ቴሌቪዥን ትግራይን ድምጺ ወያነን ካብ ኣገልግሎት ሳተላይት ተኣልየን

ኣርማ ትግራይ ቴሌቪዥንን ድምጺ ወያነን

ምንጪ ስእሊ, DW and Tig TV

ኣብ ርእሰ ከተማ መንግስቲ ክልል ትግራይ: መቐለ መሰረት ገይረን ክሰርሓ ዝጸንሓ ክልቲአን መደብራት ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ትግራይን ትግራይ ቴሌቪዥንን ሎሚ መዓልቲ ኣማስየን ከምዝተዓጽዋ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣገልግሎት ሳተላይት ናይተን መደብራት ኣብ ፈረንሳይ ከምዝርከብን ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕጻወን ከምዝተገለጸሎምን ሓለፍቲ እተን መደብራት ንሪፖርተር ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ነቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ምኽንያት፡ ዛጊድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተውሃበ መግለጺ የለን።

ምክትል ስራሕ ኣካያዲ ብሮድካስት ባለስልጣን ኣቶ ወንደወሰን አንዱአለም ግና፡ ንክልቲአን መደብራት ቴሌቪዥን መጠንቀቕታ ካብ ምጽሓፍ ወጻኢ ክዕጸዋን ካብ ሳተላይት ቴሌቪዥን ክወርዳን ከምዘይገበሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ክሳብ እዛ ሕዚ ሰዓት እተን ጣብያታት ክዕጸዋ ዝገበርናዮ ነገር የለን። እርማት ክገብራ ግና ተሪር መጠንቀቕታ ጽሒፍና ኢና" ኢሉ ኣቶ ወንድወሰን።

እቲ መጠንቀቕታ ንምጽሓፍ ምኽንያት ዝኾኖም፡ ሚዛናዊነት ዘይሓለዉን ዓሌት ምስ ዓሌት ዘጓንጹን ጸብጻባት ይስርሑ እዮም ዝብል ከምዝኾነ ወሲኹ ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ፌዴራል ኣፍልጦ ዘይምሃብ'ውን ከም ሓደ ጸገም ከምዝረአ እቲ ምክትል ሓላፊ ተዛሪቡ። ብተመሳሳሊ፡ ትግራይ ሚድያ ሃውስን ኣስራት ቴሌቪዥንን 'ውን ኣግልግሎት ይህቡ ከምዘየለዉ ተፈሊቱ።

ኣስራት ቲቪ ቅድም ክብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።