ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ፖሊስ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዝኣሰሮም ፖለቲከኛታት በዓል መን'ዮም?

ምንጪ ስእሊ, LTV
ብድሕሪ ቅትለት ስነጥበበኛ ሃጨሉ ሁንዴሳ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ስለዝተፈጠረ ፖለቲከኛታት ኣብ ቀይዲ ይውዕሉ ኣለዉ።
ሕዚ ድማ ላዕለዎት መራሕቲ ኮንግረስ ፌደራሊስት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝኾኑ ኣቶ ደጀኔ ጣፋን ኮለኔል ገመቹ ኣያናን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ኮንግረንስ ፌደራሊስት ኦሮሞ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ትማሊ ሰሉስ ካብ መንበሪ ገዝኡ ብፖሊስ ተታሒዙ ከምዝተወሰደ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣሰለፈች ሙላቱ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣቶ ደረጀ ጣፋ፡ ኣብ ኣደስ ኣበባ ብልሙድ ኣሸዋ ሜዳ ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ መደበር ፖሊስ ከምዝወሰድዎን ደሓር ሒዞምዎ ተመሊሶም ገዝኡ ከምዝፈተሹን እታ በዓልቲ ቤቱ ኣጣሊላ።
ኣባል መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ኣቶ ቶሌራ ኣደባ ብግድኡ፡ ካብ ናይቲ ውድብ መራሕቲ ሓደ ዝኾነ ኮለኔል ገመቹ ኣያና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ድሕሪ ቅትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ካብ መራሕቲ ኮንግረስ ፌደራሊስት ኦሮሞ ሓደ ዝኾነ ኣቶ በቀለ ገርባ ሓዊስካ ኣባላት እቲ ውድብ ዝኾኑ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ ሃምዛ ቦሮናን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ እዩ።
ብተመሳሳሊ ኣቦመንበር ውድብ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ኣባላት መሪሕነት እቲ ውድብ ኣቶ ስንታየሁ ቸኮልን ወ/ሮ ኣስቴር ስዩም እውን ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ፖለቲከኛታት እዮም።
ኣቦመንበር ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ይልቃል ጌትነት ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን እኳ እንተኾነ ዛጊድ ስለምንታይ ከምዝተኣሰረ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ኣባላት እቲ ውድብ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኦነግ ካብቶም ትማሊ ዝተኣሰርዎ ክልተ መራሕቲ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ካልኦት ተወሰኸቲ ኣባላት እቲ ውድብ ከምዝተኣሰርዎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ኦነግ ኣቶ ሚካኤል ቦረናን ኣቶ ኬነሳ ኣያናን ከምኡ እውን ኣማኻሪ እቲ ውድብ ኮይኑ ዝሰርሕ ዶ/ር ሽጉጥ ገለታ ይርከብዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተዉ ፖለቲከኛታት ገሊኦም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተወሳኺ ቆጸራ ከምዝተወሃቦም ዝዝከር እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







