‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ምጽራይ ንተቓወምቲ ምጽላም ደው ከብል ይግባእ’ ክራይስስ ግሩፕ

ምንጪ ስእሊ, ETV
ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳን ስዒቡ ዝተፈጠረ ናዕብታትን ኣመልኪቱ፡ ንተቓወምቲ ምጽላምን ኢድካ ምውጥዋጥን ነገራት ክጋደዱ ከምዝገብር ኣጠንቂቑ።
እቲ ጎንጽታት ቀዲሙ ብምእማትን ምትንታንን ዝፍለጥ ዓለማዊ ጉጅለ፡ ቅትለት እቲ ስሙይ ኦሮሞታይ ኣርቲስት ስዒቡ ዝተርኣየ ተቓውሞን ጎንጽታትን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ከምኡ ዝበለ።
ኩሎም ሓይልታት ፖለቲካ ናብ ልዝብ ከመጽኡ ዝሓተተ እቲ ጉጅለ፡ ብፍላይ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብግልጺን ብዘይ ሻራውን መገዲ ክጻረ ሓቲቱ ኣሎ።
ነቲ ክስተት፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ ዘስዓበ ክብል ገሊጽዎ።
ቅድም ክብል ድማ ምስ ምንዋሕ መረጻን ምንዋሕ ስልጣን መንግስትን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት፡ ካልኦት ውድባት ተቓውሞ ከየማኸረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንበይኑ ምውሳኑ፡ ነቒፉ።
ሕዚ ድማ፡ ነቲ መረጻ ናይ ምንዋሕ ስጉምቲ ንዝተቓወሙ ሓይልታት፡ ነዚ ዝተፈጥረ ዕግርግር ተበሊጽኻ ምእሳር ፍታሕ ከምዘየምጽእ እቲ ጉጅለ ሓቢሩ።
ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ጀዋር መሓመድ፣ ኣቶ በቀለ ገርባን ካልኦትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ድማ ሓቲቱ።
ቅድሚ መርመራ ምእንፋት
እቲ ዝተፈጸመ ቅንጸላ ብዝምልከት፡ መርመራ ፖሊስ ገና ዘይተዛዘመ እንተኾነ’ኳ፡ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ተግባር መን ከምዝፈጸሞ ዘመላኽቱ መግለጺታት ከምዝሃቡ እቲ ጉጅለ ኣዘኻኺሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ነቲ ዝተልዓለ ናዕብታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ‘ነቲ ለውጢ ዘዕንቅፉ ሓይልታት’ ንዝበሎም ተሓተትቲ ገይሩ እዩ።
ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ድማ፡ ንህወሓትን ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ንዝንቀሳቐስ "ሸኔ" እናተብሃለ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ጉጅለን ጠቒሶም ከሲሶም እዮም።
ኣብታ ሃገር ንዘጋጥም ሕድሕድ ቅልውላዋት፡ 'ኣብ ዘይወዓልናዮ ተሓተትቲ ንግበር ኣለና' ዝብል ቅርታ ዘለዎም መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ናይ ሕዚ ክሲ’ውን፡ ተመሳሳሊ ቁጥዐ ከምዝፈጥረሎም እቲ ትካል ኣሚቱ'ሎ።
ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ እቶም ዝፍጸሙ ቅትለታት ብዝምልከት ምሉእ ምጽራይ ከይተገብረ ምእንፋት ጠጠው ከብሉ ኣለዎም ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።
“ስግኣት ጸጥታ ዘሻቕል እናኾነ ብዝኸደ ቁጽሪ፡ ሰብ ስልጣናት መንግስቲ፡ ተቓወምቲ ውድባት'ዮም ‘ዓዲ ዝሕምሱ ዘለዉ’ ኢሎም ኢዶም የወጣውጡ ኣለዉ። እዚ መጸለምታ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ምምቕቓል ዘጋድድ እዩ ክኸውን” ኢልዎ።
ተቓወምቲ ውድባት ብወገኖም፡ ደገፍቶም ተቓውሞኦም ብሰላማዊ መገዲ ከካይዱ ከምዘለዎም ክምዕዱ ሓቲቱ።

ምንጪ ስእሊ, ICG
ጎደሎ መስርሕ ሕጊ
ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ዝፍጠር ዘለዉ ጎንጽታት፡ ኣሻሓት ኣደዳ ሞት ክኾኑን፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ምኽንያት ከምዝኾኒ ክራይስስ ግሩፕ ኣብሪሁ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ሃዲዱ ስሒቱ እዩ ዝብል ነቐፌታ ኣስሚዑ ዝነበረ ክራይስስ ግሩፕ፡ ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ ዘሎ ምስሕሓብ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ሕዚ’ውን ምስ ምንዋሕ መረጸ ተኣሳሲሩ፡ ኣብዪ ኣሕመድን እቲ ሓድሽ ውድቡ ብልጽግናን ንብሕቶም ምውሳኖም፡ ግቡእ ከምዘይኮነ ኣብዚ እዋናዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወሙ ብቐንዱ ህወሓትን ጃዋር መሓመድ ኣባል ዝኾነሉ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን እዮም።
“ተደጋገሚ ጎንጽታት ምግጣሙ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዙሕ ኣማኺሩ ክሰርሕ ከምዝግበኦ ዘመላኽት እዩ" ኢሉ።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጀነራላትን ዝተፈጸመ ቅትለት ብግልጽን ብተኣማንነትን ከጻሪ ሓቲቱ።
“ዛጊድ ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ ንምጽራይ ዝግበር መስርሕ ሕጊ፡ ጎደሎን ጥርጣረታት ዘሕድርን” እዩ ድማ ኢልዎ።
ኮሞሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ቀረባ መዓልተት ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ዓሌታዊ መልክዕ እናሓዘ መጺኡ ከምዝነበረን ከምዘሻቕሎን ገሊጹ።
ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ እቲ ኮሚሽን ዝሓተተ ኾነኑ፡ ምጽራይ እቲ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ብግልጺ ክካየድ ድማ ሓቲቱ።
ኣብታ ሃገር ኢንተርንኔት ምዕጻው ድማ፡ ሓቃዊ ሓበሬታ ከይርከብ ምኽንያት ይኸውን ስለዘሎ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክኸፍቶ ሓቲቱ። እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ምቅሕሓር ዘጋድድ እዩ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







