ቅልውላው ሱዳን፡ ፖርት ሱዳን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ብዝደልዩ ሰባት ኣዕለቕሊቓ

እቶም ብመርከብ ናብ ጅዳ ዝሰገሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, እቶም ብመርከብ ናብ ጅዳ ዝሰገሩ

ወደባዊት ከተማ ፖርትሱዳን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ብዝደልዩ ሰባት ኣዕለቕሊቓ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ለይስ ዶውቸት’ውን ብወደብ ፖርትሱዳን ብባሕሪ ናብ ጅዳ ሰጊራ፤ እዚ ጽሑፍ ብኣኣ ዘተዳለወ’ዩ።

ኤችኤምኤስ ኣል ዲርያ ዝተብሃለት መርከብ ስዑድያ ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም’ያ ናብ ገማግም ሱዳን ተጸጊዓ፡ ኣባላት እዛ መርከብ መርከቦም ከይትሽከሎም ብብርቱዕ ብርሃን ናይታ መርከብ እናተሓገዙ’ዮም ብዝተኸኣለ መጠን እታ መርከብ ክሳብ ትኽእሎ ናብ ደንደስ ኣቕሪቦማ።

ዕላማ እታ መርከብ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተኸሰተ ቅልውላው ኣብ ፖርት ሱዳን ንዝተኣከቡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ንምውጻእ’ዩ።

ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ’ዩ ዘሎ፡ ካልኦት ክልተ መራኽብ’ውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ጥቓ ወደብ ፖርትሱዳን መልሕቐን ደርብየን ይርኣያ።

ሓሰን ፋዝ ኣብ ሱዳን ዝነብር ዝነበረ ፓኪስታናዊ ኮይኑ፡ “ኣብዛ መርከብ ደይበ ካብዚ ቅልውላው ክወጽእ ምኽኣለይ እፎይ ኢለ ኣለኹ፡ እንተኾነ ኣካል ናይዚ ታሪኽ ብምዃነይ ከኣ ይሓዝን” ይብል።

ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ሰዓታት ጉዕዞ ባሕሪ ናብ ወደብ ጂዳ በጺሕና።

ፋራዝ “ሰብ ንብዙሕ ዓመታት ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ክዛረብ’ዩ” ብምባል፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተኸሰተ ነገር ክሳብ ክንደይ ኣሻቓሊ ከምዝኾነ ይሕብር።

ካልእ ኣብታ መርከብ ምሳና ዝተጉዓዘ ፖኪስታናዊ ብወገኑ “ብዙሕ ነገር ኢና ርኢና፡ ብዙሕ ጠያይትን ቦምባታታን ኣብ ጥቓና ዓሊቡ” ብምባል እቲ ፍርሒ ክሳብ ሕጂ ከምዘይወጽኣሉ ይሕብር።

እቲ ኣብ ሞንጎ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን (ሕሜቲ) ዝነበረ ወጥሪ 15 ሚያዝያ’ዩ ናብ ውግእ ዓሪጉ።

ብሪጣንያዊ ሱዳናዊ መሳርሕተይ ሞሃናድ ሓሺም “ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብተዛማዲ፡ ፖርት ሱዳን ድሓን’ያ ዘላ” ድሕሪ ምባል “እቲ ኵናት 15 ሚያዝያ ምስ ተወለዐ ኣብዚ’ውን ምልውዋጥ ናይ ቶኵሲ ነይሩ እዩ፡ ሕጂ ግን ብተዛማዲ ኣብዚ ድሓን ስለዘሎ ፖርትሱዳን ካብ ካርቱምን ካብ ካልእ ከባቢታትን ብዝመጽኡ ሰባት ኣዕለቕሊቓ’ያ ዘላ”ይብል።

ካብ ሱዳን ብወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ክወጽኡ ዝጽበዩ ዘለዉ ሰባት፡ ሆቴላት ናይታ ከተማ ስለዝመለአ ኣብ ጽርግያ’ዮም ዝድቕሱ ዘለዉ።

ብዙሓት ዘይክንወጽእ ንኽእል ኢና ዝብል ፍርሒ ኣለዎም፡ ብፍላይ ከኣ የመናውያን፡ ሶርያውያንን ሱዳናውያንን።

ኣስታት 3,000 ዝኾኑ ኣብ ሱዳን ክምሃሩ ዝጸንሑ የመናውያን ካብ ሱዳን ንኽወጽኡ ናብ ፖርት ሱዳን ምስ መጽኡ ሰሙናት ኣብ ትጽቢት የሕሊፎሞ ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም ተማሃሮ “ስዑዳውያን ገለ የመናውያን የውጽኡ ኣለዉ፤ ብዙሓት ስለዝኾንና ግን ክቕበሉና ኣይክኣሉን” ኢሉ።

ራሻ ምስ ኣርባዕተ ደቃ

ምንጪ ስእሊ, NAOMI SCHERBEL-BALL/BBC

መግለጺ ስእሊ, ራሻ ምስ ኣርባዕተ ደቃ

ዝኾነ ብመርከብ ናይ ስዑድያ ናብ ጅዳ ዝኣተወ ሰብ ንሓጺር መዓልታት ሆቴል ይውሃቦ’ዩ እንተኾነ እቲ ወጻኢታት ብሃገሩ ዝሽፈን ምዃኑ ተነጊርዎ’ዩ ዝኣቱ።

ሞሃድ ሓሺም፡ ናብ ጅዳ ኣብ ዝኣተናሉ ዝፈልጦ ሱዳናዊ እንተረኸበ ኮለል ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ ግዜ፡ ድሕሪ ናይ 18 ሰዓታት ጉዕዞ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ክልተ ደቁ ናብ ጅዳ ዝብጽሐ ወዲ ሓወብኡ ረኺቡ።

ናይ ካልእ ዜግነት ዘለዎም ሱዳናውያን ብፖርቱሱዳን ኣቢሎም’ዮም ብብዝሒ ዝወጽኡ ዘለዉ።

ራሻ ዝተብሃለት ሱዳናዊት፡ ሓንቲ ቆልዓ ሓቊፋ እተን ካልኦት ሰለስተ ደቃ ከኣ ብወተሃደራት ስዑድያ ንዝተውሃብን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእክን ዕምባባ ሒዘን ኣብ ወደብ ጅዳ ዝረኸብናየን እየን።

ራሻ “በጃኹም ነቶም ኣብ ሱዳን ገዲፍናዮም መጺእና ዘለና ኣዝማድና ሓግዝዎም፡ በጃኹም ንዓለም ሱዳን ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ክትወጽእ ክትሕግዛ ንገሩልና” ብምባል ተላብያትና።

ራሻ እቲ ኵናት ክውላዕ እንከሎ ምስ ስድራኣ ኣብ ካርቱም እያ ነይራ።

ድሕሪ ክንደይ ትጽቢትን ጉዕዞን እያ ሓሙሻይ ርእሳ ናብ ጅዳ ኣትያ።

ገለ ካበቶም ካብ ፖርትሱዳን ናብ ጅዳ ዝኣተዉ

ምንጪ ስእሊ, AFO VIA GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካበቶም ካብ ፖርትሱዳን ናብ ጅዳ ዝኣተዉ

ጓል 8 ዓመት ሊን ዝተብሃልት ጓላ ንራሻ፡ ናይ ኣሜሪካ ላህጃ ብዘለዎ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ዕጡቓት ናብ ገዝኦም ምስ ኣተዉ እንታይ ከምዝገበሩ ነጊራትና “ዓሰርቴና ብድሕሪ ገዛና ኣብ ዝነበረ ኣረጊት ክፍሊ ተሓቢእና፡ ፍርሒ ነይሩኒ’ዩ ድምጺ ከውጽእ ከምዘይብለይ ስለዝተረድኣኒ ግን ኣይበኸኩን” ትብል።

ሊን ብምስዓብ “እቶም ወተሃደራት ኣዝዮም ግናያት’ዮም “ብምባል፡ ኣቡኣ እቶም ወተሃደራት ሰራዊት ናይ ሕሜቴ ምዃኖም ከምዝነገራ ገሊጻ።

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ኪኖ እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ፍልልይ፡ ካልኦት ጸለውቲ ሃገራት ብመንገዶም ገይረን ረብሐአንን ጽልወአንን ከዛይዳ ይፍትና ስለዘለዋ ነቲ ፍልልዮም የግፍሖ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ’ዩ።

ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ንሕሜቲ’የን ክድግፋ ጸኒሐን፡ ሕሜቲ’ውን እዘን ሃገራት ኣንጻር ሑቲ የመን ኣብ ዘካይድኦ ዝነበራ ኵናት ወተሃደራቱ ብምልኣኽ ኣብ ጎነን ኮይኑ ተዋጊኡ’ዩ።

እተን ሃገራት ከኣ ጅቡኡ ኣብ ምኽዕባት ክሰርሓ ጸኒሐን’የን።

እንተኾነ ስዑድያ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝያዳ ናብ ጀነራል ኣል ቡርሃን ብምቕራብ መርገጺኣ ዝቐየረት ትመስል።

እታ ብጆግራፍያዊ ኣቐማምጣን ብዘለዋ ዕቑር ሃብቲ ማዕድንን ዓይኒ እትስሕብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ እስራኤልን ሩስያን’ውን ነናተን ጽልዋ ኣለወን። ጉጅለ ዋግነር ናይ ሩስያ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሱዳን ናይ ግዛእ ርእሱ ጽልዋ ኣለዎ።

ገለ ካብቶም ናብ ጅዳ ዝግዓዙ

ምንጪ ስእሊ, NAOMI SCHERBEL-BALL/BBC

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ናብ ጅዳ ዝግዓዙ

ኣብዚ ሕጂ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ከም ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝኣመሰለ ሃገራት ከይተረፋ ዘለወን ሻቕሎት ብምግላጽ ብሓደ ድምጺ እዚ ኵናት ዘብቕዓሉ መንገዲ የናድያ ኣለዋ።

ስዑድያ ክሳብ ሕጂ ካብ ወደብ ፖርት ሱዳን ልዕሊ 5,000 ዜጋታት ልዕሊ 100 ሃገራት ኣውጺኣ ኣላ።

ስዑድያ ብቀዳም ጥራይ ብሓደ ግዜ ኣስታት 2,000 ሰባት ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ጅዳ ኣስጊራ።

ካብዞም ብቀዳም ናብ ጅዳ ዝኣተዉ ብዙሓት ኢራናውያን ይርከብዎም።

ኢራንን ስዑድያን ንነዊሕ ዓመታት ዝነበረን ምትፍናን ብምእላይ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብምጅማር ኢማባሲታት ከፊተን ኣለዋ።

ጓል 32 ዓመት ኢራናዊት መሃንድስ ናዚል ምስ ብዓል ቤታ ነዊሕ ዓመታት እዮም ኣብ ሱዳን ተቐሚጦም፡ ኵናት ምስ ተጀመረ ግን ናብ ፖርቱ ሱዳን ብምምጻእ ናብ ጅዳ ክሰግሩ ክኢሎም፡ ትማሊ ሰንበት ናብ ጅዳ ኣብ ዝኣተዉሉ “ዕድለኛታት ኢና፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ስዑድያን ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ምሉእ ክኸውን ከኣ ንትስፎ” ኢላ።