ቅልውላው ሱዳን፡ ብኸቢድ ተፋጢጦም ዘለው ጀነራላት ቡርሃንን ሕሜቲን

ሓያል ሓይልታት ሰራዊት ዝመርሑ ዘለው፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ጸጋማይ) ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን (የማናይ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓያል ሓይልታት ሰራዊት ዝመርሑ ዘለው፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ጸጋማይ) ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን (የማናይ)

ደድሕሪ ከቢድ ነትጒ ንሰማይ ዝቝለል መሪርን ጸሊምን ትኪ፡ ካብን ናብን ዝቀባበል ሮኬትን ጠያይትን፡ ድምጽን ተዅስን ነፈርቲ፡ ኣብ ነበርቲ ከቢድ ፍርሕን ስግኣትን ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱምን ኣብ ሓያሎ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ዝጸንሐ ህይወት ሃንደበት ናብ ዝኸፍአ ኵነታት ተቐይሩ’ሎ። ቀንዲ ዋናታት ‘ቲ ግጭት ክልተ ጀነራላት እዮም። ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን መራሒ ሰራዊት ሱዳን፡ ከምኡ እውን ሕሜቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ሓላፊ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ፓራኮማንዶን እዮም።

ኣቐዲሞም ክልቲኦም ሰብኪዳን ብምዃን ተሓባቢሮም ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሞም። ሕጂ ግን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ውድድር ስልጣን መን ጨበጠ ንህዝባዊ ልኡላውነት ሱዳን ይዘርጐ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጐኦም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝምድና ንድሕሪት መሊሱዎ።

ክልቲኦም ጀነራላት፡ ኣብቲ ብ2003፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን - ዳርፉር ኣንጻር ዕጡቓት እተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ኣገዳሲ ተራ ነይርዎም።

ጀነራል ቡርሃን ኣብ ዳርፉር ንሰራዊት ሱዳን ተቘጻጺርዎ።

ሕሜቲ ኣዛዚ ናይ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ሚሊሻታት ዓረብ’ዩ ነይሩ። መንግስቲ ከኣ ነቲ ሓይሊ ነቶም ኣዕራብ ዘይኰኑ ደቂ ዳርፉር ንምጭፍላቕ ይጥቀመሉ ነይሩ።

ግጭት ዳርፉር፡ ደማዊ ግጭት

ሚሊሻታት ጃንጃዊድ፡ ኣብ ዳርፉር ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ይኽሰሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚሊሻታት ጃንጃዊድ፡ ኣብ ዳርፉር ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ይኽሰሱ

ማጃክ ዲጐት ኣብ 2011 ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተፈልየትሉ እዋን፡ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ቅድሚ ምዃኑ ምክትል ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት’ዩ ነይሩ።

ኣብ ዳርፉር ከኣ ምስ ቡርሃንን ሕሜቲን ተራኺቦም ብሓባር ከም ዝዓዩ እዩ ዝንገር። ይዅን እምበር፡ ሓደኦም ናብ ዝለዓለ ስልጣን ከምዝድይብ ምልክት ከም ዝረኣየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሓጺሩ፡ ሕሜቲ "ንሰራዊት መንግስቲ ዝደጋገፍ መራሒ ምሊሻ’ዩ ነይሩ፡” ጀነራል ቡርሃን ግን ሞያዊ ወተሃደር እዩ። "ጥሙሕ ንዘለዎ ግን ዘይከኣል የለን።"

ሱዳን ድሕሪ ናጽነታ፡ ዝበዝሕ እዋን ብሰራዊት እያ ተመሪሓ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስልቲ፡ ኣብ ሽምግልና ዳርፉር እተዋሰአ፡ ተንታኒ ፖለቲካዊ ኵነታት ሱዳን ኣሌክስ ደ ዋል፡ "ብውሕድ ወጻኢ ንዕጡቓት ምውጋእ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ። ሽዑ እቲ መንግስቲ፡ ንድሕነት ሲቪል ውሑድ ግምት ብምሃብ ብምዱብ ሰራዊት ዞባዊ ምሊሻን ሓይሊ ኣየርን ኣጥቂዑዎም።

ዳርፉር፡ ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን፡ እታ ናይ መጀመርታ ጃምላዊ ቅትለትን ምጽናት ዓሌትን እተኻየደላ ቦታ እያ ተባሂላ እያ ትግለጽ። እቲ ጃንጃዊድ ዝተባህለ ዕጡቕ ሓይሊ ምሊሻ ጾታዊ ግህሰትን ዓመጽን ከም መሳርሒ ኲናት ከምእተጠቕመ እዩ ዝኽሰስ።

ኣብ መወዳእታ ሕሜቲ ኣዛዚ ናይቲ ዳሕራይ ህጹጽ ወሃብ ደገፍ ፍሉይ ሓይልታት ፓራኮማንዶን ተባሂሉ ዝተጸወዐ ዕጡቕ ሓይሊ ኰይኑ።

ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኣብ የመን ዝዋጋእ ዝነበረ ጥሙር ሓይሊ፡ ሰራዊት ከቕርብ ምስ ጀመረ ከኣ ሓይሉን ስልጣኑን ክዓቢ ጀሚሩ።

ኣብቲ እዋን ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ንሕሜቲን ሰራዊቱን ብምድጋፍ ከም ዋልታ ስልጣኑን ስርዓቱን ክርእዮ ጀሚሩ። ንሕሜቲን ሰራዊቱን ብምሓዙ ዝዀነ ይዅን ዕጡቕ ወገን ካብ ስልጣን ክኣልዮ ከምዘይክእል ልዑል ተስፋ ነይርዎ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣብ ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ እዞም ሕጂ ንሕድሕዶም ዝዋግኡ ዘለው ክልተ ጀነራላት፡ ቡርሃንን ሕሜቲን ንበሽር ንምዕላው ተሰማሚዖም።ኣብታ ዓመት እቲኣ ከኣ፡ ኣብቲ ብሲቪል ዝምራሕ ልዑላዊ ቤት ምኽሪ፡ ጀነራል ቡርሃን ኣቦ መንበር፡ ሕሜቲ ከኣ ምክትል ኣቦ መንበር ናይቲ ወተሃደራዊ ኣካል ኰይኖም ምስ ተቓወምቲ ስምምዕ ፈሪሞም።

ይዅን እምበር ኣብ ጥቅምቲ 2021 ጀነራል ቡርሃን ከም ኣቦ መንበር፡ ሕሜቲ ከኣ ከም ምክትል ብምዃን ኣንጻር እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ዕልዋ ፈጺሞም።

ሲቪል ኣባል ናይቲ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝነበረ፡ ሰዲግ ታወር ካፊ፡ ንኽልቲኦም ጀነራላት ብቐጻሊ ይረኽቦም ነይሩ። ክሳብ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ከኣ፡ ኣብ መንጐኦም ዝዀነ ይዅን ዘይምስምማዕ ከም ዘይረኣየ ሓቢሩ።

“ዳሕራይ ግን ጀነራል ቡርሃን አስላማዊ ኣረኣእያ ንዘለዎም ኣኽዋን ሙስሊምን ነቶም ናይ በሺር ሰበስልጣን ነበርን ናብቲ ናይ ቀደም ቦታኦም ክመልሶም ጀሚሩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ጀነራል ቡርሃን ነቲ ናይ ቀደም ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ናብ ስልጣን ናይ ምምላስ ውጥን ከምዘለዎ ንጹር እናዀነ መጺኡ።"

ሚስተር ሰዲግ፡ እቲ ምልክታት ንጀነራል ሕሜቲ ስግኣት ስለዝፈጠረሉ ክጠራጠር ከምዝጀመረ ይሕብር።

ፖለቲካ ሱዳን፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ከባቢ ካርቱምን ፈለግ ኒልን ካብ ዝርከባ ቀቢላታት ብዝመጽኡ ምሁራት እዩ ዝጽሎ።

ደድሕሪ ከቢድ ነትጒ ንሰማይ ዝቝለል መሪርን ጸሊምን ትኪ፡ ካብን ናብን ዝቀባበል ሮኬትን ጠያይትን፡ ድምጽን ተዅስን ነፈርቲ፡ ኣብ ነበርቲ ከቢድ ፍርሕን ስግኣትን ፈጢሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደድሕሪ ከቢድ ነትጒ ንሰማይ ዝቝለል መሪርን ጸሊምን ትኪ፡ ካብን ናብን ዝቀባበል ሮኬትን ጠያይትን፡ ድምጽን ተዅስን ነፈርቲ፡ ኣብ ነበርቲ ከቢድ ፍርሕን ስግኣትን ፈጢሩ ኣሎ

ሕሜቲ ወዲ ዳርፉር ብምዃኑ፡ እቶም ሱዳናውያን ልሂቃን፡ “ሃገር ብርእሲ ኣልቦ” ክትምራሕ የብላን ብምባል ብዛዕባኡን ብዛዕባ ወተሃደራቱን ብዙሕ ግዜ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት፡ ጀነራል ሕሜቲ፡ "ከም ወኪል ዝተገለሉ ሕብረተሰብን፡ ነቶም ቀደም ከጥፍኦም ወተሃደራዊ ዕማም ዝተዋህቦ፡ ኣብ ፈቐዶ ዳርፉርን ደቡብ ኮርዶፋንን ምስ ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት ዕርቅን ሽርክነትን ክፈጥር ዝኽእል ሃገራዊ ሰብ ኰይኑ ክርአ ጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ሓይልታቱ ንሲቪላዊ ተቓውሞታት ብጭካነ’ኳ እንተጨፍለቝ፡ ንሱ ግን ደሞክራሲ ከም ዘድሊ ኣዘውቲሩ ይዛረብ ነይሩ።

ሲቪላዊ መንግስቲ ናይ ምቛም ግዜ ገደብ እናቐረበ ምስ መጽአ ከኣ፡ እቲ ብቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊትን፡ ብሕሜቲ ዝምራሕ ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ፓራኮማንዶን ብኸመይ ኣገባብ ክወሃሃዱ ኣለዎም ኣብ ዝብል ጉዳይ እዩ እቲ ወጥሪ ሰፊኑ።

ድሕሪኡ እቲ ግጭት ተጀሚሩ። ክልቲኦም ጀነራላት ስልጣን ንምቍጽጻር ኣብ ውግእ ኣትዮም።

እቲ ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ተደጋጊፉ ዝሰርሕ ዝነበረ ጀነራል ሕሜቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ዕደና ወርቂ ኰነ ኣብ ካልእ ሓያሎ ጽላታት ቍጠባ ተገዳስነት ኣሕዲሩ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።

ጀነራል ቡርሃንን ሕሜቲን ክልቲኦም፡ ካብ ሲቪል መራሕቲን ካብ ግዳያት ናይቲ ኣብ ዳርፉርን ኣብ ካልእ ቦታታትን እተፈጸመ ግጭትን፡ ብዝፈጸምዎ ገበናት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝጠልብ ጻውዒት ክገጥሞም ጸኒሑ ኣሎ።

እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ እዮም እዞም ኣቐዲሞም ኣብ ሰራዊት ብሓባር ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ሕጂ ናብ ቀንድን ዘይዕረቝን ጸላእቲ ተቐይሮም ዘለው።