"ብዙሓት ኣባላትና ተኣሲሮም ሰለዘለዉ ንዐኦም ንምፍታሕ ንንቀሳቐስ ኣለና" እስክንድር ነጋ

ምንጪ ስእሊ, Addis ababa Police Facebook page
ፖሊስ ኣድስ ኣበባ ሰንበት ኣብታ ከተማ ዝኻየድ ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ኣኼባ ከምዘይህሉ ሓቢሩ።
ብዓል ሞያ ፖሊስ ኮሙኒኬሽን ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፋንታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽባሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘሎን፡ ብምክንያት እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝዕጾ መንገድታት ከምዘሎ፡ ስምን ሓለፍትን ኣርማ እቲ ትካልን ብምልጣፍ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሩ።
ኮማንደር ፋሲካው ፋንታ ብምስዓብ፡ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኻድ ዝኾነ ዓይነት ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘየሎን ዝዕጾ መንገዲ ከምዘይህሉን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቤት ምኽሪ 'ባለኣደራ ኣዲስ ኣበባ" ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ሕጋዊ መስፈርቲ ኣማሊኦም፡ ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕቶ ምቕራቦም ገሊጾም ነይሮም።
ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ዘቕረብዎ ሕቶ እወታውን ኣሉታውን መልሲ ከምዘይተውሃቦ ኣቦ ወንበር እቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ እስክንድር ነጋ ድሕሪ ምግላጹ፡ "እቲ ዘሎ ሕጊ ፍቃድ ንኽንረክብ ዘገድድ ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል "ስቅ ምባሎም ከምዘተፈቐደ ኢና ንቆጽሮ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ክህበና ዝተወከስናዩ ኣወሃሃዲእቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ጋዜጤኛ፡ ኣክቲቪስትን ኣቦ ወንበር እቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ እስክንድር ነጋ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላየ ቦታታት ብዙሓት ኣባላት ተኣሲሮም ስለዘለዉ፡ ንኽፍትሑ ንቀሳቐስ ስለዘለና፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝህቦ ርኢቶ የብለይን" ኢሉ።

![ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ [ጄይል ኦጋዴን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/181CB/production/_108236789_whatsappimage2019-08-07at20.17.26-1.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







