ሱዳን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ካርቱም ዝካየደ ዘሎ ግጭት ዘሎ ወተሃደራዊ ንሕንሕ

እዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱምን ካልኦት ቦታታት እታ ሃገርን ተላዒሉ ዘሎ ግጭት፡ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ መሪሕነት እታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ጨካን ዘየቋርጽ ናይ ስልጣን ቃልሲ ቍርቍስ እዩ።
ምዱብ ሰራዊት እታ ሃገርን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ - ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)ን ኣብ ዝዋግኡሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ መላእ ከተማ ካርቱም ኣብ ወሰንቲ ስትራተጂያዊ ቦታታት ግጭታት ይካየድ ኣሎ።
ድሕረ ባይታ እዚ ግጭት እንታይ እዩ?
ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ኣትሒዙ፡ ሱዳን ብወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ክትመሓደር ዝጸንሐት ኰይና፡ እቶም ቀንዲ ተጻባእቲ ኣብዚ ግጭት’ዚ ክልተ ጀነራላት እዮም።
እዚኣቶም፡ ኣዛዚ ምዱብ ሰራዊት ብግብሪ ኸኣ ፕረዚደንት እታ ሃገርን ዝዀነ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ከምኡ’ውን ምክትሉን መራሒ ሓልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝዀነ ብሕሜቲ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን እዮም።
እዞም ክልተ ጀነራላት ኣብ ዛዕባ’ቲ እታ ሃገር ትኸዶ ዘላ ኣንፈትን ኣብ መሰርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራን ኣይተሰማምዑን።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምስዚ መስርሕ ምስግጋር ዝተሓሓዝ ጉዳይ፡ ነቲ 100 ሽሕ ዝግመት ሓያል ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ ናብ ምዱብ ሰራዊት ንምጽንባሩን ድሕሪኡ መን ነቲ ሓድሽ ሓይሊ ይምርሓዮ ኣብ ዝብል ውጥንን እዩ።
ስለምንታይ እቲ ግጭት ብቐዳም ተባሪዑ?
እዚ ግጭት ድሕሪ’ቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ወጥሪ፡ ኣባላት ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ እዋን፡ ነቲ ስጕምቲ ሰራዊት እታ ሃገር ከም ሓደጋ ርእይዎ።
ገለ ኣመታት ዝርርብ ነቲ ኵነታት ክፈትሖ ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን ክኸውን ኣይከኣለን።
ነዚ ብቐዳም ንግሆ ዝተጀመረ ግጭት ቀዳመይቲ ተዅሲ መን ከም ዝተኮሰ ንጹር ኣይኰነን፣ እዚ ግን ነቲ ድሮ ዘይርጕእ ኵነታት ከጋድዶ ከም ዝኽእል ስግኣት ኣሎ።
ዲፕሎማሰኛታት፡ ክልቲኦም ወገናት ተዅሲ ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
ሒደት ብዛዕባ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ፡ ኣብ እዋን ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ብ2013 ዝቘመ ኰይኑ፡ መበገሲኡ ካብቶም ኣብ ዳርፉር ንዓመጽቲ ብኸቢድ ዝተቓለሰ ዕሉል ምልሻ ጃንጃዊድ እዩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ጀነራል ዳጋሎ ኣብ የመንን ሊብያን ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ሰራዊቱ ዘተሳተፈን፡ ንገለ ካብ ዕደና ወርቂ ሱዳን ዝቈጻጸርን ሓያል ሓይሊ ሃኒጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ሰነ 2019 ኣብ ልዕሊ 120 ሰልፈኛታት ብዝተፈጸመ ህልቂት ሓዊሱ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ እዩ።
ከምዚ ዝበለ ካብ ምዱብ ሰራዊት ወጻኢ ዝተወደበ ሓያል ሓይሊ፡ ኣብታ ሃገር ከም ጠንቂ ዘይምርግጋእ ክኸውን ምዃኑ እዩ ክርአ ጸኒሑ።
ስለምንታይ እዩ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ?
እዚ ውግእ እዚ፡ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ካብ ዝተራእየ ወጥሪ ናይ መወዳእታ ክፋሉ እዩ።
ንኣስታት ሰለስተ ዕቝድ [ዓሰርተታት ዓመታት] ዝጸንሐ ኣልበሽር ስልጣኑ ክለቅቕ ዝጽውዕ ኣብ ጐደናታት ሰፊሕ ተቓውሞታት ተኻይዱ፤ ሰራዊት ድማ ነቲ ኵነታት ንምቍጽጻር ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ።
ሲቪላውያን ሰባት ግን፡ ኣብቲ ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዓሊሙ ኣብ ዝተታሕዘ ውጥን ተራ ክህልዎም ምሕታት ቀጺሎም።
ድሕሪኡ፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊን ሲቪላዊን መንግስቲ ተመስሪቱ፤ እንተዀነ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ብኻልእ ዕልዋ መንግስቲ ተኣልዩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣብ መንጐ ጀነራላት ቡርሃንን ሕሜቲን ዝነበረ ንሕንሕ እናዓሞቐ መጺኡ።
ስልጣን ናብ ሲቪላውያን ንምርካብ ዝዓለመ መቓን ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ’ኳ እንተነበረ፡ ዝርዝራት ንምውጻእ ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ግን ኣይተዓወተን።
ሕጂ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
እቲ ግጭት እንተቐጺሉ፡ ነታ ሃገር ዝያዳ ክበታትናን ፖለቲካዊ ዕግርግር ከጋድድን ይኽእል እዩ።
እቶም ሲቪላዊ ምሕደራ ንምምላስ ክጽዕሩ ዝጸንሑ ዲፕሎማሰኛታት፡ ክልቲኦም ጀነራላት ዝዘራረቡሉ መንገዲ ንምርካብ ተስፋ ከቝርጾም ይኽእል።
ክሳብ ዝዀነ ዝኸውን ግን፡ ተራ ሱዳናውያን እዋናት ዘይርጉጽነት ከሕልፉ ዝግደዱ ክዀኑ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







