ቅልውላው ሱዳን፡ እቲ ኵነታት ክወስዶ ዝኽእል ሰለስተ ኣንፈታት

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሱዳን፡ ተዅስን ውግእን ደው ስለዝበለ፡ ሓያሎ ሰባት መወዳእታ ናይቲ ግጭት ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሎም ተስፋ ይገብሩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ግጭት ዘብቅዕ እንተዀይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንቲ ወይ ኣዋርሕ ዝፍጠር ምዕባለታት ከግህዶ’ዩ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ኵነታት ክፈልጡ ንዝኽእሉ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ሱዳን ከዘራርቦም ጸኒሑ ኣሎ።
1. ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ዓወት
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት እቲ ግጥም ነናይ ገዛእ ርእሶም ብልጫታት ስለዘለዎም፡ ብቐሊሉ ቅልጡፍ ዓወት ዝርከብ ኣይመስልን።
እቲ ንሓድሕዱ ዝጋጠም ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ ነብሲ ወከፉ ከምዝተዓወተ እዩ ዝገልጽ።
• እቲ ሰራዊት ብወተሃደራዊ መራሒ ፕረዚደንት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን እዩ ዝምራሕ።
• እቲ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ከኣ ሕሜቲ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ምክትል ፕረዚደንት እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ነበር ዝምራሕ እዩ።
እቶም ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝወጹ ሰባት ከምዝመስከርዎ፡ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብታ ከተማ ቅሩብ ጸብለልታ ዝሓዘ ይመስል።
እዚ ተንቀሳቓስን ደባይ ተዋጋእን ሓይሊ እዚ፡ ካብቲ መነሓንሕቱ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን ዝያዳ ክተዓጻጸፍ ይኽእል እዩ። እቲ ብልጫ ከኣ ኣብ ጐደናታት ካርቱም ዝግበር ውግእ ሓለፋ ፈጢሩሉ ኣሎ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ መደበኛ ሰራዊት ብወገኑ ከም ታንክታት፡ መዳፍዕ ወይ ጸብለልታ ሓይሊ ኣየርን ኣለዎ።
ዲፕሎማሰኛታትን ወጻእተኛታትን ካብ ካርቱም ምውጽኦም እቲ ኵናት መሊሱ ከይባራዕ ዘስግእ እዩ።
"ኣር.ኤስ.ኤፍ. ኣብ መንበሪ ኣባይቲ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ተዘሪኡ ከምዘሎ ኣባል ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ኣላን ቦስወል ሓቢሩ።
"እቲ ሰራዊት ንገዛእ ከተማኡ ከጥፍእ ዝተዓጥቀ እዩ ዝመስል” ሓደ ሰብ ( እቲ ሰራዊት ንካርቱም ከጥፍኣ ኣይደልን’ዩ) ኢሉ ክግምት ይኽእል እዩ።
ይዅን’ምበር ነቶም ተዋጋእቲ እቲ ውግእ ናይ ህላወ ሕቶ እዩ።
ነጻ ተንታኒ ሱዳን ጆናስ ሆርን፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኲናት ንምቕጻል ናይ ግዳም ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ይብል።
ዋላ’ኳ እታ ሰሜናዊት ጐረቤት ግብጺ ብወግዒ ዘይሻራዊ መርገጺ ከምዝወሰደት እንተፍለጠት፡ እቲ ሰራዊት [ሱዳን]፡ ካብ ግብጺ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ’ዩ ዝግመት።
ሓይልታት ሕሜቲ - ኣር ኤስ ኤፍ ብወገኑ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናይ ሩሲያ ሓይሊ ዋግነር፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዞባዊ ሚሊሻታትን ኣብ ጐድኑ እዮም ዘለው።
2. ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ግጭት
ዋላ’ኳ ንህዝቢ ሱዳን ዘርብሕ እንተዘይኰነ እዚ ግጭት ክቕጽለሉ ዝኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ።
ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ቢቢሲ መሓመድ ሓሺም፡ " [እቲ ግጭት] ናብ ዝተናውሐ ውግእ ሓድሕድ ክምዕብለሉ ዝኽእል ኵሉ ባእታታት ከምዘሎ ዝተረጋገጸ እዩ" ኢሉ።
"ካብቶም እስላማዊ ስነሓሳብ ዘለዎም፡ እሙናት ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ነበርን ውድብ ሃገራዊ ኮንግረስን ብዙሕ ጐስጓስ ተኻይዱ እዩ" ይብል።
ፕረዝደንት ነበር ዑመር በሽር ኣብ 2019 ኣብ ጐደናታት ብዝተገብረ ህዝባዊ ተቓውሞ ብደገፍ ሰራዊት እዩ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ። ኣብቲ ን30 ዓመት ዝገዝኣሉ እዋን ከኣ ብዙሓት ናይ ዓሌታት ዕጡቓት ሚሊሻታት ተቐልቂሎም እዮም።
"ኣልበሽር ኣብ መንጐ እዞም ዝተፈላለዩ ብሄራት ምክፍፋል ንምፍጣር ብትግሃት ሰሪሑ እዩ። ካብኡ ከኣ ምልሻታት ፈጢሩ" ይብል ሆርነር።
"ኣብቲ [ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ] ዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ባዶነት፡ ሚሊሻታት ነናይ ገዛእ ርእሶም ድሕነት ክሕልው ተሰሊፎም"
እቶም ሚሊሻታት ነናብ ጸግዖም እንተዘንቢሎም ከኣ እዚ ግጭት’ዚ ናብ ዝኸፈአ ሓደገኛ ውግእ ክገፍሕን፡ ናብቲ ዝነበሮ ክውንነት ንምምላሱ ከጸግምን’ዩ" ኢሉ ይኣምን ሆርነር።
እዚ ዓሌታዊ ውደባታት ንብዙሓት ተዓዘብቲ ኣሻቒሉዎም ኣሎ። ክልቲኦም ጀነራላት’ውን ነንረብሓኦም ክጥቀምሉ ጽዒሮም እዮም።
ሓሺም፡ "እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሕሜቲን ኣልቡርሃንን ዓሌት ጠቀስ ጐስጓስ ከካይዱ ርኢና ኢና" ኢሉ።
ናይ ቻታም ሃውስ ቲንክ ታንክ ኣሕመድ ሱለይማን፡ "ኣር ኤስ ኤፍ፡ ኣብታ ሃገር ተገሊልና ንዝብሉ ወገናት ብምዕጣቕ፡ ከም ጠርናፍን ኣሳታፍን ኣቦ ሓድነት ሃገር ንምምሳል ጽዒሩ እዩ”ይብል።
እዚ ድማ "ኣር ኤስ ኤፍ፡ ሰባት ንምዕጣቕን ሎጂስቲክ ንምርካብን ናብ ዳርፉር ብምኻድ፡ ነታ ሃገር ክመቓቕላ ይኽእል እዩ።
3. ስምምዕ ሰላም
ዲፕሎማሰኛታት ነቶም ክልተ ጀነራላት፡ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንምንዋሕ ከሰማምዑዎም ይፍትኑ'ኳ እንተሃለዉ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ግን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝርርብ ሰላም ክጅመር ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓስብ ዘሎ ኣይመስልን።
ንህዝቢ ሱዳን’ከ እንታይ እዩ ቅቡል ክኸውን ዝኽእል ዝብል ሕቶ እውን ኣሎ።
ሓሺም ኣብ እዋን ሰውራ 2019፡ ኣብ ካርቱም እዩ ነይሩ። እቶም ክልተ ጀነራላት'ውን ኣብ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም፡ ስልጣን ናብ ሰላማውያን ሰባት ከይሰጋገር ክሕንግዱ ከምዝጸንሑ ርእዩ እዩ።
"[እቶም ጀነራላት] ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ’ኳ፡ ዓመትን መንፈቕን ጸኒሖም እዮም፣ ነታ ሃገር ከመሓድርዋ ግን ኣይከኣሉን” ብምባል፡
“እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ምንታይ ዓይነት ስምምዕ እንተበጺሖም እዮም ንሱዳናውያን ከዕግቦም ዝኽእል?” ኢሉ ተመሊሱ ይሓትት።
ኵሉ ሰብ፡ ግዳማዊ ጸቕጢ እንተበርቲዑ ጥራይ እዮም እዞም ጀነራላት ክሰማምምዑ ዝኽእሉ ኢሉ ይግምት።
ቦስወል፡ "ብዘይ ኣድማዒ ተራን ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸቕጢ፡ ከም ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት፡ ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ዞባውያን መሻርኽቲ ሃገራትን ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ግጭት ንነዊሕ እዋን እንተቐጺሉ፡ ኣብ ካርቱም ብዙሕ ትሕተ ቅርጺታት ክዓኑ ይኽእል’ዩ። እቲ ጸገም ነንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ብዙሕ ነናይ ገዛእ ርእሱ ተጻራሪ ድሌታት ስለዘሎ እቲ ጉዳይ ቀሊል ኣይኰነን።
ሆርነር፡ “እተን ዞባዊ ሓይልታት ሓደ ወገን ጸብለል ኢሉ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ድሌት ኣለወን። እዚ ንስቪላዊ ማሕበረሰብ ሕማቕ ዜና እዩ” ኢሉ።
ይዅን’ምበር፡ ከምቲ ጐረቤት ሃገር ደቡብ ሱዳን ዝኣመመቶ፡ ዝርርብ ሰላም ቀልጢፉ እንተ ዘይተጀሚሩን እቲ ግጭት እንተቐጺሉን፡ ዳሕራይ ኣዕጋቢ ውሳነ ንምርካብ ኣጸጋሚ ከይከውን ዓብይ ስግኣት ኣሎ።
"ሕጂ እውን ንዘተ ሰላም ዝኸውን መስኮት ኣሎ። እቲ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ግን፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ናይ ምቅርራብ ድልየት ዘይምህላው እዩ።
እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዘተኰረ ዕዮ፡ ብዋጋ ህዝቢ ሱዳን ኣብቲ ክልቲኦም ጀነራላት ዝደልይዎ ነገር ዘተኩር እዩ።" ይብል፡ ሱለይማን ካብ ቻታም ሃውስ።
እቲ ጸገም፡ ክልቲኦም ሰባት ዝደልይዎ ነገር፡ ስልጣኖም’ምበር ምስ ድሌት ሱዳናውያን ዝተሓሓዝ ዘይምዃኑ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ ስልጣን፡ ሃብትን ሓይልን ንምቍጽጻር ዝግበር ውግእ’ዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።
ድሌታት ናይዞም ክልተ ሰባት ከቢድ ዋጋ እዩ ዝሓትት። እቲ ዝኸፍሎ ከኣ ህዝቢ ሱዳን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







