ሰራዊት ሱዳን ፖለቲካዊ ጸግዒ ከይወስድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣተሓሳሲቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ (ጸጋም) ምስ ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝዀነ ጸግዒ ከይወሰደ "እወታዊ ተራ" ክጻወት ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣተሓሳሲቡ ክብል መግስታዊ ተለቪዢን ኤርትራ ጸብጺቡ።

"ፕረዚደነት ኢሳይያስ፡ ሰራዊት ሱዳን ልኡላውነቱ ተሓልዩ ካብ ካልእ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓራ ብምዃን እወታዊ ተራ ክጻወት ናይ ኤርትራ ድሌት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።"

ምክትል ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ብሰኑይ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ'ዩ እቲ ምሕጽንታ ካብቲ ፕረዚደንት ተቐቢሉ።

ኣባል እቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ መንግስቲ ዝዀነን ኣብ ሱዳን ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ "ሕመቲ" ብዝል ዝፍለጥን ጀነራል ዳጋሎ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓሉ ሰዓታት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ክልተኣዊ ዝምድናታት ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

"ጉዳይ ሱዳን ብዘይ ናይ ወጻኢ ምትሕልላኻት ህዝቢ ሱዳን ባዕሉ ጥራይ ክፈትሖ ዝኽእል ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስሚሩሉ" ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጀነራል ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዝርራብ ናብ ኣስመራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ከምዘካየደ ጠቒሱ።

"እቲ ርክብ፡ ንኣገዳስነት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኵሉ ዓውድታት ዘሎ ምትሕግጋዝ ምሕያልን ምውህሃድን ጸቒጥሉ" ኢሉ።

እቲ ጀነራል ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ "ዝርዝራዊ መግለጺ" ከምዝሃቦ ዝጠቐሰ ሱና፡ ክልቲኦም ወገናት፡ "ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘገድሱ ዞባዊን ዓለምለኻውን" ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ጸብጺቡ።

እቲ ጕጅለ ልኡኽ ሱዳን ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ጃፋላ ኣል-ሓጅ ኣል-ዓሊ ዝርከቦ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ኣብ ሚያዝያ 2019 ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ፡ ብድሕሪኡ ዝተመስረተ ንሰራዊትን ፖለቲከኛታትን ዝጠቓለለ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ በቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ምፍራሱ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጀነራል ዳጋሎ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕለዋ መንግስቲ ሱዳን ጌጋ'ዩ ነይሩ ክብል ምግላጹ ኣዘራሪቡ ነይሩ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ 2022፡ ብዙሓት ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ዝፈረምሉ ስምምዕ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊን ደሞክራስያዊን ምምሕዳር ከሰጋግራ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኤርትራ ናብ ዞባዊ ውድብ ምምላሳ ከምዘሐጐሶ'ውን እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን ዝዀነ ዳጋሎ ተዛሪቡ።

መራሒ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ናብ ኬንያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ንጠለብ ኬንያ ብምቕባል ሃገሩ ናብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ክትምለስ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ "ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ" ንምክያድ ሎሚ ናብ ኤርትራ ኣትዩ።

እቲ ሶማላዊ መራሒ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ንሳልሳይ ግዜ'ዩ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከብ ሓላፊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ምስ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ብዛዕባ ጸጥታን ሰላምን ናይቲ ዞባ ተዘራሪቡ'ሎ።

ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነ ሌ/ጀነራል ሸምስ ኣል-ዲን ካባሺ ብወገኑ፡ ምስ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ጁባ ኣትዩ'ሎ። ሚኒስተራት ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን'ውን ምስቲ ጀነራል ናብ ጁባ ተጓዒዞም ነይሮም።

ሱዳን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣቦመንበር ኢጋድ ኮይና ተገልግል ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ሳልቫ ኪር

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed/Twitter

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ሎሚ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ከምዝተራኸበ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ጁባ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር'ውን ተራኺቡ ነይሩ።

እቲ ዲፕሎማስያዊ ምብጽጻሓት ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ይዅን ኣይዅን ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ብኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ሚናዊ ዝምራሕ ጕጅለ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።