/GettyImages-940922136_d22sa.png)
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ኣብዚ ዕለት ብዛዕባ ሓድነትን ለዉጥን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጢ 100 መዓልታት ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዓረብን ብምዝዉዋር ብርክት ዝበሉ ዉሳነታት ግብራዊ ክኾኑ ገይሩ'ዩ። ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላማ እዋን ናብ ከተማ ኣስመራ ብምኻድ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዝፈጠሮ ስምዒትን ተስፋ ሰላም ምጽራሕ ይከኣል።