴን ናይ ሎሚ አዲፒ ብመራሕቲ ህወሓት፡ ኵናት ከምዝተኣወጀሎም ይገልጽሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን 'ሓደ ኢና' ምባል ማይ ዝቛጽር ኣይኮነን" ክብል ሓሳቡ የጠናኽር።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተቐማጠይ ዝኾነን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ፖለቲካዊ ትንታነ ብምሃብ ዝፍለጥ ኣሉላ ሰለሙን ብወገኑ፡ "ኢህወዴግ ናይ ይበተኹ ተዘይኮይኑ 'ምበር ተበቲኹ'ዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዴሞክርስያዊ ተጠርናፍነት ንኻልኦት ኣፍ መትሓዚ ከምዝተጠቐመላ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ኣብ ሕሉፍ ሓደ ዓመት ጻንሒቱ ጽኑዕ መንግስቲ ከምዝሃነጸ ከምስል ምፍታኑ ዝገለጸ ኣሉላ ሰለሙን፡ ኣብ ማእኸል ሃገር ዘለዎ ተቐባልናት እናተሸርሸረ ምምጽኡ ዘጨነቖ እዩ ዝመስል ይብል።

ማእኸላይ መንግስቲ ጥንኩር እዩ ዘሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ዝምንጩ ክልላዊ መንግስታት ሰላመን ከውሕሳ ብዘይምኽኣለን ዝብል መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ ባይታ ዘየሎን እኳ'ድኣስ መንግስቲ ፈዴራል ኣብ ክልላት ኢዱ እናእተወ ነገራት ከምዘጋደዶ ሃፍቶም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣሉላ ሰለሙንን ሃፍቶም በርሀን

ምንጪ ስእሊ, ኣሉላ ሰለሙንን ሃፍቶም በርሀን

መግለጺ ስእሊ, ኣሉላ ሰለሙንን ሃፍቶም በርሀን

ብሓፈሻ ማሕበረሳባዊ ደጋፍየይ እዩ ዝብልዎ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ምጥባር ዘድሃበ መግለጺ ከምዝኾነ ዝገለጸ ኣሉላ ሰለሙን ምስ ሓርፋፍ ርክባት ትግራይን ኣምሓራን ተዛሚዱ ዝሃቦ " እቲ ኵናት ኣብ መንጎ መጥቃዓይን ህዝቢ ኢትዮጵያን እምበር ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ኣይኮነን" ዝብልዎ ዘረባ ኣፍኣውን ግብሪ ዘይብሉን እዩ ክብል ገሊጹ።

ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፉ ሓይልታት ተኣኪቦም "ትግራይ ክንጭብጣ ኢና" እናበሉ እንትጭርሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን መንግስቶምን ኣበይ ነይሮም ክብል ይሓትት፡ ኣሉላ ሰለሙን።

"ኣብ ክልል ኣምሓራ ትግራይ ንምጥቃዕ እዚ ኹላይ ፈኸራን ጃህራን እንትግበር ነዚ ደው ንምባል መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ እዚ ዝበሃል ስራሕ ኣይወገነን" ክብል ድማ ሓሳቡ የጠናኽር።

እኳ'ድኣስ ይብል ኣሉላ ሰለሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ "ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ዝሓርፈፈ ርክብ ናይ ምግዳድን ከስቢ ክትረክብ ምድላይን እምበር ነገራት ናይ ምህዳእ ስራሕቲ ይውግን የሎን" ዝብል ርድኢት ከምዘለዎ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።

ኣብ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ጉዳይ ዋንነት ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ቅሩብ ጥንክር ዝበለ ርእይቶ ከምዝሃበ ንጡፍ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ሃፍቶም በርሀ ይዛረብ። "ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጣየሸ ኮሚቴ 'ባለ ኣደራ' ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ከይዲ ምድላው ዘሎ'ዩ ዝመስል" ይብል።

አዲስ ኣበባ ናይ ኩሉ ከምዝኾነት ዝገለጸሉን ክልል ኦሮምያ ካብ ኣዲስ ኣበባ እትረኽቦ ፍሉይ ጥቕሚ ከምዘለዋን ንሕገ መንግስቲ ኣጣቒሱ ዝሃቦ ሓሳብ ግን ግብኡን ዘሰማምዕን ከምዝኾነ ሃፍቶም ሓቢሩ።

ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ብወገኑ ዝሰማመዐሎምን ዘየሰማመዐሎምን ነገራት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣፈላላያትና ብዘተ ክንፈትሕ ኢና ምባሉ ዝነኣድ ነገር ምዃኑ ይዛረብ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይሕጋዊ ምሃብ ታሴራ ኣይነበረን" ዝበሎ ሓሳብ ግን ግጉይን ዘይሰማመዐሉን ምዃኑ፡ ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ኣገድሰቲ መረዳእታት ከምዘቕርብ ሓቢሩ።